ስደተኛታት ሊብያ ቀስር ቢን ገሺር መጥቃዕቲ በጺሕዎም

ሊብያ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ገሲም ቢ

ምንጪ ስእሊ, George Gebresslasie

ሊብያ ብዂናት ኣብ ትሕመሰሉ ዘላ እዋን ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ቀስር ቢን ገሺር ዝርከቡ ስደተኛታት ትማሊ ናይ ብረት መጥቃዕቲ በጺሕዎም።

ናይ ዓይኒ መሰኻክር ከም ዝብልዎ እቶም ስደተኛታት ብምኽንያት ቅነ ሕማማት ኣብ ጸሎት ከለዉ ኢዩ እዚ ዘጋጠሞም።

ሐደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኤርትራዊ ስደተኛ ካብ መዳጎኒ ስደተኛታት መዓስከር ቀስር ቢን ገሺር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እዚኦም ክንብሎም ዘይንኽእል ወታደራትን ሰራዊትን መጺኦም ኣብ መንጎ ጸሎት ከለና ቶክሲ ከፊቶምልና፡ ከባቢ ዕስራ ድማ ቆሲሎምና" ድሕሪ ምባል ሕጂ ብዛዕባ ዝርከብሉ ኩነታት ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

እዚ ኤርትራዊ ስደተኛ ወሲኹ፡ ሓደ ሰብ ካብዚ ከዕግዘኩም እናበለ ይመላልሶም ከም ዘሎን፡ ንሳቶም ግና ሽፍታ ምዃኑ ከም ዝፈልጡን ንድሕነቶም ስለ ዝሰግኡ ድማ ኣብቲ ዘለውዎ ቦታ ክጸንሑ ከም ዝደልዩ ብምግላጽ፡ ሻቅሎቱ ኣካፊሉና።

ንሱ ብተወሳኺ ዝምልከቶ ኣካል ስደተኛታት ናበይ ከም ዝግዕዙ ብግልጺ ክሳብ ዘይሓበሮም ክንቀሳቀሱ ድልየት ከም ዘይብሎም የብርህ።

ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ትካላት ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንድሕነቶም ከውሕሱ ብዘይምኽኣሎም ከማርሩ ጸኒሖም ኢዮም።

ተቐማጢ ሃገረ ኣሜሪካ፡ ተጣባቂ ስደተኛታታት ጆርጅ ገብረስላሰ ብወገኑ፡ ትማሊ እቲ ፍጻሜ ምስ ኣጋጠመ ህይወት ንምድሓን ተጓይዩ ምስ ዝምለከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ኣንቡላንሳትን ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ደገፍን ክረኽቡ ከም ዝገበረ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ዕላል ገሊጹ።

ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ክዛረብ ከሎ ድማ፡ "ዋላ እኳ እቲ ጉዳይ ገና ምጽራይ ዘድልዮ እንተኾነ፡ ከም ዝተሓበረኒ ግን ጸሎት እናገበሩ ከለዉ ኣቋርጽዎ ተባሂሎም ብኡ ዝመጸ ሳዕቤን ኢዩ" ይብል።

ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ኣምቡላንሳት ናብቲ ቦታ ክበጽሓ ኣብ መፈተሺ ነቁጣታት ስለ ዝተዓግታ ቅሩብ ምድንጓይ ከም ዘጋጠመ 'ውን ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን እቶም ቁሱላት ኣብ ሆሰፒታል ይእለዩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

ኣብ ካልእ እስርቤታት'ውን ክርስትያናት ኣብዚ ናይ 'ሕማማት' እዋን ዝገብርዎ ዘለዉ ጸሎት ከቋርጽዎ ይንገሮም ከም ዘሎ፡ ጆርጅ ይገልጽ።

ነዚ ተኸቲሉ በዓል መዚ ስደተኛታት፡ ካብቲ ቦታ ብክልተ እብረ ማለት ብረቡዕን ሓሙስን ከባቢ 700 ስደተኛታት ናብ ዝሓሸ ውሕስነት ኣለዎ ዝበሎ ኣብ ምዕራባዊ ትሪፖሊ ዝርከብ ዛዊያ ዝበሃል መዳጎኒ ቦታ ከም ዘስገሮም፡ ዘዘራረብናዮም ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ገሊጾምልና።

ኣብ ሊብያ ተወሊዑ ብዘሎ ኵናት፡ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ዝርከቡ ኣብ ማእከል እቲ ውግእ ተቀርቂሮም ከም ዘለዉ ኢዩ ዝንገር።

እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ክልተ ስደተኛታት ማለት ሓደ ኤርትራዊ ሓደ ድማ ሶማላዊ ከም ዝሞቱ ታይምስ ኦፍ እስራኤል ጸብጺቡ።

ትካላት ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ብሰንኪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ንጥፈታቶም ብግቡእ ከካይዱ ይጽገሙ ከም ዘለው ኢዩ ዝጥቀስ።

ገለ ማዕከናት ዜና ውን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ሰብ መዚ ሊብያ ብምሽራኽ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዓሰርተታት ሚሊዮናት ዩሮ ብምሃብ፡ ስደተኛታት ኣብታ ውሕስነት ዘይብላ ሃገር ክዕገቱ ምግባሩ ተሓታቲ ኢዩ ክብሉ ይኸስሱ።

'ዘ ጋርዲያን' ዝተብሃለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝሕተም ጋዜጣ "ስምምዕ ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ሊብያ ንስደተኛታት ንሞት ፈሪዱ" ዝብል ዓምዲ ንንባብ ኣብቂዑ ምንባሩ ይዝከር።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን፡ ብዛዕባ ውሕስነት ስደተኛታት ሊብያ ዘለዎ ሻቕሎት ገሊጹ ኣሎ።