ሕቡራት ሃገራት፡ ኩነታት ሞዛምቢክ 'ዝኸፍአ ኮይኑ' ይብል

ክልተ ብሓያል ውሑጅ ዝተትሓዙ ሰባት Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ 700,000 ዝጽግዑ ሰባት ኣብ ሓደጋ ኣለው

ሞዛምቢክ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብከቢድ ህቦብላ ትጠዕቃዕ ኣላ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝበሎ ድማ፡ እቲ ኩነታት 'ካብ ዝተሓሰበ ንላዕሊ ዝኸፍአ'ዩ' ክብል ገሊጹዎ።

ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ኣብ ሰዓት 220 ኪሎ ሜትሮ ዝሕምበብ ብርቱዕ ህቦብላ፡ ሞዛምቢክ ኣጥቂዑዋ'ዩ።

እቲ ህቦብላ ዘስዓቦ ሓያል ዝናብ ይቕጽል ብምህላዩ፡ ድማ 700 ሽሕ ዝጽግዑ ሰባት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ይርከቡ።

ፔምባ ዝተብሃለት ከባቢ፡ ልዕሊ 2 ሜትሮ ዝናብን ውሑጅን ኣተኣናጊዳ'ያ። ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሃገራት ሳቪኖ ኣቤሩ፡ ኣብ ከተማታት ማኮሚያን ኲሳንጋን ዝኸፍአ ምኻኑ ሓቢሩ።

4 ሜትሮ ዝኸውን ማዕበል ክኽሰትን ሓያል ዝናብ ክመጽእን ከም ዝኽእል ድማ፡ ኤጀንሲታት ሓገዝ ገሊጾም።

"ኣብቶም ዝቕጽሉ ኣርባዕተ መዓልታት ከቢድ ዝናብ ክህሉ'ዩ ዝብል ትንበያ ሜትሮሎጂ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ጭንቂ ኢና ዘለና" ኢላ ወሃቢት ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዲቦራ ንጉየን።

ንሳ ንኤኤፍፒ፡ "ህቦብላ ኢዳይ ካብ ዘስዓቦ ዝናብ ክልተ ዕጽፊ ክህሉ'ዩ ኢልና ትጽቢት ንገብር" ኢላ።

ህቦብላ ኢዳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ልዕሊ 900 ሰባት ኣብ ሰለስተ ሃገራት ዝቐተለ ብርቱዕ ህቦብላ'ዩ።

Image copyright AFP/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ ከቢድ ዝናብ ብርክት ዝበለ መሰረተ ልምዓት ኣዕኒዩ

ተወሳኺ ዛንታ