ኢትዮ-ኤርትራ፡ ምኽፋት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ እንታይ ረብሓታት ኣምጺኡ?

ምኽፋት ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ንግዳዊ ምንቅስቓስን ካልእን ክዓቢ ዕድል ፈጢሩ ምንባሩ ይግለጽ

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዘራኽቡ ኣርባዕቲኦም መስመራት ዶብ ተዓጽዮም እዮም ዘለዉ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ን 20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ ዶባት ምስተኸፈተ ክርኣይ ጀሚሩ ዝነበረ ውዕውዕ ልውውጥ ንግዲ'ውን ተገቲኡ ኣሎ።

ነቲ ንሓጺር እዋን ዋላ ይኹን ዝተርኣየ ውዕዉዕ ርክባት ዘስተውዓሉ ሰባት፤ ኣፍ ደገ ክልቲኤን ሃገራት ስርዓትን ሕግን ሓልዩ ኣብ ቀረባ እዋን ዳግም ክርሕው እሞ፤ ሓበራዊ ተረባሕነት ክህሉ የተስፍዉ ኣለዉ።

ድሕሪ ምኽፋት እቲ ዶባት ዝነበረ ኩነታት እንታይ ይመስል?

ምኽፋት ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያውያን ምስ ተበሰረ፡ ሰፊሕ ምንቅስቓስን ምትሕውዋስ ህዝብን ተራእዩ እዩ።

ኣብ ከባቢ ዶባት፤ ብር ናብ ናቕፋ፡ ናቕፋ ናብ ብር ክሽረፍ ጀሚሩ።

ዝተፈላለየ ኣቑሑ ሒዘን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዝጉዓዛ መካይን መስርዕ ሒዘን ምርኣይ እናተለመደ መጺኡ፤ ናይ ኤርትራ ቁጽሪ ሰሌዳ ዝሓዛ መካይን ድማ ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ዓድዋን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ምርኣይ ንቡር ኮይኑ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ስሩዕ መነባብሮኦም ኣብዘን ከተማታት ዝገብሩ፣ ክመሃሩን ኣብ ንጥፈታት ንግዲ ክሳተፉን ዝጀመሩ ኤርትራውያን ቁጽሮም ውሑድ ኣይኮነን።

ሊዲያ ተኪኤ ምስ በዓል ቤታ ኣብ መቐለ፡ ቀበሌ 16 ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ቤት መስተ ከፊታ ዝረኸብናያ ኤርትራዊት መንእሰይ'ያ።

"ኩሉ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘለዎ ኣረኣእያ ጽቡቕ'ዩ። ኩልና እናተሓጋገዝና ኢና ንሰርሕ ዘለና" ትብል።

"ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምኽፋት እቲ ዶብ ዋጋታት እናነከየ መጺኡ። ዝሓሸ ነገር ክንረክብ ንኽእል ኢና ብዝብል ድማ ናብዚ መጺእና፤ ካብ ዝሓሰብኩዎ ንላዕሊ'ዩ ጸኒሑኒ። ልብኻ ኣውዲቕካ እትሰርሐሉ ሰላም ኣሎ" ትብል ሊዲያ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ካብ ኣስመራ ማይ ተመናይ ከም ዝመጽአት ዝገለጸት ሳሮን ተስፋጋብር ብወገና፡ "ቀንዲ መምጽእየይ ስድራ ንምሕታት'ዩ ነይሩ" ኢላ።

"ኣስመራ በጺሐ ዳግም እንትምለስ ግን፡ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ተዓዚበዮ፤ ስራሕ ከም ዘሎ ርእየ። ምስ ሓደ ኢትዮጵያዊ ኮይነ ድማ ስራሕ ጀሚረ ኣለኹ" ትብል።

ምቹእነት ስራሕን ንግድን

ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዘራኽቡ መስመራት ንምንታይ ዳግማይ ተዓጽዮም ክበሃል ከሎ፤ ከም መንቀሊ "ክኸውን ይኽእል እዩ" ተባሂሎም ካብ ዝቐርቡ ዘለዉ ምኽንያታት ሓደ፡ ነቲ ብፍኑው ዝተጀመረ ርክባት ስርዓት ንምትሓዝ እዩ ዝብል ይርከቦ።

ቅድም ክብል'ውን እንተኾነ፤ እቲ ርክባት መታን ውሕስነት ክህልዎ ሕግን ስርዓትን ክኽተል ግድን እዩ ዝብል ርእይቶታት ክወሃብ ጸኒሑ እዩ።

ቅድሚ ዳግማይ ምዕጻው እቲ ዶባት ዘዘራረብናያ ወይዘሮ ሊድያ፡ "ኩሉ ነገር ሕጋዉነት ሃልዩዎ፡ ብሰላም ክትኣቱን ክትወጽእን ዘኽእል ክኸውን፤ እቲ ሸቐጥ'ውን ከምቲ ጀሚሩዎ ዘሎ ተጠናኺሩ ክቕጽል'የ ዝደሊ" ኢላ ነይራ።

ሕጂ ዘላትሉ ዓዲ [መቐለ]፡ ንስራሕ ምቹእ ምዃኑ እትዛረቭ ሳሮን ባርያጋብር ድማ፡ "እግሪ ሰላም ስዒብና ሰሪሕና ብሰላም ክንነብር ስለ ዝመጻእና፡ ድሕሪ ሕጂ ዝኹለፍ ነገር ክህሉ ኣይደልን" ትብል።

ሳሮን፡ እቲ ርክባት ከይኩለፍ መታን ከኣ ሕጋዊ መስርሕ ክሕዝ ኣለዎ በሃሊት እያ።

ርክብ ንግዲ ክልተ ሃገራት እንታይ ክመስል ኣለዎ?

ናይ ሓንቲ ሃገር ቁጠባ ውዑይ ምንቅስቓስ ክህልዎ ዝገብር ዕዳጋ እዩ ይብሉ ሰብ ሞያ ስነ ቑጠባ። ምኽፋት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ድማ ብኽልተኡ ወገን፡ ቁጠባዊ ረብሓታት ከአንፈት ጀሚሩ ከምዝነበረ ይዝረብ።

"እዛ ናይ ሕጂ ሰላም ኣብ ማእኸል ሃገር ተኾሚሩ ዝነበረ ኢንቨስትመንት ናብ ሰሜን ክፈስስ ኣኽኢላ'ያ" ዝብል ኢትዮጵያዊ ሙሁር ስነ ቁጠባ ሙዑዝ ሓድሽ፡ ኣብ መጻኢ፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዘለው ሰብ ሃፍቲ ቅርበት ወደብ እናረኣዩ ናብ ሰሜን ገጾም ክሰሓቡ ተኽእሎ ኣሎ ይብል።

ኣውፈርቲ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ቀዳምነት ዝህብዎ መዐቀኒ ሰላም እዩ ይብል እዚ ምሁር።

መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ'ውን ትኽክለኛ ኣንፈት ወጺኡሉ ዝቕጽል እንተድኣኾይኑ፡ ንዓመታት ተሃስዮም ንዝነበሩ ከባቢታት ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ሓደሽቲ ዕድላት ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ክፈጥር ከም ዝኽእል እቲ ምሁር ይዛረብ።

ብኻልእ ወገን፡ ክልተ ልዑላዊ ሃገራት ቁጠባውን ንግዳውን ርክባት እንትገብራ ክኽተልኦ ዝግባእ መስርሕ ምህላው፡ ኣይተ ሙዑዝ ይጠቅስ።

እዚ ርክባት ድማ፡ ኣብ ረብሓ እተን ክልተ ሃገራት መሰረት ገይሩ እዩ መስርሕ ዝዳለወሉ ይብል። እቲ ምሁር ከምዝብሎ፡ በቲ ዛጊድ ዝነበረ ፍኑው ርክብ ግን፡ ኣየነይቲ ሃገር እንታይ ትርባሕ ዝብል ብንጹር ኣይተፈለጠን ጸኒሑ።

"ሕጋዊ ብዝኾነ መገዲ ስርዓት ሒዙ ክቕጽል ነተስፉ። ክልቲኤን [ሃገራት] መሰረታዊ ዝኾነ ስምምዕ ፈጺመን፤ እንተድኣ ተኻኢሉ ልክዕ ከም ሃገራት ስካንዲቪያን፡ ብሓንቲ ቪዛ ዜጋታት ዝንቀሳቐስሉ ኩነታት እንተዝፍጠር" ድማ ይብል።

ከም ክልተ ሉዑላውነተን ዝሓለዋ ሃገራት፡ ኣብ ዶባት ስርዓት 'ጉምሩክን ቀረጽን' ተሓልዩ ርክብ ክካየድ ከም ዘለዎ ይምዕድ።

ተወሳኺ ዛንታ