ንሓረስቶት ትግራይ ዘንበዐ፡ ጉዳይ ካሕሳ መሬት

ሓረስቶት
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓረስቶት ጣብያ ዓራቶ

ጉዳይ መሬት፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ መቐይሮ ነጥቢ ዝኾነሎም ግዜታት ነይሮም። ሕዚ እውን እንተኾነ፡ ኣብ ዙርያ መሬት ዝለዓሉ ሕቶታት ኣይዛረዩን።

ኣብ ትግራይ'ውን በብእዋኑ ምስ መሬት ዝዛመዱ ሕቶታት ይለዓሉ'ዮም። ብፍላይ ድማ፡ ሓረስቶት ካብ መሬቶም ኣብ ዘለዓልሉ ግዜ፡ ንማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማት ይቃልዑ ምህላዎም ይግለጽ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዙርያ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከቡ ከባብታት፡ ኩነታት ሓረስቶት እንታይ ይመስል ንዝብል ዳህሲሱ'ሎ።

ኣብ ወረዳ እንደርታ፡ ዓራቶ ኣብ ዝበሃል ጣብያ፡ እንዳባሸላማ እትበሃል ቁሸት ኣላ። ኣብዛ ቁሸት እዚኣ፡ ትእምት (ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ) ፋብሪካ ኬሚካል ይሃንጽ ኣሎ። ንህንጸት እዚ ፋብሪካ ዘድልይ መሬት ካብ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ዝተወሰደ እዩ።

ንህንጸት ፋብሪካ ኬሚካል ደጀና ክበሃል፡ ካብቲ ከባቢ 520 ሓረስቶት ካብ መሬቶም ከምዝተልዓሉ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ይገልጹ። ዝተውሃቦም ካሕሳ ውሑድ ብምዃኑ ድማ ዕጉባት ኣይኮኑን።

"እቲ ዝተውሃበና ካሕሳ ተወዲኡ"

ሓረስታይ ደስታ ካሕሳይ፡ ሰለስተ ጽማድ መሬት (ርብዒ ጎደል ንሓደ ሄክታር) ነይርዎም። ካብዚ፡ እቲ ክልተ ጽማድ መሬቶም ንህንጸት ፋብሪካ ኬሚካል ደጀና ተወሲዱ።

መሬቶም ልሙዕ ስለዝነበረ፡ ጽቡቕ ምህርቲ ይሓፍስሉ ከምዝነበሩ እዮም ዝዛረቡ። እንተኾነ'ውን፤ መሬቶም ክህቡ እንከለዉ ተስፈኦም ኣይጸልመተን ነይሩ። ንባዕሎምን ንደቆምን ስራሕ ክፈጥር ትፅቢት ነይርዎም።

"ሕዚ ደቅና ኣይኮነን'ዶ ኣብኡ ክሰርሑ፡ ንስዑዲ ከይዶም። ቅርሺ ስደዱ እናበሉ፡ እቲ ዝተኽሓስናዮ ገንዘብ እውን ተወዲኡ" ይብሉ።

እዞም ሽማግለ ሓረስታይ፡ ሕዚ ኣብታ ዝተረፈቶም ሓንቲ ጽማድ ግራት ብዘፍርይዎ ምህርቲ ንሓሙሽተ ርእሶም ይናበሩ።

"ሽማግለ እየ፤ ዋርድያ እንተረኸብኩ ተፀጊዐ እናበላዕኹ ከሕልፎ እንተኾንኩ'ምበር፤ [ንኻልእ ሸቕሊ ዝኸውን] ዓቕሚ የብለይን" ይብሉ።

እቲ መረረት ግን፡ ናይ ሓረስታይ ደስታ ጥራይ ኣይኮነን።

ሓረስታይ ሓለፎም (ስሞም ዝተቐየረ)፡ 11 ስድራ ዘናብርሉ ሰለስተ ግራውቲ ነይርዎም። ሕዚ ክልተ ግራውቲ ጥራሕ ኣብ ኢዶም ኣሎ። እቲ ሓደ ግራቶም ንህንጸት ፋብሪካ ተወሲዱ፤ 139 ሽሕ ብር ካሕሳ ከምዝተቐበሉ ይዛረቡ።

"ሕዚ እተን ካሕሳ ተወዲአን እየን። እዚ ካሕሳ፤ ይትረፍ'ዶ ን 11 ዕያል፡ ሰብኣይን ሰበይትን እኳስ፡ [ዝተውሃቦም ካሕሳ] ወዲኦም ኣብ ፀገም እዮም ዘለዉ" ኢሎም።

ሓረስታይ ደስታ ካሕሳይ ድማ፡ ካብቲ "ውሑድ ካሕሳ" ብተወሳኺ ዘጉሁዮም ካልእ ምኽንያት ኣሎ።

"እቲ ዝስራሕ ዘሎ ፋብሪካ ኣብ ውሱን ቦታ [ዝዓረፈ] እዩ። እዚ ኩሉ ተሓራሲ መሬት ካብ ሓረስታይ ወሲዶም፤ ሰለስተ ዓመት ሙሉእ ብገርፈጥ፣ ዕሾኽን ዳንዴርን እዩ ተሸፊኑ ዘሎ። ዝኹሉ መሬት ኣይንዓና ኣይንመንግስቲ ባኺኑ" ይብሉ ናብቲ ዝተሓፀረ ግን ድማ ህንፀት ዘይተጀመሮ ዝበልዎ ጎልጎል እናመላኸቱ።

እዞም ሓረስቶት ካብ መሬቶም ምስተልዓሉ፡ ንሳቶም ጥራይ ዘይኮኑስ ደቆም'ውን እዮም ተሃስዮም። መናእሰይ ናይቲ ከባቢ፤ ቅድሚ ሕዚ ልሙድ ዘይነበረ ጉዕዞ ስደት ይመርጹ ከምዘለዉ ሓረስታይ ሕሸ ብስራት ይዛረቡ።

"እዘን [ናይ ካሕሳ] ቅርሺ ምስመፃ፡ ደቂ ሓረስቶት ናብ ስዑድ ዓረብ ይኸዱ ኣለዉ። ተጠሪዞም እናተመለሱ ድማ፡ ኣደዳ ደለልትን ቀለብ ዓሳን ይኾኑ'ለዉ" ኢሎም።

ኣይተ ደስታ ካሕሳይ ሓደ ካብቶም ደቆም ንስደት ዝኸድዎም ሓረስቶት እዮም።

"ትእምት ጠሊማትና"

እቶም ንህንጸት ፋብሪካ ኬሚካል ደጀና ክበሃል ካብ መሬቶም ዝተልዓሉ ሓረስቶት፡ ብትእምት ዝተኣተወሎም ቃል ከምዝነበረ እዮም ዝዛረቡ።

እቲ ዝተኣተወሎም ቃል ድማ፡ ቅድሚ ህንጸት እቲ ፋብሪካ፡ ኣድላዪ ዝበሃል መሰረተ ልምዓት (ትሕተ ቅርጺ) ክማለኣሎም ምዃኑ ዝገልጽ ነይሩ። 'ምእንተ'ዚ ኢና ድማ መሬትና ክንህብ ፈቒድና' እዮም ዝብሉ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ቁሸት እንዳባሸላማ

"እቲ ቃል ዝኣተውዎ መብራህቲ፣ ማይ፣ ፅርግያ፣ ሕክምናን ቤት-ትምህርትን ኣይረኸብናዮን" ክብሉ ይወቕሱ ኣይተ ሕሸ።

እኳደኣስ፡ ሓረስቶት ክጥቀሙላ ዝተሰርሐት ማይ መስተ'ውን፡ ናብ ቀፅሪ እቲ ፋብሪካ ስለዝኣተወት ንጸገም ከምዝተቓልዑ እቶም ሓረስቶት ይገልጹ።

"ሕዚ ምስ እንስሳና ካብ ምንጪ ማይ ኢና ንጥቀም ዘለና" ኢሎም ኣይተ ሕሸ።

"ውራ መሬት"

ኣብ ብርክት ዝበሉ ከተማታት ትግራይ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባብታት መቐለ፡ ንህንፀት መሰረት ልምዓት፣ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ከምኡ ድማ ንኣውፈርቲ ብዝብል ሓረስቶት ካብ መሬቶም ይለዓሉ።

ካብ ኣውፈርቲ ክንረኽቦ ዝግበኣና ረብሓ ኣይረኸብናን ዝብሉ ሓረስቶት ኣለዉ። ሓደ ሓደ ሰባት ድማ፡ ነቲ ኩነታት "ውራ መሬት እዩ" ብምባል ክገልጽዎ ይስማዕ።

'ገሊኦም ኣውፈርቲ ዝኣትውዎም ዘለዉ ዓውድታት ስራሕ፤ እቲ ሓረስታይ ባዕሉ ክሰርሖም ይኽእል እዩ' ዝብል ስምዒት ዘለዎም ነበርቲ እቲ ኸባቢ "ንሓረስታይ ብሕሱር ካሕሳ ኣፋኒኻ፡ ንውልቀ ሰብ-ሃብቲ ንምርባሕ ዝዓለመን ግልፅነት ዝጎደሎን" ኣካይዳ ከምዘሎ ይዛረቡ።

ኣብ ጣብያ ዓራቶ፡ ኣብ ምውፃእን ምጥሓንን እምኒ ንዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ክበሃል መሬቶም ዝተወሰዶም ሓረስቶት "ከባቢና ንብኽለት ተቓሊዑ" ዝብል መረረት እውን ኣለዎም።

"በቲ ደማሚት፡ በዚ ድማ ኣቦራ፤ ገዛና እናተነቕነቐ፣ እናነቕዐ ክንድዚኣ ኣይርእዩናን" ይብሉ ኣይተ ሓለፎም።

"ርኡይ ምዝመዛን ጥሕሰት ሕጊን ይፍፀም ኣሎ"

በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ብርሃኑ በርሀ፡ ኣብ ጉዳይ መሬት ንብዙሕ ዓመታት ብጥብቅና ዝሰርሑ እንትኾኑ፡ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገርን ኣዋጅ መሬትን፡ ሓረስታይ ካብ መሬቱ ናይ ዘይምንቃል መሰል ከምዘለዎን፡ ግድን ንመሰረተ ልምዓት ክልዓል እንተኾይኑ ድማ፡ እቲ ሓረስታይ ኣብ ልዕሊ እቲ መሬት ንዘፍሰሶ ሃፍቲ ብቑዕ ካሕሳን ተመሳሳሊ መሬት ንክወሃብ፣ ለውጢ መሬት እንድሕር ዘይርከብ ናይ 10 ዓመት ፍርያት ተፀብፂቡ ክኽፈል ኣለዎ ብምባል የብርሁ።

ናይ ምስሊ መግለጺ በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ብርሃኑ በርሀ

ኣብ ባይታ ግና ነንባዕሎም ዝጋጨው መስርሕ ሕግታት ከምዘሎ ዘብርሁ በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ብርሃኑ፡ ኣብ እንደርታ ግድብ ገረብ ሰገን ንምህናፅ ካብ መሬቶም ዝተልዓሉ ሓረስቶት ከም ኣብነት የልዕሉ።

"ግድብ ገረብ ሰገን ንምህናፅ ዝተልዓሉ ሓረስቶት፡ ብመሰረት እቲ ሕጊ ናይ 10 ዓመት ካሕሳ ክወሃቦም ይግባእ" ብምባል፡ "ሓደ እቶም ሓረስቶት ካሕሳ እንከይተውሃቦም እዮም ተልዒሎም፤ ካልኣይ እቲ ካሕሳ ጠቐሊሎም ክህብዎም እናተግብአ፡ በብዓመቱ እዩ ዝወሃቦም ዘሎ። እዚ ብተዘዋዋሪ ነቶም ሓረስቶት ዝግባእ ገንዘብ ኣብ ባንኪ ኮፍ ኢሉ፡ በቲ ዝርከብ ወለድ እዮም እቶም ሓረስቶት ዝኽፈሉ ዘለዉ። እዞም ሓረስቶት ናብ ሰብኣዊ መሰል ጠሪዖም ሰማዒ ስለዝሰኣኑ፡ ሕዚ ናብ ሕጊ ኣትዮም፤ እዚ ርኡይ ምዝመዛን ጥሕሰት ሕጊን እዩ ዝፍፀም ዘሎ" ይብሉ።

ተፃብኦ ሕግታት

ኣብታ ክልል ዝስረሐሎም ኣዋጃት መሬት ነንባዕሎም ዝጋጨው ከምዝኾኑ ዝገልፁ እዞም በዓል ሞያ ሕጊ፡ ኣብነት ዝበልዎም ኣዋጃትን መመርሕታትን ይፀርሑ።

መመሓደሪ ደምቢ መሬት 2003 "ሓረስታይ ኣብ ገጠር ክንዲ ዝሃለወ ይሃልዎ ናብ ከተማ ክኣቱ እንከሎ 500 ካሬ መሬት ክፀድቀሉ ይድንግግ። ግን እዚ ኣብ ባይታ ንገሊኡ 250 ካሬ ንገሊኡ ድማ 140 ካሬ ይወሃብ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ጉድኣቱ ወሲኽካ ጉድኣዮ ዝብል ሕጊ ኣሎ" ይብሉ።

እቶም በዓል ሞያ ካልእ ዝፃባእ ዝበልዎ ሕጊ ድማ፡ መመርሒ መሬት 2002 እዩ። እዚ ሕጊ "ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኣተወ ሓረስታይ፡ እታ ዝነበረቶ ገዛ፡ ብሰለስተ ዕፅፊ ኣባዚሕኻ ሃቦ ይብል።

እቲ ሒዝዎ ዝፀንሐ ካብ ውሉድ ወለዶ እናልምዖ ዝመፅአ ቦታ'ኸ ከመይ ይኾን? ሕዚ ሓደ ድኻ ሓረስታይ ሓንቲ ሰለስተ ብሰለስተ ትኾን ንእሽተይ ጎጆ፡ ትሽዓተ ካሬ ተኾይና፡ ብሰለስተ ተባዚሓ 27 ካሬ እያ ትኾን።

ሓደ ሃፍታም ዓበይቲ ኣዳራሻት ተልይዎ ድማ፡ እቲ ዘለዎ ብሰለስተ ተባዚሑ ዝሐሸ ይረክብ። ስለዚ ድኻ ብምዃንካስ ትቕፃዕ? እዚ ኣብ ሞንጎ ዜጋታት ኣድልዎ ዝፈጥር ሕጊ እዩ" ብምባል እቲ ሕጊ ትኽክል ከምዘይኾነ ይወቕሱ።

ካብ መሰረቱ እዚ መምርሒ እንትወፅእ፡ ብሕጊ ስልጣን ብዘይተውሃቦም ኣካላት ማለት እውን "ብካቢኔ ብምውፅኡ ፀገም ከምዘለዎ" ዝገልፁ ኣይተ ብርሃኑ፡ "ብመሰረት ደምቢ ሊዝ 99 (ናይ ትግራይ) ቢሮ ልምዓት ከተማን ኢንድስትርን እዩ፡ መምርሒ ከውፅእ ዝኽእል"ይብሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ እዚ መምርሒ ብኣዋጅ 2003 ተሳዒሩ እናሃለወ፡ ከተማ ምምሕዳር ግና፡ በቲ ዝተስዓረ ሕጊ መሬት የመሓድር ከምዘሎ ይገልጹ።

መንግስቲ ናብቲ ልሙዕ ዝኾነ መሬት ሓረስታይ ንምንታይ ይጎዪ?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ 'ዴቨለፕመንት ስተዲስ' መምህር ዝኾኑ ዶክተር ቢሆን ካሳ፡ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ከተማታት፡ ሓረስቶት ካብ ገጠር ናብ ከተማ ክኣትዉ እንከለዉ ንብርክት ዝበለ ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማት ከምዝቃልዑ የብርሁ።

"እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ ፈለምኡ ናይ ከተማ ሰባት ኣይኮኑን፡ ሓረስቶት እዮም። ስለዚ ናብ ከተማ ክኣትዉ ከለዉ መነባብርኦም ይቕየር ኣሎ። ካብ ገጠር ናብ ከተማ እንትኣትዉ፡ በተን ዘለዋ ገንዘብ እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም፡ ስልጠና ኣይወሃቦምን" ይብሉ ዶክተር ቢሆን ካሳ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ዶክተር ቢሆን ካሳ

ኣብ ከተማታት ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ንህንፀት መንበሪ ኣባይቲ (70 ካሬ) ተብሂሉ ብርክት ዝበሉ ሓረስቶት ካብ መረበቶም ተላዒሎም እዮም። ዶክተር ቢሆን ካሳ፡ መንግስቲ ቅድሚ ነቶም ሓረስቶት ምምዝባሉ፡ ኣብ ከተማ ዘሎ ቦታ ብግቡእ ክጥቀመሉ፣ ንሓረስቶት ከእምንን ግቡእ ካሕሳ ክህብን ይግባእ በሃሊ እዮም።

"መብዛሕትኡ ግዘ ናብቲ ልሙዕ ዝኾነ መሬት ሓረስታይ እዩ ዝጎይ? ንምንታይ ከምዝኾነ ኣነ ኣይርድአንን። ኩሉ ኣብ ከተማ ዘሎ መሬት ተጠቂምናሉ ዲና?" ይብሉ።

ከም መፍትሒ ድማ፡ ዕብየት ከተማታት "ኣብ ክንዲ ንጎድኒ ንላዕሊ" ክኸውን ይግበኦ፤ ብተወሳኺ ድማ ህንጸት መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ጎቦታትን ዘይልሙዕ ቦታታትን ክኸውን ይምዕዱ።

በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ብርሃኑ በርሀ፡ እዞም ምስ መሬት ዝተሓሓዙ ሕቶታት ፍታሕ እንተድኣ ዘይረኺቦም፡ ፖለቲካዊ መዘዝ ከስዕቡ ከምዝኽእሉ እዮም ዝገልጹ።

ህዝቢ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣይ ዘሎ ናይ ብሄር ምትፍናናት ብምስጋእ ንዝተወሰነ እዋን "ክጽመም ይኽእል እዩ" ዝብሉ ኣይተ ብርሃኑ "እንትበዝሕ እንትበዝሕ ግን፡ ከምቲ ኣብ ኦሮምያ ህዝቢ ብጉዳይ መሬት ኣንፀርፂሩ ናብ ኣደባባይ ዝወፅአ፡ ኣብ ትግራይ ዘይወፀሉ ምኽንያት የለን፡ ናይ ግዘ ጉዳይ እምበር" ብምባል ሓሳቦም ይዛዝሙ።


ብሓረስቶትዝተልዓሉ መረረታት ብዝምልከት ካብ ትእምትን ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምብራቕን መልሲ ንምርካብ፡ ብተደጋጋሚ ፈቲንና ኣይሰመረን


ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ንንብዓት ሓረስቶት መን'ዩ ተሓታቲ?

ተወሳኺ ዛንታ