ሱዳን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንወታሃደራዊ ምምሕዳር ሱዳን የጠንቅቕ

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ Image copyright AU
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ

ወተሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን፡ ስልጣን ናብ ንሲቪላዊ ምምሕዳር ብዘይምርካቡ "ኣዝዩ ከም ዝጓሃየ" ሕብረት ኣፍሪቃ ምግላጹ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሰለስተ ሳምንቲ፡ ፕረዚደንት ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣኑ ምስ ተዓልወ፡ እቲ ሕብረት ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ስልጣን ንህዝቢ ከረክብ ጸዊዑ ነይሩ።

ሕጂ'ውን እቲ ሕብረት፡ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፡ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ስልጣን ንሲቪላዊ መሪሕነት ከረክብ ጸዊዑ'ሎ።

እዚ ምስ ዘይገብር ግን፡ ሱዳን ካብቲ ሕብረት ክትስጎግ ምዃና ከም ዘጠንቀቐ፡ ኣገለግሎት ዜና ኤ ኤፍ ፒ ጸብጺቡ።

ናይቲ ሕብረት ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን "ብሰራዊት ዝተመርሐ መሰጋገሪ እዋን ኣብ ሱዳን ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉን፡ ምስ ድሌትን ሃረርታን ንደሞክራስያዊ ትካላትን መስርሓትን፡ ከምኡ'ውን ምኽባር ሰባዊ መሰላትን ናጽነታትን ህዝቢ ሱዳን ዝጻረር ከም ዝኾነ ደጊሙ የዘኻኽር" ኢሉ።

መራሕቲ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ብዛዕባ እታ ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓተ እትሰግረሉ ጉዳያት ምስ መራሕቲ ተቓውሞታትን ተቓወምቲ ባእታትን ከላዘቡ ጸኒሖም'ዮም።

እቶም ነቲ ስርዓት ዘውደቁ ተቓውምቲ ግና፡ ተራ ሰራዊት ኣብቲ ናይ መሰጋገሪ እዋን ክደረት ብምጥላቦም፡ ኣብ ሓደ ምርድዳእ ክበጽሑ ኣይከኣሉን።

ሰራዊት እታ ሃገር፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንዝኾነ ጎነጻዊ ተቓውሞ ከም ዘይዕገስዎ ኣጠንቂቖም ነይሮም።

ሓያሎ ካብቶም፡ ንዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ዝኣለይዎ ጀነራላት፡ ብጠለብ ህዝቢ ካብ ስልጣኖም ክእለዩ ተገዲዶም'ዮም።

እቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ኢሉ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ምምሕዳር፡ ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን'ዩ ዝምራሕ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት