ኣውስትራልያ፡ ኣብ መጥሓኒ ስጋ፡ ቦንባ ሓቢኡ ዝተታሓዘ ሰብ

ሰራሕተኛታት ኣብ ሲድኒ Image copyright AFP/getty

ኣብ ውሽጢ መጥሓኒ ስጋ ቦንባ ሓቢኡ ናብ ነፋሪት ብምእታው ከፈንጅር ዝዓለመ፡ ልኡኽ ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ'ዩ ዝተብሃለ ኣውስትራልያዊ ሰብኣይ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

እዚ፡ ወርሒ ሓምለ 2017 ብመገዲ ኣየር ኢትሃድ ካብ ሲድኒ ናብ ዱባይ ክጉዓዝ ዝተትሓዘ ወዲ 51 ዓመት ካሊድ ክሃያት'ዩ።

ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣብ መገዲ ኣየር ሲድኒ እቲ ዝሓዞ ሻንጣ እንትፍተሽ ከቢድ ኮይኑ ምስ ተረኸበ'ዩ ልኡኽ እቲ ተጉዓዚ ፈሺሉ።

በዚ፡ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ክፍረዶ ይክእል።

እቲ ትልሚ፡ ኣብ ውሽጢ እታ 400 ተጉዓዝቲ ሒዛ ክትበርር ዝተዳለወት ነፋሪት ክፍንጅር ምግባር'ዩ ነይሩ።

ፖሊስ፡ ክሃያትን ሓው መሓመድን፡ መጥቃዕቲ ኬሚካላዊ ጋዝ ክፍጽሙ ተሊሞም ነይሮም ብዝብል ከሲሱዎም።

ጠበቓ እቲ ተኸሳሲ ግን፡ ካብ ግብረ ሽበራ መጥቃዕቲ ክከላኸል ፈቲኑ'ዩ ዝብል መካትዒ ሒዙ እንተቐረበ'ውን፡ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ግን ንሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ምጽራይ ነቲ መካትዒ ሓሳብ ነጺጉዎ።

እቲ ቦንባ ንምስራሕ ዝተጠቐምሉ ተባራዒ ነገር ካብ ቱርኪ ብነፋሪት ዝመጽአ'ዩ ዝበለ ፖሊስ፡ "ብዳዕሽ ዝተኣዘዘ'ዩ" ክብል ገሊጹ።

ክያት 26 ሓምለ ክፍረዶ'ዩ።

ተወሳኺ ዛንታ