ንሓው መራሒ ሰሜን ኮርያ ቀቲልኪ ዝተባህለት ቬትናማዊት ተፈቲሓ

ዋን ቲ ሁዋንግ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዋን ቲ ሁዋንግ

ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ንሓው ውልቀ-መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ቀቲልኪ ተባሂላ ዝተኣስረት ቬትናማዊት ምሕረት ተገይሩላ።

ገለ ሰባት ኢዮም ነቲ ፈሳሲ ክለኽዮ ሂቦምኒ፡ ኣነ ድማ ብቲቪ ዝግበር ላግጺ መሲሉኒ ለኽየዮ ብምባል ድሕሪ ምእማና ኢዩ ቤት ፍርዲ ብምሕረት ክትፍታሕ ዝወሰነ።

ቬትናማዊት፡ ዱዋን ቲ ሁዋንግን ኢንዶኔዝያዊት ሲቲ ኣስያን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፍርቲ ኩዋላ ሉምፑር ንኪም ጆንግ-ናም ብስርዓተ መትኒ ዝሃሲ ፈሳሲ ነገር ገጹ ብምልካየን ተኸሲሰን ጸኒሐን። ድሕሪ'ቲ ምልካይ እቲ ፈሳሲ ኪም ጆንግ-ናም ሽዑን-ሽዑ ሞይቱ።

ዱዋን ቲ ሁዋንግ፡ ምስ ኣኽባሪ ሕጊ ማሌዥያ ብዝገበረቶ ስምምዕ፡ ነቲ ገበን ከም ዝፈጸመት፣ ጉድኣት ከም ዘውረደትን ድሕሪ ምእማናን ቤት ፍርዲ ፍኹስ ዝበለ ፍርዲ ክፈርዳ ድሕሪ ምሕታታ፡ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ማሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ዓርቢ ምሕረት ተገይሩላ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሲቲ ኣስያን

ክልቲኤን ኣንስቲ ነቲ ገበን ከም ዘይፈጸማን ግዳያት ናይ ሰሜን ኮርያ ሸርሒ ከም ዝኾና ብቐጻሊ ክገልጻ ጸኒሐን።

እታ ምስኣ ተታሒዛ ዝነበረት ኢንዶኔዝያዊት፡ ሲቲ ኣስያን፡ ድማ እቲ ኣንጻራ ቀሪቡ ዝነበረ ክሲ ድሕሪ ምልዓሉ ኣብ ወርሒ መጋቢት ተፈቲሓ።

እቲ ቅትለት ብኸመይ ተፈጺሙ?

ሓው መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆን-ናም፡ ብ13 ለካቲት 2017፡ ካብ ኩዋላ ሉምፑር ናብ ሜካው ክኸይድ ነፋሪት ኣብ ዝጽበየሉ ዝነበር ግዜ ኢዩ በተን ክልተ ደቀንስትዮ ገጹ ብፈሳሲ ዝተለኽየ።

ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተተኺሉ ዝነበረ ካሜራ ዝተቐድሐ ቪድዮ ድማ፡ ሓንቲ ካብተን ክልተ ኣንስቲ ኣእዳዋ ኣብ ገጽ ኪም ጆን-ናም ከተንብርን ካብኡ ተታሓሒዘን ክኸዳ ከለዋ የርኢ።

ሚስተር ኪም ጆንግ-ናም ናብ ሆስፒታል ክኸይድ ከሎ ብሰንኪ እቲ ኣብ ገጹ ዝተለኽዮ ስርዓተ መትኒ ፈሃሲ ኣዝዩ ሓደገኛ ኬሚካል ኢዩ ዓሪፉ።

ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ኣብቲ ተኻይዱ ዝተባህለ ቅትለት ዝኾነ ኢድ ከም ዘይነበሮ ገሊጹ።

እንተኾነ፡ ኣርባዕተ ሰሜን ኮርያውያን ክኾኑ ይኽእሉ ዝተብሃሉ ሰባት ኣብቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ መዓልቲ ካብ ማሌዥያ ይህደሙ ድኣ'ምበር ብኣህጉራዊ ፖሊስ ይህደኑ ኣለው፡ ምስ ተታሕዙ ድማ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ኢዮም።

Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓዊ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆን-ናም

ኪም ጆንግ-ናም መን'ዩ?

ኪም ጆንግ-ናም ምዕባይ ሓው መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ጆንግ-ኡን ኢዩ።

ኪም ጆንግ-ናም ቅድሚ ሞት ኪም ጆንግ-ኢል፡ ከም ተካኢ ኣቡኡ ይርአ ነይሩ። ድሕሪ ሞት ኪም ጆንግ-ኢል ግና ምንኣሱ ሓው፡ ኪም ጆንግ-ኡን ኢዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።

ኪም ጆንግ-ናም ካብ ቤተሰብ ዝተነጸለ ስለ ዝነበረ ዝበዝሐ ግዚኡ ኣብ ሜካው፡ ቻይናን ሲንጋፖርን ኢዩ ዘሕልፎ ነይሩ።

ቅድሚ ምሟቱ፡ ኪን ጆንግ-ናም ብዛዕባ ስድራቤቱ ዝቆጻጸርዎ ሰርወ-መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ብዙሕ ኢሉ ኢዩ። ሓው ናይ ምምሕዳር ብቕዓት ከም ዘይብሉ ከም ዝገለጸ ኣብ 2012 ኣብ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ተገሊጹ።