ፍረወይኒ፡ “ወርሓዊ ጽግያት ክሳብ ሕጂ ዓው ኢልካ ኣይውግዓሉን”

ፍረወይኒ መብራህቱ ኣብ ትካል መፍረ መናጽሂ ማርያም ሳባ

ንፈለማ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ብዛዕባ ዝርኣናላ መዓልትን ዕድመን ኣግሂድና እንዛረብ ክንደየኖት ኢና ክትብል ትሓትት።

ሕብረተሰብና ብዛዕባ ወርሓዊ ጽግያት ብዙሕ ፍልጦ ስለ ዘይብሉ፡ ዓበይቲ ኣሕዋተይን ወለደይን ዘይዛረብሉ ብምንባሩ፡ ኣነ ባዕለይ ዋላ ሓደ ከይፈለጥኩ'የ ዓብየ ትብል።

ንፈለማ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ዝርኣየትሉ መዓልቲ ዘኪራ፡ "ወርሓዊ ጽግያት ዝተርኣያ ጓል ኣንስተይቲ ባዕሊጋ ይበሃል ስለ ዝነበረ፡ ግዚኡ ኣኺሉ ምስ መጽአ፡ 'ገለ ነገር'ዶ ሓሲበ ይኸውን ዝጀመረኒ?' ትብል ምንባራ ትዛረብ።

ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ብኬሚካል ኢንጅነሪንግ ቐዳማይ ዲግሪ ዝረኸበት፡ ወናኒት ትካል ማርያም ሰባ መፍረዪ ዝሕጸብ መናጽሂ ወይዘሮ ፍረወይኒ መብራህቱ፡ ምስ ዘመናዊ መናጽሂ ጓል ኣንስተይቲ ዝተላለየት ኣብ ኣሜሪካ ኣብ 1983 ዓመተ ምሕረት ፈረንጂ ምኻኑ ኣዋጊዓትና።

"ንትምህርቲ ናብ ኣሜሪካ ምስ ከድኹ፡ ዓባይ ሓፍተይ መጀመርታ ሞዴስ ክዕድግ ናብ ዓብዪ ሹቕ'ያ ወሲዳትኒ። ረብሕኡ ይፈልጥ እንተነበረኩ'ውን ኣብ ዓድና ግን ኣማራጺ ኣይነበረን"።

ሽዑ እንታይ ክብል ወይ ክዓዪ ከም ዘለኒ'ኳ እንተዘይፈለጥኩ፡ "መዓዝ ኮን ደቂ ኣንስትዮ ዓደይ ኣማራጺ ዝረኽባ?" ዝብል ግን ኣብ ኣእምሮይ ተቐሪጹ ተሪፉ ኢላትና።

ክሳብ ሕጂ፡ ወርሓዊ ጽግያት ተፈጥሮኣዊ ዑደት ጓል ኣንስተይቲ ገይሩ ዘይቕበል ባህልን ሃይማኖትን ዘለወን ሃገራት ውሑዳት ኣይኮናን።

ኣብ ብርክት ዝበላ ከባቢታት ኣፍሪቃ ኮነ ካልኦት፡ ጓል ኣንስተይቲ ብምኽንያት ወርሓዊ ጽግያት ካብ ሃይማኖታዊ ፍጻሜታት ተኸልኪለን፡ ናጽነተን ኣብ ኢድ እቲ ሃይማኖታዊ ወይ ባህላዊ ዝርርብ ክወድቕ ይግደድ።

"ጉድጓድ ኲዒትና ኢና ኮፍ ንብል ኢለናኒ"

ህንዲ፡ ካብተን ወርሓዊ ጽግያት ከም ነውሪ ዝቖጽራ ሃገራት'ያ። 70 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ገጠር ህንዲ፡ ብምኽንያት ጸገም ኣረዳድኣ፣ ድኽነትን ሕፍረትን ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዝርእያሉ እዋን ብዝግባእ ብዘይምንጽሀን፡ ንሞትን ረኽስን ይቃልዓ።

በዚ ምክንያት 'ረሳሓት' ተገይረን ስለ ዝቑጸራ፡ 28 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ቤት ትምህርቲ ይተርፋ።

ደቂ ኣንስትዮ ጋና፡ ወርሓዊ ጽግያት እንትርእያ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ እንትኸዳ'ውን ከይሳገርኣ እትኽልክል ሩባ ኣላ። ዕለተ ሰሉስ እንትኾን ወርሓዊ ጽግያ እንትርእያ፡ ሩባ ኢፊን ኣይሳግገርኦን።

ስለ ምንታይ እንተተባህለ፡ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት እታ ጓል ኣንስተይቲ ስለ እትረክስ፡ ንጣኦታት እቲ ሩባ ክተርክሶም'ያ ተባሂሉ ስለ ዝእመን።

ኣብ ከባቢታት ገጠር ኢትዮጵያ ካብዚ ዝተፈለየ ኣይኮነን። ከም ሓበሬታ ዩኒሴፍ፡ 75 ሚኢታዊት ዝጽግዓ ደቂ ኣንስትዮ፡ እኹል መናጽሂ ኣይረኽባን፤ ከባቢ 50 ሚኢታዊት ድማ በዚ ምክንያት ካብ ትምህርተን ይተርፋ።

ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ በዚ ጸገም ካብ ቤት ትምህርቲ ክትተርፍ ኣይብላን ዝብል እምነት ዘለዋ ፍረወይኒ መብራህቱ፡ "በብወርሑ ዝመጽእ ብምኻኑ፡ እዚ ጸገም ንምፍታሕ ሓደ ነገር ክገብር ከም ዘለኒ ወርሓዊ ዘዘኻኽረኒ ጉዳይ ነይሩ" ትብል።

ቅድሚ 10 ዓመት ፕሮጀክት ምፍራይ ዝሕጸብ መናጽሂ ኣብ ከተማ መቐለ ክተበግስ ከላ፡ ኣሜሪካ ዝኣተኹላ መዓልቲ ዝተወለደ'ዩ ኢላ።

"ድሕሪ ዓወት ዝተቐየሩ ነገራት እንተሃለው ክርኢ ናብ ዓደይ ትግራይ መጺአ፤ እንተኾነ እቲ ነውሪ ዝበሃል ድሕሪ 10 ዓመት ተመሊሰ ረኺበዮ። ክሓትት ከለኹ ንምንታይ ኢኺ ብዛዕባ እዚ ትሓትና ዘለኺ ዝብላኒ ነይረን"።

ኣብ 2005፡ እዚ ጸገም ክቐርፈሉ ኣለኒ ዝበለቶ ፕሮጀክት ዝቐረጸት ፍረወይኒ፡ ብሕልፊ ኣብ ገጠር ካብ 3-5 መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትምህርተን ዝቦኽራ ብምኽንያት ወርሓዊ ጽግያ'ዩ ትብል።

ከመይ ኢላ እያ ድኣ ትሓልፎ ዘላ ኢልካ ከም ጓል ኣንስተይቲ ክትሐስብ ከለኻ፡ ብጣዕሚ'ዩ ዘሰክፍ'ዩ ንዝበለት ፍረወይኒ፡ ንምኻኑ ከመይ ከም ዝሓልፍኦ ሓቲትኪ ዝረኸብክዮ ምላሽ እንታይ ነይሩ? ኢልናያ።

"ኣብ ገጠር ጉድጓድ ኲዒትና ኢና ኮፍ ንብል ኢለናኒ። ሽዑ፡ እቲ ዝፈስስ ደም ልክዕ ከም ዝተኸፈተ ናይ ማይ ትቦ ምኻኑ ምስ ሓሰብኩ፡ ካብ ርእሰይ ክሳብ ጽፍሪ እግረይ ሕማቕ ስምዒት ተሰሚዑኒ" ኢላ።

ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዝርእያሎም መዓልታት፡ ብምኽንያት ቀረብን ዓቕሚ ጠለብን፡ ጨርቂ ቐዲደን፣ ሓጺበን ኣብ ጽሓይ እናስጥሓ'የን ዝጥቀማ።

ካብዚ ብዝኸፍአ ግን፡ ከባቢታት ገጠር ኢትዮጵያ ዘሊቕኻ ብዝኸድካ ቑጽሪ፡ ሕጂ'ውን ረብሓ ፓንትን መናጽህን ዘይፈልጣ፡ ምህላወን እትዛረብ ፍረወይኒ፡ ካባና [ደቂ ኣንስትዮ] ወጻእ እዚ ጸገም ዚያዳ ተረዲኡ ክፈትሖ ዝኽእል ሰብ የለን በሃሊት'ያ።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት 'ማርያም ሰባ' ኢላ ብናይ ጓላ ሽም ዝሰየመቶ ዝሕጸብ መናጽሂ ኣፍርያ ብዝተሓተ ዋጋ ኣብ ገጠራት ትግራይን ዓፋርን ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ተቕርብ ኣላ።

"እዚ ፕሮጀክት ክጅምር ከለኹ ብዙሕ ዝቐለደለይ ሰብ ነይሩ" ዝበለት ፍረወይኒ፡ ብዙሓት ተስፋ ዘቑርጹ ዓጸባታት ምሕላፋ ኣዋጊዓትና።

እቲ ምህርቲ ተሓጺቡ ዳግማይ ኣብ ረብሓ ዝውዕልን ካብ 18 ኣዋርሕ ክሳብ ክልተ ዓመት ከገልግል ዝኽእልን ኮይኑ፡ ብኽለት ከባቢ'ውን ኣብ ግምት ኣእትዩ'ዩ ዝፈሪ ዘሎ።

"50 ሚኢታዊት ሕብረተሰብና ደቂ ኣንስትዮ ኢና፤ እቲ መፍረዪ ሓይሊ ድማ 20 ሚሊዮን'ዩ። ኣብ መዓልቲ 20 ሚሊዮን ሞዴስ ዝድርበ እንተኾይኑ ክንደይ ጉሓፍ ኢና ክንፈጥር?" ትብል።

ተበጻሕነትን ዝርግሐን

ብምቹእነትን ፈሳሲ ናይ ምሓዝ ዓቕምን ካብቲ ዝድርበ መናጽሂ ዝፈልዮ ነገር ዘይብሉ ፍርያት መናጽሂ ማርያም ሰባ፡ 50 ሚኢታዊት እታወቱ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝፈሪ ጨርቅን ጡጥን'ዩ።

ዝተረፈ ካብ ቻይና ዝመጽእ እንትኾን፡ ካብ 80-90 ሚኢታዊት ዋጋ ዝነከየ ኮይኑ ዝቐርብ ዘሎ ብምኻኑ፡ 300 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተጠቀምቲ ይግበር'ሎ።

ምንኣስ ግንዛበ እቲ ዓብዪ ፈተና ምኻኑ እትዛረብ ፍረወይኒ፡ ንውሕ ንዝበሉ ዓመታት ሕብረተሰብ ንወርሓዊ ጽግያት ዘለዎ ኣረኣእያ ክቕይር ንብሕታ ከም ዝተቓለሰት ትገልጽ።

እቲ መናጽሂ፡ ናይ ባዕሉ ፓንት'ውን ክህሉ ብምግባር ዘፍሪ ዘሎ ትካል ማርያም ሳባ፡ ቐጻሊ ዕማሙ ናይ ባህሊ ለውጢ ብምምጻእ ንደቂ ኣንስትዮ ዝምችእ ሕብረተሰብ ምፍጣር ምኻኑ ወናኒቱ ትዛረብ።

መፍረያይነት እቲ ትካል ድማ፡ ክጅምር እንከሎ ካብ ዝነበረ በዝሒ 200 ሽሕ ኣብ ዓመት ናብ 1 ሚሊዮን ከም ዝዓበየ ገሊጻ።

ኣብ 2014 ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ምስ በዓልቲ ቤቱ ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝመጽአ ዶክተር ልዊስ ዎል፡ ንፋብሪካ ማርያም ሳባ ኣብ ዝርኣየሉ እዋን ንፍረወይኒ ክሕግዝ ከም ዘለዎ ኣሚኑ ሓደ መገዲ ሒዙ ንክመጽእ ሸውዓተ ወርሒ ወሲድሉ ነይሩ።

ድሕሪ እዚ ግን "ዲግኒቲ ፔሬድ" ዝብል ፕሮጀክት ንምኽፋት፡ ፍርያት ማርያም ሳባ ብምውሳድ ብወገኖም ከባቢ 150 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ተጠቀምቲ እቲ መናጽህን ናይ መምሃሪ ሓገዛትን ክኾና ይገብሩ'ለው።

ጎናጎኒ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትን ኣብ ዙርያ ወርሓዊ ጽግያት ዘለዎም ግንዛበ ዘዕብዩ ስልጠናታት ብምሃብ፡ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 800 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ተጠቀምቲ ክኾና ብምግባር ልዕሊ 24 ሚኢታዊት ትምህርተን ክከታተላ ገይሩ'ሎ።

"እዚ መሰረታዊ ጸገም እንተዘይተፈቲሑ ጓል ኣንስተይቲ ክትበጽሖ ኣብ ዝግባእ ክትበጽሕ ኣይትኽእልን" ዝበለት ፍረወይኒ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ሕጽረት ግንዛበ ወርሓዊ ጽግያትን ኣብ ውሽጢ ዘለዎ ማሕበረሰብ ዝነብራ፡ ዘኹርዓ ብርቱዓትን ብሉጻትን ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ ትብል።

"ጽባቐ ጓል ኣንስተይቲ ጥንካርኣ'ዩ"

ሸሞንተ ቖልዑ ዝወለዱ ወላዲ ኣቡኣ፡ ኣብ ትምህርትን ፍቕሪ ዓድን ልዑል ቦታ ከም ዝነበሮም ትዛረብ ፍረወይኒ።

"ኣቦይ፡ ኩል ግዘ ተማሂረ ናብ ዓደይ ክምለስ'ዩ ዘተባብዐኒ ነይሩ። ኣለኒ ካብ እንብሎ ነገር መሊስና ንሕብረተሰብ እንህብ ሰባት ክንኸውን ኣለና" ትብል።

ባንክታት ንምእማን ክልተ ዓመት ዝወሰደ ፕሮጀክት ማርያም ሳባ፡ ኣገዳስነቱ ኣስሪጻ ኣብዚ ዝበጽሐት ፍረወይኒ፡ "ኣነ ደፊረ እንተዘይጀሚረዮ፡ ወርሓዊ ጽግያት ንዘልኣለም ዘሕፍር ነገር ኮይኑ ክተርፍ'ዩ" ብዝብል ሕራነ ኣብዚ ምብጽሓ ትዛረብ።

"ዓቕሚ ማእኸል ዝገበረ መናጽሂ ንደቂ ኣንስትዮ ምቕራብ፡ ኣብ ኣእምሮ ዝተቐረጸ ፈላማይ ሓሳበይ ስለ ዝነበረ፡ ብዝገጥሙኒ ዝነበሩ ፈተናታት ሓሳበይ ክቕይር ኣይደፈርኩን። ብውላድካ ስለ ዘይትጭክን፡ ንውላደይ ክሳብ መወዳእታ ክወስዳ ወሲነ። ጥንካረ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ብዚኣ'ያ ትግለጽ። ጽባቐ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ጥንካርኣ'ዩ" ትብል።

ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ዘሎ ርድኢት ምቕያር ግን፡ ሕጂ'ውን ዕዮ ነፍሲ ወከፍ ገዛ'ዩ።