ኣብ ቓዛ 'ቶኽሲ ደው' ናይ ምባል ስምምዕ ከም ዝተበፅሐ ገለ ምንጪታት ሓቢረን

ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት ግዜ ሓደጋ፡ ነቲ ኣብ መኪና ዝተፈጠረ ሓዊ ከጥፍኡ እንትፍትኑ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ብሓማስ እትውነን መኪና ግዳይ መጥቃዕቲ እስራኤል ኮይና

ብመንጎኝነት ግብጺ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተበጺሑ`ሎ ተባሂሉ ኣብ ዝውረየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተጻብኦታት ሃዲኦም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ብዝተጓሃሃሩ ግርጭታት ብውሑዱ ኣርባዕተ እስራኤላውያንን 23 ፍልስጤማውያንን ተቐቲሎም። እዞም ናይ ሕጂ ግርጭታት ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ካብ ዘጋጠሙ ግርጭታት እቶም ዝጸዓቑ`ዮም ነይሮም።

ብመሰረት'ቲ ቴሌቪዥን ሓማስ ዝዝርጋሓቶ ዘይተረጋገጸ ዜና፡ ኣብ መንጎ`ቶም ክልተ ተጻባእቲ ወገናት ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ሓቢራ። እስራኤል ግን ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ`ዚ ዝበለቶ ነገር የለን።

ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ወጥሪ ክሃድእ ክጽውዑ ጸንሖም`ዮም።

ካብ ቀዳም ኣትሒዙ ልዕሊ 600 ሮኬታት ናብ እስራኤል ከምዝተወጨፉን፡ እስራኤል ድማ ከም መልሰ-ግብሪ 320 ዒላማታት ከምዝወቕዐት ሰራዊት እስራኤል ብሰንበት ገሊጹ።

ብመሰረት ብሰንበት ዝወጹ ጸብጻባት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ቐጠርን ግብጽን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክብጻሕ ክጽዕታ ከምዝጸንሓ ተፈሊጡ። ስምምዕ ከም ዝተበጽሀ ድማ ሰብ መዚ ፍልስጤም ብሰኑይ ንግሆ ኣፍሊጦም። እቲ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ድማ ካብ ወጋሕታ ሰዓት 4:30 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ይግበረሉ።

ምንጭታት ሓማስን ሓደ ግብጻዊ በዓል ስልጣንን ድማ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ንማዕከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ ሓቢሮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታኛሁ ሰራዊቱ ኣብ ቓዛ ዝጀመሮ `ጽዑቕ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሽብራውያን ባእታታት ክቕጽሎ` ከምዝኣዘዘ ብሰንበት ንግሆ ኣፍሊጡ።

እስራኤል ሓይልታት ምክልኻል ኣየራ 150 ሮኬታት ከምዘምከኑ ገሊጻ። ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ቓዛ ዘለዉ ሓይልታት እስራኤል `ተወሳኺ ድርዒ ናይ ታንክታት፣ መዳፍዕን ኣጋር ሰራዊትን ክግበረሎም`ዩ` ኢሉ ኔታኛሁ።

እስራኤል ኩሎም 40 ኪሎሜተር ወይ ካብኡ ንታሕቲ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ቀሪበን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ክትዓጽወን እንከላ፡ ህዝቢ ዘዕቁባ ማእከላት`ውን ከፊታ።

ብዛዕባ ግዳያት`ከ እንታይ ንፈልጥ?

ዛጊት ኣርባዕተ ሰባት ኣብ እስራኤል ተቐቲሎም ኣለዉ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ድማ 23 ፍልስጤማውያን ኣብ`ዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ተቐቲሎም ኢላ። መብዛሕትኦም`ቶም ግዳያት ብሰንበት`ዮም ተቐቲሎም። ጉጅለ እስላማዊ ጂሃድ ድማ፡ ሸውዓተ ካብ`ቶም ዝተቐትሉ ኣባላቱ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ሓደ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓን ሓንቲ ነፍሰ-ጾር ሰበይትን ሓዊስካ ሰላማውያን ሰባት`ውን ከምዝተቐትሉ ይንገር።

እስራኤል ግን ነቲ ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ጓል 14 ዓመት ጓል ሓዋ/ሓፍታ ብቐዳም ተቐቲለን ዝብል ጸብጻብ ሞጊታቶ። ክልቴን ዒላምኡ ብዝሰሓተ ናይ ፍልስጤማውያን ሮከት ከምዝተቐትላ ድማ ትገልጽ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ስርዓተ-ቀብሪ እስራኤላዊ ግዳይ

ሰራዊት እስራኤል፡ ሓመድ ሓምዳን ኣልኾዳሪ ንዝተባህለ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ ዒላማ ገይሩ ከምዝቐተለ፡ ብሰንበት ኣፍሊጡ። መኪናኡ ክትውቃዕ እንከላ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ድማ ዘርጊሖም።

እቶም ዝተወቕዑ ዒላማታት ሓደ ኣብ ከተማ ቓዛ ዝርከብ በዓል ሰለስተ ደርቢ ህንጻ ዝርከቦም ቤት ጽሕፈት ስለያ ሓማስ ከምዝርከቦም ድማ እስራኤል ገሊጻ።

ቱርኪ፡ እቲ ኣናዳሉ ተባሂሉ ዝፍለጥ መንግስታዊ ማዕከን ዜናኣ ኣብ`ቲ ዝተጠቕሰ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ከምዝነበሮ ሓቢራ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ መቭሉት ቻቩሶግሉ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት `ገበን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት`ዩ` ክብል ገሊጽዎ።

መራሒ ሓማስ፡ እስማዒል ሓኒያ ድማ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል `ፈጺማ ቶኽሲ ደው እንተዳኣ ኣቢላ` `ናብ ህዱእ ኩነታት ናይ ምምላስ ተኽእሎ ኣሎ` ኢሉ።

እዚ ሓዲሽ ጎንጺ ብኸመይ`ዩ ተበጊሱ?

እቲ ጎንጺ ብዓርቢ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝተነብረ እገዳ ዝቃወሙ ሰልፍታት ምስ ተኻየዱ`ዩ ጀሚሩ። ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ናብ ዕጡቓት ንኸይመሓላለፉ እቲ እገዳ ኣድዪ`ዩ ትብል እስራኤል።

ሓደ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ንኽልተ እስራኤላውያን ወተሃደራት ኣብ`ቲ ናይ ዶብ ሓጹር ቶኪሱ ኣቑሲልዎም። ኣስራኤል ድማ ብደብዳብ ነፈርቲ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ብምውሳድ ክልተ ዕጡቓት ቀቲላ።

እቶም ካብ ቓዛ ዝፍነዉ ናይ ሮኬት ረብታ ድማ ብቐዳም ንግሆ ጀሚሮም። ኣይረን ዶም ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ እስራኤል መከላኸሊ ሚሳይል፡ ብደርዘናት ዝቑጸሩ ሮኬታት ኣፍሺሉ። ሓያሎ ኣብ እስራኤላውያን ከተማታትን ገጠራትን ዝርከቡ ኣባይቲ ግን ተወቒዖም።

እዚ ግንፋለ ናይ ጎንጺ ብኸመይ ይምዘን?

ድሕሪ`ቲ ኣብ ሓምለን ነሓሰን ናይ 2014 ዘጋጠመ ጎንጺ፡ ኣዚ ናይ ሕጂ እቲ ዝኸበደ እዩ።

ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ሓሓሊፎም መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከካይዱ ጸኒሖም`ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት`ውን ሓያሎ ሮኬታት ናብ ደቡባዊ እስራኤል ተወንጪፎም ነይሮም። ሓይሊ ኣየር እስራኤል ድማ ግብረ-መልሲ ሂቡ ነይሩ።

እንታይ ዓይነት መልሰ-ግብሪ`ኸ ተዋሂቡ?

ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣወሃሃዲ መስርሕ ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ኒኮላይ ምላዴኖቭ ነዚ ሓድሽ ጎንጺ ድሕሪ ምኹናን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጎንጺ ንምህዳእ ምስ ክልቲኦም ወገናት ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሪሽ ድማ ነቶም ናብ እስራኤል ዝውንጨፉ ደብዳባት `ብትሪ` ኮኒንዎም።

`ክልቲኦም ወገናት ልዑል ዕቃበ ክገብሩ፣ ብቕልጡፍ ህድኣት ክፈጥሩን ናብ`ቶም ናይ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ምርድዳኣት ክምለሱን` ድማ ጸዊዑ።

ጸሃፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ድማ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤላውያን ካብ ዝፍነወሎም ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ `ነብሶም ክከላከሉ ምሉእ መሰል ኣለዎም` ኢሉ።

`ናብ`ቲ ጸኒዑ ዝነበረ ናይ ሒደት ኣዋርሕ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክንምለስ ተስፋ እገብር` ድማ ኢሉ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ድማ መጥቃዕቲ ሮኬት `ብቕልጡ ደው ክብል` ብሰንበት ጸዊዑ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰባት ነቲ ናይ መጠንቀቕታ (እዋን ሓደጋ) ድምፂ ሰሚዖም ንነብሶም እንትከላኸሉ - እስራኢል ከተማ ኣሽኮለን

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ድማ ነቲ `ኣረመኔ` ዝበሎ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ድሕሪ ምኹናን `ደረት ንዘይብሉ ደገፍ ኣሜሪካ` ንእስራኤል ነቒፉ።

እቲ ህጻናት ኣድሕን ዝተባህለ ትካል ግብረ-ሰናይ ድማ ብዘይካ`ቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ካልእ ኩሉ ናይ ወሽመጥ ቓዛ መደባቱ ንጊዚኡ ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ።

ዳይረክተር ማእከላይ ምብራቕ ናይ`ትዪ ውድብ ጀረሚ ስቶነር፡ እቲ ትካል በቲ ልዑል ቁጽሪ ግዳያት ናይ ክልቲኡ ሸነካት `ኣዝዩ ከምዝተረበሸ` ድሕሪ ምግላጽ፡ ወጥሪ ክሃድእ ጸዊዑ።