ኤርትራ፡ ኣቡነ ኣብረሃ ፍራንስዋን ተባዕ ቃልሶምን

ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ Image copyright ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ

ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ መምህርን ካህንን ክቡራት'ዮም። ምናዳ ከም ነፍስሄር ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ ዘኣመሰሉ፡ ዓቢ መምህርን ጓሳ ምእመናንን ተሓላቒ ውጹዕን ድኹማንን፡ በቲ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘበርከትዎ ዓቢዪ ሓድጊ ብተደጋጋሚ ተመስኪሩሎም'ዩ።

ካብ'ቶም ብዙሓት መለዮታቶም ከኣ ትብዓቶም ጐሊሑ ይርአ።

ኣቡነ ኣብርሃ በቲ ግልጺ መንፈሳዊ መልእኽቶምን ንመምርሕታት ደርጊ ብምቅዋምን ብዙሕ ይዝንተወሎም'ዩ። ደጋጊሞም ከኣ ንምትእትታው ሶቭየት ሕብረት ኣንጻር ገድሊ ኤርትራ ይምክቱ ከምዝነበሩ ይንገረሎም'ዩ።

ኣብቲ ብኣባ ክብረኣብ ሰዓድ ዝተደርሰ፡ "ገድሊ ሕይወት ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ" ዝተባህለ መጽሓፍ ሰፊሩ ዚርከብ ዛንታ፣ ከም በዓል ኣቡነ ኣብራሃ ዝኣመሰሉ መራሕቲኸ ነይሮም ድዮም ዘብል'ዩ።

ኣብ መቕድም እቲ መጽሓፍ ንኣቡነ ኣብርሃ ብከምዚ ዚስዕብ ይገልጽዎም፤ "ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ ብህይወቶም መንፈሳዊ፡ ብኣነባብርኦም ኣብነታዊ ዝዀኑ ንካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ደረጃ ንምብጻሕ ጥጡሕ ባይታ ዘንጸፉ ኣቦ ብምዃኖም ፍልጠቶምን መንፈሳውነቶምን ምናኔኦምን ክንወርሶን ክንመሃረሉን ... ይግባእ" ይብል።

ኣባ ኪዳነ ኸኣ፡ ነቲ መቕድም ዘዳለዉ ካህን፡ ኣብ መደምደምታ ናይቲ መቕድሞም "ንብፁዕ ኣቦና ቅድስና እምነየሎም፣ ንኣና ከኣ መንፈሶም ይሃበና" ብምባል ይድምድሙ።

እንሆ ኸኣ እቲ ተባዕ መንፈሳዊ ቃልሶም ኣብ ተምሃሮኦምን ሰዓብቶምን ሰሪጹ ይርከብ።

ደቂ ሰባት ብታሪኾም'ዮም ዚዝከሩ። እንሆ ኸኣ ታሪኽ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብሓፈሽኡ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ካቶሊካውያን ህያው ኰይኑ ተሪፉ።

ኣቡነ ኣብራሃ "መዳርግቲ ዘይርከቦም ኣቦ እዮም" እናበለ እቲ ብዛዕብኦም ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ይምስክረሎም። "ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ሃዋኺ ኵነታት፡ ብጽንዓት ዝተደርዐ መንፈሳዊ መትከልን መርገጽን ዝተሃንጹ ሃዋርያዊ መራሒ" ከም ዝነበሩ፣ "ዝተጓዕዝዎ መስመር ርትዓዊ ፍኖት ብምንባሩ ድማ ወትሩ ከም ምንጪ ምጽንናዕን ሓበንን ናይ ሃገሮም፡ ቤተ-ክርስትያኖምን ህዝቦምን" ኰይኖም፣ ንዝተጋገየ ብመግናሕቲ፡ ንዝደኸመ ብድጋፍ፡ ንዝዓመጸ ዓገብ ብምባል ፍሉጥ'ዮም ነይሮም።

ኣቡነ ኣብርሃ ንምእመናኦም ጥራይ ዘይኰነስ ንተራ ሰብ ዝደረኸ ዛንትኦም ጸሚቕካ ኣብ 1-2 ገጻት ኣስፊርካ ምቕራብ ፍትሓዊ ኣይኰነን። ኣፋፍኖት ህይወቶም ንምርዳእ ኣብ ድሕረ-ባይታኦም ምድህሳስ ኣድላዪ'ዩ። እዚ ሓተታ'ዚ ግን ምሉእ ዛንትኦም ስኢሉ ብሕመረታዊ መልክዕ ኮፍ ንምባል ዘይኰነስ ህላዌኦምን ጕዕዞኦምን ትውፊቶምን ንምዝኽኻር ዝዓለመ ጥራይ'ዩ።

ድሕረ-ባይታ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ

"ዘመነ ክህነትን ጵጵስናን ኣቡነ ኣብርሃ ኣብቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ዝተሰጋገረሉ ግዜ፡ መግዛእቲ እንግሊዝ፡ ፈደረሽን፡ ስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሴን ደርግን ዝነበርሉ መድርኽ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ብድሆን ሕልኽላኽን ብኡ መጠን ዝኸበደ ነይሩ" ብምባል ኣባ ክብረኣብ ሰዓድ ንመእተዊ ዝኸውን ሓባሪ ሕጡበ-ጽሑፍ ኣብ መጽሕፎም ኣስፊሮም።

ኣቡነ ኣብርሃ ካብ ኣቦኦም ብላታ ፍራንስዋን ኣዲኦም ወ/ሮ ስላስን ብዕለት 2/4/1918 (ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ኣስመራ ተወለዱ። ወ/ሮ ስላስ ኣብ ዓሰብ ዝርከብ እንዳ ደናግል'የን ዓብየን፣ ብላታ ፍራንስዋ ኸኣ ኣብ ባጽዕን ከረንን ዝርከቡ መዕቘብ ድኻታት'ዮም ዓብዮም።

ኣቡነ ኣብርሃ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ኣቦኦምን ኣዲኦምን ስለ ዝሞቱዎም ንሶም'ውን፡ ከም ወለዶም፡ ምስ ዓቢ ሓዎምን ሓብቶምን፡ ኣብ እንዳ ደናግል (ከረን) ተዓቝቡ። ባዕሎም ኣቡነ ኣብርሃ ከም ዝበልዎ "ኣምላኽ ጸዊዑዎም ኣቦይን ኣደይን ሕጻን ወዲ ክልተ ዓመት ክነሰይ ገዲፎምኒ ምስ ከዱ፡ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣቦን ኣደን ኰይና ኣዕብያትኒ፣ ናብ ክህነትን ናብ ጵጵስና ኣብጺሓትኒ" ብምባል ይምስክሩ።

ኣባ ክብረኣብ ሰዓድ ከም ዝብልዎ፡ ኣቡነ ኣብርሃ ካብ ንኡስ ዕድሚኦም ብመንፈስን ጥበበ ኣምላኽን ዓበዩ፣ ንዝኽትምንኦም ከኣ ሰገርዎ። ኣይሓመቑን፡ ካብ ቅድስተ-ሃና ናብ ገዳም ዘርአ-ክህነት ከረን ብምስግጋር ኣካደምያውን መንፈሳውን ትምህርቶም ተታሓሓዝዎ።

Image copyright ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ ብዕለት 8/10/1961 (ዓ.ም.ፈ.) መዓርግ ጵጵስና ክቕብኡ

ኣቡነ ኣብርሃ ካብ ዘርኣ-ክህነት ከረን፡ ምስ 13 ብጾቶም፡ ናብ ቫቲካን ትምህርቶም ንኽቕጽሉ ተላእኩ። ኣዝዮም ንፉዕ ስለ ዝነበሩ ብትምህርቲ ፍልስፍና ብዶክተርይነት ሊቅነቶም ኣመስከሩ። ትምህርቲ ተዎሎጅያ (ስነ-ሃይምኖት) ኸኣ ደረብሉ። ኣይጸንሑን ከኣ ብ 1944 ክህነት ተቐበሉ።

ትምህርቶም ኣጠናቒቖም ንሃገሮም ምስ ተመልሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም መምህር ዘርአ-ክህነት ተቘጺሮም ስርሖም ጀመሩ። ካብኡ ኸኣ ተምሃሮኦም ሒዞም ንኸሰልጥኑዎም ንሮማ ተመለሱ። ኣብኡ ኸሎዉ ምስ ራድዮ ቫቲካን ብምትእስሳር ይሰርሑ ነበሩ።

ብ 1961፡ ድሕሪ ኣቡነ ኣስራተማርያም ይምሩ፡ ናይ ሰበኻ ኣስመራ ጳጳስ ተሸይሞም መዓርግ ጵጵስና ተቐብኡ፣ ክሳብ 1984 ከኣ ኣገልገሉ።

ሽዑ ብብጹዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሃንስ ተተኪኦም ንሶም ኣብ ምምህርና ፍልስፍና ስነ-ሃይማኖትን ተሰጋገሩ። ብ 1992 ብሕማም ተጠቒዖም ንሮማ ተጓዓዙ፣ ኣብኡ ኣብ መዕቈብ ኣረጋውያን ብምእታው ክሳብ ጊዜ ሞቶም (2000) ተዓቝቡ።

ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ሃዋርያዊ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ፡ ኣብ ልዕሊ ትምህርተ-ክርስቶሳዊ ተልእኾኡ ማለት'ዩ፡ ሰብኣዊ ምዕባሌ ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን፡ ኣብ ትምህርቲ ሕጻናትን በጽሕታትን ምንጣፍ፡ ዘኽታማት ምእላይ፡ ኣብ ዓውድታት ክንክንን ጥዕናን ምስታፍ፡ ምብጻሕ ምእመናን ስድራቤታትን፡ ሕሙማት ምእላይ፡ ደቀባት ካህናትን ደናግልን ምዅስኳስን ምድላውን ... ወዘተ ኢዩ።

ባህርያት ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ

ሓደ ካብ ባህርያት ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ በቲ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ዝነበሮም ሓልዮት ክግለጽ ይከኣል። ንኣብነት ብ 24-28 ግንቦት 1971 ኣብ ዩኒቨርሲቱ ኣስመራ ዜስምዕዎ መደረ ክጥቀስ ይከኣል። ዝርዝራዊ ለበወኦም ድሕሪ ምቕራብ - ስልጣን ኣኽብሩ፡ ሕጊ ስዓቡ፡ ግቡእኩም ኣማልኡ፡ መሰል-ሰብ ኣኽብሩ - ከምዚ ዚስዕብ በሉ።

"መንእሰያት ሽግራት ስለ ዘጓነፎምን ዘጋጠሞምን ኢና ተኣኪብና ዘሎና። እምበኣርከስ ጊዜና ዝፈጠሮ ሽግር፡ ፈተና ተጓኒፉዎም እንሆ፣ መናእሰይ ክህወኹ ንርእዮም ኣሎና። ፈተና ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ስለ ዝዀነ፡ ፈተና ድማ መፍትሒ እንተድኣ ዘይተረኺቡሉ ከየሸንፎም የፍርሕ'ዩ" በሉ።

ኣብቲ እዋንቲ ብደርጊ ዝተኣታተወ ዴሳዊ ትምህርትን ስርዓትን ኣዝዮም ይቃወምዎ ስለ ዝነበሩ፡ ከይፈርሁ "ሕማም ጋሻ" (ጋሻ ማለት መንግስቱ ዘምጽኦም ኣጋይሽ - ንማርክስ፡ ሌኒን፡ ኤንግልስ - ማለቶም ነበረ) እናበሉ ይምድሩ ነበሩ።

Image copyright ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ

ንመንእሰያትና ሕማም ጋሻ ንፋስ ክሃርሞም ይርኤ ኣሎ፣ ንኣእምሮኦም ዜደንቍር ጌጋ ትምህርቲ ይወሃቦም ኣሎ ... መንእሰያትና ዝተበከለ ንፋስ እናስተንፈሱ ክጥዕዩ ኣይክእሉን፣ ተነቀፍቲ ስለ ዝዀኑ ክንድዚ ዝኣክል ጕድለት ካብ ኣቦታቶም ክርእዩ ኣይግባእን ስለ ዝዀነ እንታይ ይዅኑ? ሕማሞም ንእስነት ስለ ዝዀነ ፈውሶም ኣተዓባብያኦም'ዩ ... ልቢ ገርና'ስከ ንተዓዘብ፡ ድሌት መናእሰይ እንታይ'ዩ? ... እናበሉ ክምድሩ ምስማዕ ዜገርም ነበረ።

ንባህሪኦም ዝገልጹ ብዙሕ ኣብነታት ክቐርቡ ይኽእሉ። ንኣብነት ሓደ ዓርቢ ምሸት ብ 31/12/1975 (ዓ.ም.ፈ) ኣብ ማእከል ኣስመራ ተዅሲ ሓዲሩ ሰብ ክቝለብን ክሕረድን ንጽባሒቱ ኣቡነ ኣብርሃ፡ ትእዛዝ እቶ-እቶ ረጊጾም ግዳም ብምውጻእ ንምዉታት ክጽልዩን ንዝተሃስዩ ክሕግዙ ተራእዩ።

ሰብ ክፈልጠለይ ዘይብሉ ኣካይዳ ብምኻድ፡ ብጾምን ጸሎትን ተጋድሎን'ዮም ህይወቶም ኣሕሊፎምዎ። ኣቡን ኰይኖም ብዓጀባ ክኸዱ ይግብኦም ክነሶም ንሰቦም መሲሎም ክጐዓዙ ይመርጹ ነይሮም ይበሃል።

ደርጊ ምንቅስቓስ መካይን ብምእጋዱ ሃዋርያዊ ተልእኾና ክቋረጽ የብሉን ብምባል ብእግሮም ክሳብ ደቂ ሽሓይ፡ ዓዲ ንኣምን ክሳብ ከረን ንቅዳሴ ዝበጽሑሉ እዋን ነይሩ ይበሃል። ዉዕዉዕ ዉግእ'ውን ይዓግቶም ኣይነበረን።

ኣቡነ ኣብርሃ ካቶሊካውያን ገዳማት ክህገሩ፡ ድያቆናታቶም ንውትህድርና ከይወሰዱ፡ ኣበርቲዖም ይቃለሱ ነበሩ።

ደርጊ ሽማግሌታት ዓዲ መሪጹ በቲ ዝጥዕሞ እንኩም ከምዚ በሉ እናበለ ወረቐት ጸጽሕፉ ይዕድሎም ነበረ። ኣቡነ ኣብርሃ ግን ባዕለይ ዝጸሓፍኩዎ እንተዘይኰይኑ ወረቐትኩም ንዓኹም ዝበልሉ እዋን ነይሩ'ዩ። ከምኡ እናበሉ ኸኣ፡ ንሓቂ እናልዓሉ፡ ስለ ዉጹዕ እናተጣበቑ፡ ንካህናት'ውን ኣሐይሎም ክቃለሱ እናማዓዱ መንፈሳዊ ጕዕዞኦም ክሳብ መጠረስታ ከድዎ።

"ንሰበኻ ኣስመራ ኣብ ጽንኩር ጊዜ ን23 ዓመታት ዝኣክል ብትብዓት ዘገልገሉ ኣቦ እዮም" ብምባል ኣቡነ ዘካርያስ ኣብ መስዋእተ ቅዳሴ መስከሩ።

ቀዳም 8 ሚያዝያ 2000 ልክዕ ሰዓት 12፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መካነ መቓብር ጸጸራት ሓመድ ኣዳም ለበሱ።