ፈረንሳ፡ ኣባጊዕ ክምህር ዝመዝገበ ቤት ትምህርቲ

ኣባጊዕ ደቡባዊ ፈረንሳ Image copyright AFP/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ መንጎ እተን ዝተመዝገባ ኣባጊዕ፡ ሻውን፡ ዶሊ ከምኡ'ውን ባ-በት ይርከብአን

ሰበ ስልጣን ፈረንሳ ቁጽሪ ተማሃሮ ውሒዱ ብዝብል ምኽንያት ንሓደ ክፍሊ ክዓጽው ብምውሳኖም፤ ሓደ ሓረስታይ 15 ኣባጊዕ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ኣመዝጊቡ።

እቲ ጁለስ ፌሪ ዝተብሃለ ቤት ትምህርቲ ቁጽሪ ተመሃሮኡ ካብ 266 ናብ 261 ምጉዳሉ ክገልጽ ጸኒሑ።

እቲ ሚኸል ጊረርድ ዝተብሃለ ሓረስታይ ግና፡ ኣሻፈረይ ብምባል፡ ገለ ካብተን ኣባጊዑ ከመዝግበን ተራእዩ።

ጊረርድ 50 ዝኾና ኣባጊዕ ሒዙ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዘምርሓሉ ከባቢ 200 ዝኾኑ መማህራን፡ ተማሃሮን ሰብ መዝን ተረኺቦም ነይሮም።

ከንቲባ እቲ ከባቢ እውን ኣብቲ ጽምብል ክርከብ ከሎ፡ ናይተን ኣባጊዕ ናይ ትውልዲ ወረቃቅቲ ተረኪቡ። ንምኽንያት ምዕጻው እቲ ክፍሊ መብርሂ ምሕታቱ'ውን ተገሊጹ።

ሓደ ካብ ወለዲ ተማሃሮ ዝኾነተ ጋለ ላቨል ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "ደጊም ዝዕጾ ኣይክህልወናን'ዩ" ድሕሪ ምባል እቲ ስርዓተ ትምህርቲ "ብዛዕባ'ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዘይኮነ ኣብ ቁጽሪ ጥራሕ" ከም ዝግደስ ሓቢራ።

ኣብቲ ህሞት ዝተረኽቡ ቆልዑ "ንሕና ኣባጊዕ ኣይኮናን" ዝብል ጽሑፋት ሒዞም ነይሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት