ኢትዮጵያ ኣስታት 3 ሚልዮን ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ከምዘለዋ ሓድሽ ጸብጻብ ገሊጹ

ተመዛባሊት

ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2018 ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ዘለውዋ ሃገር ከም ዝኾነትን፡ እዞም ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ብምኽንያት ጎንጽታት ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉን ሓድሽ ዝወጸ ዓለማዊ ጸብጻብ ገሊጹ።

ዓለማዊ ማእከል ምክትታል ውሽጣዊ ምምዝባላት ዝተብሃለ ዓለማዊ ትካል ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ "ቅልውላው ኢትዮጵያ ዋላ'ኳ ካብ 2016 ጀሚሩ ብቐጻሊ እናገደደ ዝመጸ እንተኾነ፤ ጎንጽን ማሕበረሰባዊ ግጭትን ኣዝዩ ዝተጋፈሐን ናብ ሓደሽቲ ቦታታት እውን ዝተላበዐን ግን ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት እዩ" ኢሉ።

ኣብ 2017 ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ'ውን እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ጎንጺ ማሕበረሰባት ጉጂን ጌዲኦን፣ ኣብ መንጎ ኦሮሞ፡ ኣምሓሩን ጉምዝን ኣብ ቤንሻንጉል ዝነበረ ጎንጺ፣ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ሶማሌን ዝተወለዐ ግጭት፣ ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ዝተርኣዩ ጎንጽታት፤ ብዙሓት ሰባት ክመዛበሉን ኣብ ግዚያዊ መዕቆብታት ከጽልሉን ምኽንያት ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ጉጂን ጌዲኦን ብዝተወለዐ ጎንጺ ዝተመዛበሉ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዘዕቆቡሎም ማእከላት ድማ "ልዕሊ ዓቕሞም ዝተሸከሙ" ከምዝኾኑን፤ ናይ ረድኤት ትካላት መግብን መባእታዊ ቀረባትን ከቕርቡ ከምዝተጸገሙ'ውን እቲ ሓድሽ ጸብጻብ ይሕብር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ምላሽ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ከምዝወሰደ ዝገልጽ እቲ ዓለማዊ ጸብጻብ፤ ይኹን እምበር፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩነታት ገና ከይሃድአ እንከሎ ተመዛበልቲ ካብ መዕቆቢ ማእከላት ናብ መረበቶም ክምለሱ ገይሩ እዩ፡ ንሰላማውያን ዜጋታት'ውን ክሕሉ ኣይከኣለን ብዝብል ከምዝውቀስ ገሊጹ።

ትማሊ ረቡዕ መግለጺ ዝሃበት ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ቢልለኔ ስዩም፤ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ይምለስ ከምዘለዉን፡ ዛጊድ 875 ሽሕ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱን ገሊጻ።

እዚ ኣብ ውሽጣዊ ምምዝባላት ዘድሃበ ጸብጻብ ከምዘርእዮ፤ ኣብ ዓለም 41 ሚሊየን ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ሰባት ኣለዉ፤ ካብዚኦም እቶም 28 ሚልዮን ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ዝተመዛበሉ እዮም።

ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ፤ ንዓመታት ኣብ ጎንጺ ዝጸንሓ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ሶርያን እውን ዝለዓለ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ዘለወን ሃገራት እየን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት