እስማዒል ኣሕመድ፡ ን46 ዓመታት መሬት ዓዱ ዘይረገጸ ኤርትራዊ

እስማዒል ኣሕመድ Image copyright እስማዒል ኣሕመድ

"ንእስነተይ ትማል-ትማል ዘሕለፍኩዎ ኰይኑ ይስምዓኒ። ጸባሪት፡ እታ ብ 1973 ምስ ወጻእኩ ዘይተመለስኩዋ ዝተወለድኩላ ቝሸት: ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሓሳበይ ትመላለሰኒ።

ተቐማጦ ናይ'ዛ ካብ ምዕራብ ዓዲ ቀይሕ 12-13 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ማሙቕ ዓዲ፡ ብሕርሻን ጕስነትን 'ዮም ዝናበሩ። ጥዑም ሽታ'ቲ ኣየር፡ ዝጐየኹሎም ጐላጕል ዓደይ፡ ሰሓቕን ድምጽን ኣሕዋተይ፡ ፍቕሪ ወላዲተይ፡ ጽንዓት ኣቦይ ጌና ኣብ ዝኽረይ ኣለው" እናበለ ተዘክሮታቱ ብትካዜን ናፍቖትን ይገልጽ እስማዒል ኣሕመድ።

"ግራውቲ ጸባሪት ዝኣክል ፍርያት እናሃበ ዘዕበየኒ ለጋስ መሬት'ዩ ነይሩ ... ሕጂ ግን ብውሕጅን ንፋስን እናተፈግረ ይኸይድ ከም ዘሎ ይነግሩኒ።

እንስሳ ዘቤት ከም ኣዛብእን ወኻሩን ዝኣመሰሉ እንስሳ ዘገዳም ክደሃዩ እናሰማዕኩ ዝዓበኽሉ፡ ንእስነተይ ዘይጸገቦ ቦታ ብሓቂ እናፍቖ "ይብል እስማዒል።

"ኣነ ኣብ ጊዜ ፈደረሽን'የ ተወሊደ፣ ኰይኑ ኸኣ መባእታዊ ትምህርተይ ኣብ ዓዲ ቐይሕ፡ ማእከላይ ደረጃ ትምህርተይ ከኣ ኣብ ኣቑርደት'የ ተማሂረ ... ኣቦይ ፖሊስ ስለ ዝነበረ ኣብ ፈቐድኡ ይምደብ ነይሩ። ሽዑ ብዓረብኛ ንክንመሃር ዕድል ነይሩና፣ ተማሂረሉን ተመሪቐሉን ከኣ" እናበለ ኣብ ዕላሉ ጠሓለ።

"ኣብቲ እዋን'ቲ ኣቦይ ወልደኣብ ብረድዮ ካብ ካይሮ ክዛረቡ ኣብ ዓዲ ቀይሕ ምስ ኣዕሩኽተይ ኰይነ ኣብ ኣፍደገ እንዳ ሻሂ ዑጉጕ ኢልና ክንሰምዕ እዝከረኒ፣ ኢብራሂም ሱልጣን ኸኣ፡ መራሒ ኣል-ራቢጣ ኣል-ኢስላሚያ፡ ንናጽነት ክጕስጕሱ እዝከረኒ።"

"ሽዑ ዓብዱልቃድር ከቢረ ብ 1949 ኣብ ኣስመራ ከም ዝተቐትለ ሰባት ክዛረብሉ እሰምዕ ነይረ። ሸኽ ኢብራሂም ስልጣን 'የማናይ ኢደይ ወሲዶምለይ' ኢሉ ተባሂሉ ዝዛረበሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ነይሩ። ብእኡን ወድ ኸምኡን ተደሪኸ ኣብ ንኡስ ዕድመይ ምስ'ቶም ኣብ ዓዲ ቀይሕ ኣንጻር ኣንድነታውያን ሰላማዊ ሰልፊ ዝወደኑ ኮይነ ኣብ ሰልፊ ተማሃሮ ተጸንቢረ ድልየተይ ዘነጸርክሉን ድምጸይ ዜስማዕክሉ እዋን'ዩ ነይሩ" ክብል ይዛረብ እስማዒል። "ነቲ ዘበን'ቲ ብሓበንን ኣስተንትኖን እዝክሮ" ከኣ ይብል።

እስማዒል ከምኡ እናበለ ብዕላላትን ምንቅስቓሳትን ፖለቲካ ተኸቢቡ ዓበዪ። ባንዴራ ኤርትራ ዝወረደትሉ፡ ቋንቋ ኣምሓርኛ ክትኣታቶ ዝጀመረሉ፡ ከምኡ'ውን፡ ብሸነኽ ኢትዮጵያን ጎረባብቶምን፡ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ድልየታት ሃገራት ኣዕራብ ሓዋዊስካ ብምቕራብ ዝፈጥርዎ ዝነበረ ምድንጋራት ይዝከሮ።

ኣብ 60ታት ኵነታት ኤርትራ እናኸፍአ ይኸይድ ስለ ዝነበረ እቶም ኣብ'ቲ ዘመን'ቲ ዝዓብዩ ዝነበሩ መንእሰይ ሓንገዱ፣ ፈጽ ከኣ በሉ። እስማዒል፡ ምስ ሓያል ሃገራዊ ስምዒታቱ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ንኽከታተል ፈለማ ንደቀምሓረ ካብኡ ኣብ ቀዳማዊ ሃይስላሴ ዩኒቨርሲቲ፡ ብዛዕባ ታሪኽን ምሕደራ ቤተ-መጻሕፍትን ክመሃር - ንኣዲስ ኣበባ ከደ፣ ብ1972 ከኣ ተመረቕ።

ንሓጺር እዋን፡ ስድርኡ ንምሕጋዝ፡ መምህር ታሪኽ ኰይኑ ሰርሐ። ጻውዒት ሃገር ግን ኣየደቀሶን፣ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ኣንጻር ተጋድሎ ሓርነት ዚካየድ ዝነበረ ዘመተ ምስ ብጾቱ ዀይኑ ይከታተሎ ስለ ዝነበረ ስርሑ ጠንጢኑ ብዓቕሙ ንምሕጋዝ ብ1975 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰለፈ።

Image copyright ኢድሪስ

ጕዳይ ጀብሃ፡ ዘይሓወየ ቍስሊ ኤርትራ

እስማዒል ካብ 1975 ጀሚሩ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ንጥፈታቱ ጀመረ። ነታ ውድብ ብምውካል ኣብ በይሩት፡ ደማስቆስ፡ ቴህራን፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ሃገራት ዓረብ እናኸደ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ መንግስታት ማእከላይ ምብራቕ ንምልላይ ጸዓረ።

ሓደ ካብ'ቶም ቀንዲ ስርሓቱ ናይ ጐስጓስ ጽሑፋት ብእንግሊዘኛን ዓረብኛን ብምድላው ናይ ቃልሲ ስምዒታት ተራ ተጋደልትን ካድረታትን ክብ ምባል ነበረ። ካብ ፖለቲካዊ ካድር ናብ ክፍሊ ዜና ምስ ሓለፈ ኸኣ ኣብቲ ንሓፋሽ ዝወሃብ ዝነበረ ሓበሬታን ትምህርትን ብዕቱብ ብምስታፍ መሪሕ ተራ ይጻወት ነበረ።

እስማዒል ነቲ ኣብ 70ታት ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ሞንጎ ክልተ ዉድባት ዝተፈጥረ ተጻብኦን ኩናት ሕድሕድን ብዙሕ የሕዝኖ። እቲ ኣብ መንጎ አሕዋት ዝተኻየደ ኣብ 1981 ንተሓኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ዘርሓቓ ኩናት ሓድሕድ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ከም ሓደ ጸሊም ነጥቢ እዩ ዝረአ።

እቲ ፍጻሜን ሳዕቤናቱን ከኣ ብፍላይ ኣብቶም ተሳተፍቱ ክሳብ ሕጂ እናሳዕ ዝጉዳእ ከቢድ ቁስሊ ኣለዎ።

እስማዒል ካብ ብጽሕንኡ ዝጀመረ ቃልሱ ክሳብ ሎሚ ካብ ቀልቡ ከም ዘየልገሰ፣ ብቃልሲ ዓብዩ፡ ንቃልሲ ህይወቱ ወፍዩ፡ ቃልሱ ኸኣ መዕለቢ ክፈጥረሉ ጌና ህርድግ ይብል ከም ዘሎ ይዛረብ።

ሕጂ ብዕድመ'ኳ እንተደፍአን ኤርትራ ናጽነታ እንተረኸበትን እስማዒል ንቃልሲ ተ.ሓ.ኤ. ኣይረስዐን። እቲ ንብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እግሪ ዘትከለ፡ ህይወት ብጾቱ ዝበልዐ፡ ድሒሩ ኸኣ ደምን ረሃጽን ንብዓትን ብጾቱ ዝመጸየ ታሪኽ ቃልሲ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ታሪኽ ናጻ ኤርትራ ክርሳዕ ኣይግበኦን እዩ በሃሊ እዩ።

ታሪኽ ተሓኤ ማዕረ ናይ ህዝባዊ ግንባር ስለዘይዝከርን ብፍላጥ ስለዝተረሰዐን ከም ኣካል ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግቡእ ቦትኡ ክረክብ ኣለዎ በሃላይ እዩ። ንጽንብል 28 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ከኣ ብሓርነትን መሰላትን ዜጋታት ክደምቕ ከምዝምነ ይገልጽ።

Image copyright ኢድሪስ

እስማዒልን መዓልቲ ናጽነትን

ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣርብዓታት'ዩ ተዋዓዊዑ። ኣብ መውዳእታ ሓምሳታት ሓራካ ምንቅስቓስ ጀሚሩ። ኣብ ስሳታት ከኣ ተሓኤ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ። ጕዳይ ናጽነት ኤርትራ ብዙሓት ስለ ዝተዋስእዎ- ራቢጣ፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን፡ ሓራካት/ማሕበር ሸውዓተ፡ ኢድሪስ ዓዋተን ብጾቱን፡ ተጋድሎ ሓርነት ከምኡ'ውን ህዝባዊ ግንባር - ናጽነት ኤርትራ ናይ ኵሉ ምዃኑ'ዩ።

ስለዚ ሓደ ውድብ ነቲ ሓደ ብኩናት ሓድሕድ ደፊኡ ኣብ ናጽነት ስለዝተዓወተ ንቓልሲ ካልኦት ጎሲኻ ክሕለፍ ኣይግባእን እዩ ይብል ነባሪ ሆላንድ ገዲም ተጋዳላይ እስማዒል።

እስማዒል ንመዓልቲ ናጽነት ብኸመይ ይርእያ?

"ንዓይ መዓልቲ ናጽነት ዝጐደሎ መኣዝን ስለ ዘሎዎ ኵሉ የተሓሳስበኒ እዩ። ኣብ ነብሲ ወከፍ ጽንብል ናጽነት፡ ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብፍላጥ ክስገር ስለዝርኢ፡ ታሪኸይ ኣብ ሕሳብ ናጽነት ብዘይምእታዉ ቍስለይ ይጐዳኣኒ፣ የጕህየኒ ኸኣ" ይብል እስማዒል።

"ስለዚ" ይብል እስማዒል፡ "24 ግንቦት ከም ሓንቲ ነዋሕ፡ ብሕቶታት ዝተዓጀበት መዓልቲ ገይረ'የ ዝርእያ ... ልክዕ ከም ሓንቲ ትመጽእን ትሓልፍን መዓልቲ ... ተዘክሮታተይ ከኣ ናብ'ቶም ዝወደቑ ብጾተይ የላግስ" ይብል። ወሲኹ፡ ገና ዘይተማልኡ ሕልምታት ሓርነት ስለዘለው፡ "ተዘክሮታት ተ.ሓ.ኤን መስዋእትን በሰላታት ዉግኣት ብጾተይ ኵሉ ጊዜ እዩ ዝረኣየኒ" ይብል።

ኣስተንትኖኣዊ መደምደምታ

ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ መን ጀሚሩዎ? ኣባላት ናይቲ ዝዓበየን ዝበዝሑ ተጋደልቲ ዝነበርዎን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣበይ ኣበሉ? ታሪኾም'ከ እንታይ ይመስል ነበረ? ዝብል ዛዕባ ቀስ ኢልካ ክድህሰስን ክስነድን ከምዝግባእ ተመራመርቲ ታሪኽ ይጠቕሱ። ታሪኽ ተሓኤ፡ ከም ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር፡ ጽቡቑን ሕማቑን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ብተመራመርቲ ዝስነድ ታሪኽ ኣበርክቶ ተሓኤ ክሕቆፍ እዩ።

እስማዒል፡ "ምስ ጀብሃ ዘይነበረ ንኩነታታ ክርድኦ ኣይክእልን'ዩ። ስለዚ እቲ ዘይወዓለ ውሑድን ብዙሕን እንተበለ፡ ንኹሉ ዝፈረድ ታሪኽ እዩ። ግን ነብሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ተሓኤ እውን ምእንቲ ንናጽነት ዝወፈሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ከምዝተሰውኡ ክዝክርን ክብሪ ክህቦምን ግቡእ እዩ" ይብል።

"ሕልመይ ከኣ ሞት ከየርከበኒ ንዓደይ ምምላስ'ዩ ... ጥጡሕ ባይታን ተቐባሊ ሃዋህውን ምስ ተፈጥረ፡ ንጸባሪት ከይደ ምስ'ቶም ቀዲሞምኒ ዝሓለፉ ስድራይን ብጾተይን ብሕልና እራኸብ'ሞ እቲ መዓርፎ ዘይረኸበ ልበይ ይቐስን ይኸውን" ብምባል የስተንትን።