ኢራን ብሰንኪ ኣህጉራዊ እገዳታት፡ 'ተራእዩ ዘይፈልጥ' ጸቕጢ ይገጥማ ከምዘሎ ፕረዚደንት እታ ሃገር ገሊፁ

ኣንጻር ፕረዚደንት ትራምፕን ኣሜሪካን ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኢራን፡ ቴህራን ግንቦት 10 2019 Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣንጻር ፕረዚደንት ትራምፕን ኣሜሪካን ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኢራን

ኢራን 'ተራእዩ ዘይፈልጥ' ጸቕጢ ገጢምዋ ምህላው፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሩሃኒ ሓቢሩ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳታት ብምሕዳሳ፡ እታ ሃገር ካብቲ ምስ ጎረቤታ ኢራቕ ኣብ ኲናት ዝነበረትሉ እዋን (1980-88) ዝኸፍእ ቁጠባዊ ኩነታት ይገጥማ ምህላው፡ ፕረዚደንት ሩሃኒ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣሜሪካ ናይ ኲናት መራኽባ ናብቲ ከባቢ ዘጸግዐት ኮይና፡ ክልቲአን ሃገራት ተፋጢጠን ኣብ ዘለዋሉ እዋን እዩ፡ እቲ ፕረዚደንት ነዚ ርእይቶ ዝሃበ።

ኣብ ትሕቲ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ዝርከብ ፕረዚደንት ሩሃኒ፡ ነቲ እገዳታት ንምግጣም ፖለቲካዊ ሓድነት ከም ዘድሊ ሓቢሩ።

"ኣብ እዋን እቲ ኲናት ባንክታትና፡ መሸጣ ነዳዲ ወይ ናይ ሰደድን ኣታውን ጸገም ኣይነበረነናን፤ እቲ እገዳ ኣብ ሸመታ ናይ ኣጽዋር ጥራይ'ዩ ነይሩ" ክብል ንፖለቲካውያን ጎስጎስቲ፡ ኣብ ከተማ ቴህራን ርእሰ ከተማ ኢራን ተዛሪቡ።

"ብጸላኢ ገጢሙና ዘሎ ጸቕጢ ኣብ ታሪኽ እስላማዊ ሰውራ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኲናት'ዩ . . . ግና ተስፋ ኣይቆርጽን፤ ንመጻኢ ዓቢይ ተስፋ ኣሎኒ፡ እንተሓቢርና ክንሰግሮ ከም እንኽእል ድማ ይኣምን" ኢሉ።

እዚ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ንሂሩ ዘሎ ምውጣጥ፡ ነቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ኒኩለራዊ ስምምዕ ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ ኣሎ። እቲ ስምምዕ ኢራን ምስተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ጀርመንን እያ ከቲማቶ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ በይንኣዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ነቲ ስምምዕ ጎስዩ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዳግማይ እገዳ ኣንቢሩ። ካልኦት ሃገራት ኣሰር ኣሜርካ እንተስዒበን፡ ኢራን ኒኩለራዊ ንጥፈታት ደጊማ ክተበራብሮ ምዃና ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።

ኢራን ዝገጥማ ዘሎ ጸቕጢ እንታይ'ዩ?

ኣሜሪካ ካብቲ ኒኩለራዊ ስምምዕ ምስ ኣንስሓበት፡ ፕረዚደንት ሩሃኒ ካብ ፖለቲከኛታት ሃገሩ ብድሆ ገጢምዎ እዩ።

እቲ ስምምዕ፡ ኢራን ነቲ ተኣፋፊ ኒኩለራዊ ንጥፈታታ ደረት ክትገብረሉን ኣህጉራውያን ተቖጻጸርቲ ክኣትው ክተፍቅድን ኣምሳይኡ ደማ እገዳታት ክዘልቀላን ዝጠልብ እዩ።

እገዳታት ኣሜሪካ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ንጸዓት፡ መጓዓዝያ ባሕሪን ፋይናንሳዊ ጽላትን ዝምልከቱ- ንሰደድ ነዳዲ ብምጽላው ናይ ወጻኢ ወፍሪ ከንቆልቁል ገይሮም እዮም።

እቲ እገዳታት፡ ኩባንያታት ኣሜሪካ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ምስ ኢራን ንግዳዊ ንጥፈት ከየካይዳን ዝኽልክል'ዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት