ኢትዮጵያ፡ ጉዕዞ ሉሲ 'ንሰላምን ፍቕርን' ስለምንታይ ተቛሪፁ?

ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንሉሲ እናረኣዩ Image copyright FBC/FACEBOOK

'ጉዕዞ ሉሲ ንሰላምን ፍቕርን' ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ 14 ለካቲት 2011 ብቤት ምኽሪ ፌደሬሸን ኢትዮጵያ ወግዓዊ መሰነይታ ምስ ተገበረሉ ተጀሚሩ።

ብድሕሪ'ቲ መሰነይታ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተረኸበት ፈላመይቲ ቅሪት ኣካል ደቂሰብ ሉሲ፡ ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብዝተወከሉ ሰባት ተሰንያ ዓፋር ኣትያ።

ኣብ ሚንስትሪ ባህልን ቱሪዝምን ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ልምዓት ቋንቋን ሓበራዊ ባህልን ኣይተ ኣለማየሁ ጌታቸው፡ ኣብቲ ክልል ንሓሙሽተ መዓልቲ ከም ዝፀንሐት ይገልፅ።

"ኣብ ክልል ዓፋር ዝተፈላዩ ዓውደ ምርኢትን ስነጥበባዊ ስራሕትን ምስ ቀረቡ፡ ኣብ ዓፋር፣ ሎጊያን ኣብቲ ዝተረኸበትሉ ቦታ 'ኣደኣር' ናብ ዝተበሃለ ቦታን ከይዳ። ህዝባዊ መድረኻት ዘተ'ውን ተኻይዶም" ኢሉ።

ሉሲ፡ ካብ ዓፋር ቀፂላ ናብ ክልል ሶማሊያ ኣብ ዝገበረቶ ጉዕዞ፡ ኣብ ከተማ ጅግጂጋን ዩኒቨርሲቲ ጅግጂጋን ኣብ ዝተዳለዉ መድረኻት፡ ነበርቲ፣ ተምሃሮን መምህራንን ኣብ ዝተዓደሙሉ ተመሳሳሊ መድረኽ ተሳሊጡ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መሰነይታ ጉዕዞ ሉሲ ንሰላምን ፍቕርን

ካብ ሶማሌ ናብ ሃረር'ውን ተመሳሳሊ ጉዕዞ ዝተገበረ ኮይኑ፡ ንዕላማ እቲ ጉዕዞ ዘስርፁ መፅናዕታዊ ፅሑፋትን መነቓቕሒ መደረታትን ከም ዝቐረቡ እቲ ዳይሬክተር ኣዘኻኺሩ።

ዕላማ ጉዕዞ ሉሲ

"እዛ ሃገር ሕዚ ብዘላትሉ ነባራዊ ኩነታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ጎንፅታታ እናተወልዑ እዮም። እቲ ጎንፂ ድማ ብሄር ተኮር ይኸውን ስለ ዘሎ፡ 'ጥንታዊ ኣመፃፅኣና ካብ ሓደ እዩ' ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘ ጉዕዞ'ዩ" ይብል ኣይተ ኣለማየሁ።

ብተወሳኺ፡ ናይ ሃይማኖት፣ ቦታን ካልእን ኣፈላላያት'ኳ እንተሃለው፡ ኣብ ሞንጎ ሰባት ምርሕሓቕ ክፈጥር ዝኽእል ነገር ክኸውን ከም ዘይግባእ ግንዛበ ንምዕባይ ምኻኑ'ዩ ዝዛረብ።

ነዚ ዝኽእሉ ሙዚቃዊ ድራማታት፣ መፅናዕታዊ ፅሑፋትን መነቃቕሒ መደረታትን ድማ ኣብ ኩሎም ዝተገበሩ ጉዕዞ ቀሪቦም።

"እቲ ሙዚቃዊ ተዋስኦ፡ ኣብ ሞንጎ ውልቀ ሰባት ዝፍጠሩ ጎንፅታት ብኸመይ ናብ ናይ ብሄር ጎንፂ ክሰጋገሩ ከም ዝኽእሉ ዘርእይ'ዩ። እቶም መፅናዕታዊ ፅሑፋት ድማ ንጥንታዊ ኣመፃፅኣ ደቂ ሰባት፣ ባህልን ስፖርታዊ ጭውነትን መሰረት ዝገበሩ እዮም" ይብል እቲ ዳይሬክተር።

መንእሰይ ይርጋ ገብረመድህን ግን ኣብዛ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ጎንፅታት ቅሪት ኣካል ሉሲ ብእትገብሮ ጉዕዞ ክፍታሕ ይኽእል'ዩ ዝብል እምነት የብሉን።

"ንሰላም ዝፀልእ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ኩሉ ከስተማቕሮ'ዩ ዝደልይ። ከም እምነተይ ግን 'ሉሲ መቦቆልና ስለ ዝኾነት ሓደ ክትገብረና ትኽእል'ያ' ብዝብል ናብ ክልላት ጉዕዞ ምግባር ትርጉም ዝህልዎ ኣይኮነን" ኢሉ።

"ህዝቢ መቦቆሉ ካብ ሉሲ ከም ዝኾነ ከይፈለጠ ብምትራፉ፡ ሰላም ተሳኢኑ ዝብል እምነት የብለይን" ዝብል ይርጋ፡ መሰረት እቲ ጎንፂ ኣብ ላዕለዎት መሪሕነት እታ ሃገር ከም ዝኾነ ብምሕባር፡ ሰላም ንምምፃእ ካልእ ዝሓሸ ኣማራፅታት ምጥቃም ከም ዘድልይ የረድእ።

ዳይሬክተር ዳይሬክተር ልምዓት ቋንቋን ሓበራዊ ባህልን ኣይተ ኣለማየሁ ጌታቸው፡ እቲ ጉዕዞ ብመሰረት ዝተበገሰሉ ዕላማ ውፅኢታዊ ከም ዝኾነ'ዩ ዝዛረብ።

"ኣብቲ ጉዳይ ብዙሕ ሰብ'ዩ ተሳቲፉ። ኣብ ገለ ከባብታት 'ኣመፃፅኣና ካብ ሓደ ስለ ዝኾነ፡ ንፀገማትና ክንፈትሕ ዝግባኣና ንሕና ባዕልትና ኢና። ልክዕ ከምቲ ቀደም ሰላምናን ሓድነትናን ክቕፅል ክንገበር ይግባእ' ዝብል ርእይቶታት ተቐቢልና" ክብል የረድእ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝቐርቡ ገለ ትሕዝቶታት፡ ንህዝቢ ብኸመይ ናብ ዝተጋገየ ኣንፈት ይመርሕዎ ከም ዘለዉ'ውን ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝቐርቡ ምድላዋት ክግንዘብ ኪኢሉ'ዩ።

ስለምንታይ ድሕሪ ከተማ ሃረር ዘይቀፀለ?

ኣይተ ኣለማየሁ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ጉዕዞ በቲ ዝተሓሰበሉ ግዜን ኣካይዳን ክቅፅል ኣይከኣለን። ካብ ዝጀመረሉ እዋን ክሳብ ናብ ኩለን ክልላት ዝብፃሕ ብዘይገለ ምቁርራፅ ክቕፅል'ዩ ተሓሲቡ ነይሩ።

Image copyright Getty Images

"ኣብዚ ጉዕዞ ልዕሊ 80 ሰባት'ዮም ዝሳተፉ" ዝብል እቲ ዳይሬክተር፡ ካብ ሃገራዊ መራኸቢ ሓፋሽ - ኢቢሲ፣ ብሄራዊ ትያትር፣ መፅናዕትን ሓለዋን ቅርሲ፣ ባህልን ቱሪዝምን፣ ካብ ላዕለዎት ትካላትን ትምህርትን ሚንስትሪ ሳይንስን ዝተወከሉ ሙሁራት ኣብቲ ጉዕዞ ከም ዝሳተፉ ይሕብር።

"ትልምና ብዘይ ምቁራፅ ንምቕፃል'ዩ ነይሩ። ናብ ተግባር ምስ ኣተውና ግን ከም ዝሓሰብናዮ ኣይፀንሓናን። ኩሉ ኣባል ን20 መዓልታት ቀትሪን ለይትን ብዘይ ምቁራፅ ይሰርሕ ነይሩ" ይብል።

ገለ ክማልኡ ዝግብኦም ቀረባት (ሎጂስቲክስ) ዘይምምልኦም'ውን እቲ ጉዕዞ ንኸቛረፅ ምኽንያት ከም ዝነበረ ይዛረብ።

እቲ ጉዕዞ ናብተን ዝተረፋ ከባብታት ካብ 15 ግንቦት 2011 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ክቕፅል'ዩ።

ኣብታ ሃገር ዘለው ጎንፅታት፡ ኣብቶም ኣቐዲሞም ዝተገበሩ መገሻታት ዘጋጠመ ፀገም ከም ዘይነበረ ዝሕብር ኣይተ ኣለማየሁ፡ "እቲ ጉዕዞ ንኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተረፋ ሸውዓተ ቦታታት ብምክያድ፡ ካብ 15-20 ሰነ ክጠቓለል'ዩ" ኢሉ።

ዝለዓለ በጀት ዝሓትት ጉዕዞ ምዃኑ ዘይሓብአ እቲ ዳይሬክተር፡ "ክንድዚ ዝኣክል ካብ ምባል፡ ብሚልዮናት ዝግመት ወፃኢ ኢለ እንተገለፅክዎ ይሓይሽ" ክብል ይገልፅ።