ወመዘክር፡ ካብ ዘበነ ሃይለስላሰ ክሳብ ሎሚ

ኤጀንሲ ብሔራዊ ቤተ መዛግብትን ቤተ መጻሕፍትን
ናይ ምስሊ መግለጺ ኤጀንሲ ብሔራዊ ቤተ መዛግብትን ቤተ መጻሕፍትን

ምስረታ ወመዘክር

ቤተ መጻሕፍትን ወመዘክርን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፡ ናይ ሎሚ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ መጻሕፍትን መዛግብትን ኤጀንሲ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ሚያዝያ 27/1936 ዓ.ም ተመስሪቱ።

እቲ ሃጸይ ሃይለስላሰ ናይ ውልቀኦም መጻሕፍቲ ብምውፋይ ከምዝመስረትዎ ዝንገረሉ ቤተ መጻሕፍቲ ኣብ ዝኽፈተሉ እዋን፡ እቶም ንጉስ ''ኣብዚ ህዝባዊ ቤተ-መጻሕፍትን ካልኦትን ዝሕተሙን ንታሪኽ ዝጠቕሙን ካልኦት ነገራትን ተኣኪቦም፡ ናይ ህዝብና ናይ ኣእምሮ ሃፍትን መነቓቕሒ ተስፍኡን ክኾኑ ተስፋ ይግበር።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ይተሓተሙ ናይ ዓድና ኩነታት ዝምልከቱ መጻሕፍትን ጽሑፋትን ብዝኸኣልናዮ መጠን ንምእካብ እንደኽመሉ እዩ'' ኢሎም ነይሮም።

እቶም ንጉስ መጀመሪያ 138 ቀጺሎም ድማ 600 መጻሕፍቲ ለጊሶም እዮም።

ወመዘክር ቤተ-መጻሕፍቲ ጥራይ እንተይኮነስ፡ ካልኦት ቅርሲታት 'ውን ክሕዝ ተሓሲቡ ስለዝነበረ፡ ኣልባሳት ነገስታት፣ ካብ ወርቅን ዕንጸይትን ዝተሰርሑ ዝተፈላለዩ ኣቑሑትን ተኣኪቦም ነይሮም።

እዞም ቅርስታት፡ ሎሚ ኣብ ትሕቲ በዓል ስልጣን ሓለዋ ቅርሲ እዮም ዝርከቡ።

ወመዘክር ኣብ 1958 ዓ.ም ብሄራዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ ዝነበረ እንትኾን ኣብ 1998 ዓ.ም ድማ ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ወመዘክር ኤጀንሲ ክኾን ክኢሉ እዩ።

ሎሚ ዓመት መበል 75 ዓመት ኢዮቤልዮ ዘኽብር ወመዘክር፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰብዓ ዓመታት ካብ ጽሑፍ፣ ድምጽን ስእልን ሰለስተ ቕዳሕ ኣኪቡ እዩ።

ናይ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ፣ መጽሄታት፣ ሙዚቃታት፣ ሃይማኖታዊ ዝማረታት፣ ተዋስኦታትን ድራማን ቅዳሓት ኣብቲ ማእከል ይርከቡ።

ዝተፈላለዩ ስነ-ቃላት 'ውን ብድምጽን ጽሑፍን ተሰኒዶም ይርከቡ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ክፍሊ መዛግብቲ ሓደ

ኣብ ወመዘክር ካብ መጻወቲ ሸኽላ ክሳብ ሲዲ፤ ካብ ብራና ክሳብ መጻሕፍቲ ዝርከቡ እንትኾን ንተመራመርቲ ግልጋሎት ዝህብ ክፍልን፡ 24 ሰዓት ክፉት ዝኾነ ቤተ-መጻሕፍትን ዘካተተ እዩ።

ዶክተር ኣምባሳደር ዘውዴ ገብረስላሰ ዝኣከቡዎም 285 ፋይላትን፡ ሃለቃ ታዬ ገብረማርያም ዝኣከቡዎም 48 ሰነዳትን፡ ካብ ፍሉጣት ሰባት ናብቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ካብ ዝተዛወሩ መዛግብቲ እዮም።

ቤተ-መጻሕፍቲ ወመዘክር ንህጻናትን ዓይነ-ስውራንን ዝግልገሉሉ ክፍሊ ኣለዎ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ዝርዝር ኣብ ዩኔስኮ ዝተመዝገቡ ቅርሲታት ስነጽሑፍ

ከይዲ ጉዕዞ

ኣብ ኣፍሪካ ቤተ-መጻሕፍቲ ብምምስራት ፈላሚት ግብጺ እንትትኸውን፡ ኢትዮጵያ 'ውን ግን ጽቡቕ ሽም ካብ ዘለዎም ሃገራት እያ።

ብላቴን ጌታ ህሩይ ወልደ ስላሰ ኣብ 1903 ዓ.ም ለንደን ጎብንዮም እንትምለሱ ኢትዮጵያ ዘበናዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ክህልዋ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም ምንባሮም፡ ወመዘክር መበል 75 ዓመተ ምስረትኡ እንተኽብር ኣብ ዘውጸኦ መጽሄት ገሊጹ።

እዚ ሕልሞም ድማ ብ 1936 ዓ.ም ጋህዲ ክኸውን ክኢሉ እዩ።

ወመዘክር መጻሕፍትን ጽሑፋትን ምዕቃብ ጥራሕ እንተይኮነስ ናብ ዝመጽእ ትውልዲ ናይ ምስግጋር ሓላፍነት 'ውን ኣለዎ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ክንደይ ዝኣክል ውጽኢታዊ ስራሕ ሰሪሑ? ክንብል ንርክብ ህዝቢ ብሄራዊ ቤተ-መጻሕፍትን ቤተ-መዘክርን ኣይተ ሽመልስ ታዬ ሓቲትናዮም።

ሰብ ዋና ጥንታዊ ጽሑፋት ዝኾኑ ትካላት ሃይማኖት፡ ዘለዎም መዛግብቲ ነቲ ቤተ-መጻሕፍትን ቤተ-መዘክርን ክህቡ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም፡ እቲ ኤጀንሲ ክንድቲ ክእክቦ ዝግበኦ መዛግብቲ ከምዘይኣከበ እቶም ሓላፊ ገሊጾም።

እቶም ትካላት ሃይማኖት ''ካባና ንላዕሊ ክትዕቅብዎም ኣይትኽእሉን'' ካብ ዝብላ ሓሳብ ክኾን ከምዝኽእል ኣይተ ሽመልስ ይገልጹ።

ኮይኑ ግና ቅዳሕ እቶም ሰነዳት ኣብቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ይርከብ እዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል

ኣብ 15 ክፍለ ዘበን ዝተጻሕፈ መጽሓፈ ሄኖክ፣ ንጉስ ሚኒሊክ ን ኒኮላስ ቄሳር ዝጸሓፍዎ ደብዳበን ሓዊሱ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ሳይንስን ባህልን (ዩኔስኮ) ዘመዝገበቶም 12 ቅርሲታት ስነ-ጽሑፍ ንጎብነይቲ (ንሃወፅቲ) ክፉታት እዮም።

ኣብ ቀጻሊ ድማ ክታብ ኣልፋራይድ፣ ክታብ ኣልሙስጣፊ፣ መጽሓፈ ድጓን ባህረ ሓሳብን ኣብ መዝገብ ሓድግታት ክሰፍሩ ሕቶ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብ ከይዲ ምእካብ መረዳእታታት ኣብ ዘበነ ደርጊ፡ ክፍተት ከምዝነበረ ኣይተ ሽመልስ ይዛረቡ።

ኣብ ወመዘክር ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ቴክኒክን ስልጠናን ክፍሊ ዝሰርሑ ኣይተ ተስፋዬ ካሱ ብወገኖም ''እቲ ትውልዲ ኣንባቢን ጸሓፍን እኳ እንተነበረ ብምኽንያት ናይ ፖለቲካ ቕዋም ክንእክቦም ዘይንኽእል መረዳእታታት ስለዝነበሩ፡ ነቲ ትሕዝቶ ጎዲእዎ እዩ'' ይብሉ። ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኣብ ሃፍቲታት ስነ-ጽሑፍ ዝተኻየደ ጉሕለት፡ ዓብዪ ሓጓፍ ከምዝፈጠረ የረድኡ።

ጥንታዊ ጽሑፋት ኢትዮጵያ ኣብ ጣልያን፣ እንግሊዝን ካልኦት ሃገራትን ይርከቡ እዮም።

'' ቤተ-መጻሕፍቲ ፈረንሳይ ካብ ክፍልታቱ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ጥንታዊ ጽሑፋት እዩ። ካብ ቤተ-መንግስቲ፣ ካብ ትምህርትን ስነ-ጥበብን ሚኒስተርን ቤተ-መጻሕፍቲ ማሕበር 'ኮከብ ኣጥቢያ'ን መጻሕፍትን ሰነዳትን ብጣልያናውያን ተዘሪፎም እዮም'' ይብሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ውሽጢ ዓዲ ክወጹ ዝነበሩ 100 መጻሕፍቲ ብራና፡ ኣብ ጉምሩክ ተታሒዞም ናብ ወመዘክር ክኣትዉ ከምዝተገበረ ኣይተ ሽመልስ ይዛረቡ።

ሕጽረት ሰብ ሞያን ካልኦት ጸገማትን

ኣብ ቤተ- መጻሕፍትን መዛግብትን ትኹረት ገይሩ፡ ስልጠና ዝህብ ትካል ዘይምህላዉ ኣብቲ ዓውዲ ሓጓፍ ከምዝፈጠረ ኣይተ ሽመልስን ኣይተ ተስፋዬን ይዛረቡ።

እቲ ኤጀንሲ እቲ ሓጓፍ ንምምላእ ናይ ቤተ-መጻሕፍትን መዛግብትን ስልጠና ይህብ እዩ።

ከምቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ክበዝሑ ዘለዎም፡ ሰብ ሙያ 'ውን ክበዝሑ ኣለዎም ይብሉ ኣይተ ተስፋዬ።

ብተወሳኺ እቲ ኤጀንሲ ዓርሱ ክኢሉ፡ ብሚኒስተር ደረጃ ክጣየስ ከምዘለዎን ተጸዋዕነቱ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር እንተዝኸውን ከምዝሓይሽን ይሕብሩ።

እቲ ትውልዲ ናይ ስነ-ህዋ፣ ቅመማ መድሓኒትን ካልኦት ሃገር በቆል ፍልጠት ዝሓዙ ሰነዳትን ክጥቀመሎም ኣይተ ሽመልስ ይምዕዱ።

ጥንታዊ ናይ ብራና መጻሕፍቲ ንምምርማር ድማ ናይ ዓረብኛን ግእዝን ቋንቋታት፡ ትምህርቲ ምሃብ ከምዝጀመሩ የረድኡ።

እቲ ኤጀንሲ ከባቢ 20 ሽሕ ዝኾኑ ሰነዳት ዘለዉዎ እንትኾን፡ ካብዚኦም እቶም 2537 ዝኾኑ ዲጂታላይዝ ተገይሮም እዮም።

ካብቶም ዲጂታላይዝ ዝተገበሩ 1137 ማኑስክሪፕትን 256 መዛግብትን ይርከቡዎም።

ብማይክሮፊልም ዝተሰነዱ ኣስታት 11 ሽሕ መረዳእታታት 'ውን፡ ኣካል ወመዘክር እዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ