ኣብ ትግራይ ተረኺቡ ብዛዕባ ዝተብሃለ ነዳዲ ክትፈልጥዎም ዝግበአኩም ሓቅታት

መስርሕ ምውጻእ ነዳዲ ኣብ ካሊፎርኒያ Image copyright David McNew
ናይ ምስሊ መግለጺ መስርሕ ምውጻእ ነዳዲ ኣብ ካሊፎርኒያ

ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ንዝርከብ ሓደ ፋብሪካ ዓለባ መሪቑ ክኸፍት ዝተረኸበ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ንእግረመገዱ ኣብ ትግራይ "ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ" ነዳዲ ከም ዘሎ ብመጽናዕቲ ከም ዝተረጋገጸ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ዶክተር ደብረጽዮን፡ እዚ ዓይነት ነዳዲ 'ኣኻውሕ ብምምካኽ ዝርከብ እዩ' ኢሉ። ነዚ ድማ እዩ "ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ" ክብል ገሊጽዎ።

እቲ በዓል መዚ፡ ነቲ ዝተረኽበ ነዳዲ ናብ ጥቕሚ ንምውዓል ገዚፍ ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ከም ዝሓትት ካብ ምግላጽ ወጻኢ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

እቲ ነዳዲ እንታይ እዩ?

እቲ ኣብ ትግራይ ከም ዝተረኸበ ዝተገለጸ ዓይነት ነዳዲ፡ ኦይል ሼል (oil shale) ዝበሃል እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ብመልክዕ ፈሳሲ ዝርከብ ዓይነት ድፍድፍ ነዳዲ ዝተፈለየ እዩ።

እቲ ኣብ ትግራይ ከም ዘሎ ዝተዘረበሉ ዓይነት ነዳዲ፡ ካብ ኣካውሕ ብብዙሕ ከይዲ ሓሊፉ ዝወጽእ ዓይነት ነዳዲ እዩ።

ነቲ ኣካውሕ ሰባቢርካን ኣምኪኽካን፡ ነዳዲ ፈሊኻ ንምውጻእ ልዑል ወጻኢ ከም ዝሓትት'ውን ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ 'ኦይል ሼል' ብዙሕ ድዩ?

መንግስቲ ትግራይ፡ መጠን እቲ ዝተረኸበ 'ኦይል ሼል' ክንደይ ዝኣክል ከም ዝኾነ ኣይገለጸን። እንተኾነ፤ ኣብዚ መዳይ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ዝገበሩ ምሁራን 3.89 ቢልዮን ቶን ሃፍቲ 'ኦይል ሼል' ከም ዝህሉ ይግምቱ።

ነዚ መጽናዕቲ ካብ ዘካየዱ ምሁራን ሓደ፡ ዶክተር ዮውሃንስ ይሕደጎ እዩ። እቲ ምሁር፡ ዝዓሞቐ ናይ ኣዋጻኣይነት መጽናዕቲ ኣብ መጻኢ ክካየድ ከሎ እዚ መጠን ክዛይድ ከም ዝኽእል'ውን እዩ ዝኣምን።

ዶክተር ዮሃንስ ይሕደጎን መሳርሕቱን ዝገበርዎ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ፤ ነዚ ሃብቲ ነዳዲ ዝሓዙ ኣካውሕ ብፍላይ ኣብ ብዘት፣ ዕዳጋ ዓርቢ፣ ነበለትን ኣጽብን ብላዕሊ ተቓሊዖም ይረኣዩ።

Image copyright DEA / W. BUSS
ናይ ምስሊ መግለጺ ከባቢ ዓዲግራት

እንተኾነ፤ ኣብ ካልኦት ቦታታት'ውን ክህሉ ከም ዝኽእል እዩ ዝግለጽ።

እዚ ነዳዲ ኣብ ትግራይ ምህላዉ፡ ሚኒስትሪ መዓድን ኢትዮጵያ ይፈልጥ ዶ?

ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ተረኺቡ ዝተብሃለ ሃብቲ ነዳዲ፡ ንሚኒስትሪ መዓድን፣ ፔትሮልየምን ጋዝን ሓቲትና። ኣብቲ ሚኒስትሪ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ዝኾኑ ዶክተር ቀጸላ ታደሰ፤ ኣብ ትግራይ 'ኦይል ሼል' ከም ዘሎ ዝፍለጥ ምዃኑ ገሊጾም።

እንተኾነ፤ እቲ ኣብ ትግራይ ተረኺቡ ዝበሃል ዘሎ ሃብቲ ነዳዲ "ጭቡጥን ዘተኣማምንን ክኸውን ዝኽእል ብውጽኢት ኳዕትን ቤተ ፈተነን ምስ ተረጋገጸ ጥራይ እዩ" ኢሎም።

"ተጋኒኑ እንተዘይቐርብ ምሐሸ፤ ጭቡጥ ነገር ክህሉ እንከሎ እቲ ሚኒስትሪ መግለጺ ክህብ እዩ፤ ውቅዒት ልቢ ህዝቢ ንምውሳኽ ፈተነ እንተዘይግበር እዩ ዝሓይሽ" ኢሎም እቶም በዓል ሞያ።

ነዚ ነዳዲ ከውጽእ ዝፈተነ ትካል ኣሎ ዶ?

ካብ ኣካውሕ ነዳዲ ምውጻእ ልዑል ወጻኢ እዩ ዝሓትት።

ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል'ውን፡ እዚ ነዳዲ ኣብ ትግራይ ምህላዉ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፤ ዓቕሚ ዘለዎም ዓለምለኻዊ ኩባንያታት ነዚ ሃብቲ ከውጽኡ ጻዕሪ ከም ዝግበር እዩ ተዛሪቡ።

እንተኾነ፤ ሚኒስትሪ መዓድን፣ ፔትሮልየምን ጋዝን ኢትዮጵያ ከም ዝበሎ፤ ዛጊድ ኣብ ትግራይ 'ኦይል ሼል' ንምውጻእ መጽናዕቲ ዝገበረ ኮነ ድልየት ዘርኣየ ትካል የለን።

ትግራይ ካልእ ሃብቲ ነዳዲኸ ኣለዋ ዶ?

ከባቢ መቐለ፡ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዕቑር ሃብቲ ነዳዲ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተነጸሩ 6 ከባብታት ሓደ እዩ። እዚ ዕቁር ሃብቲ ከም ዘሎ ካብ ዝፍለጥ፡ ልዕሊ ዒስራ ዓመታት ከም ዝሓለፎ ይግለጽ።

ኩባንያታት ኣብ ከባብታት መቐለ ኣለሻ ነዳዲ ከካይዱ፤ ሚኒስትሪ መዓድን፣ ፔትሮልየምን ጋዝን ነቲ ኸባብን ዘለዎ ዕቑር ሃብትን ከላልይ ከም ዝጸንሐ ድማ ዶክተር ቀጸላ ይዛረቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰብዓ ዓመታት ኣለሻ ነዳዲ ክግበር ከም ዝጸንሐን፡ ዛጊድ ኣድማዒ ውጽኢት ዝተረኸቦ ግን እቲ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ዝርከብ ከባቢታት ኦጋዴን ከም ዝኾነ ዶክተር ቀጸላ ይገልጹ።

ተወሳኺ ዛንታ