ሱዳን፡ ኣብ ካርቱም ሓያሎ ሰልፈኛታት ተቐቲሎም

ዝቖሰሉ ሱዳናውያን Image copyright Reuters

ኣብ ከተማ ካርቱም ብዝተፈጥረ ግጭት ብውሕዱ 5 ካብ ሰልፈኛታትን ሓደ ኣባል ሓይልታት ጸጥታን ሞይቶም።

እቶም ግዳያት ኣብ ፊት ወታሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ኮፍ ኢሎም ስልጣን ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ክሰጋገር ኣብ ዝጠልብሉ ዝነበሩ እዋን ብዝተወለዐ ተዂሱ'ዮም ተቐቲሎም። ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ካልኦት'ውን ቆሲሎም ኣለዉ።

ሰልፈኛታት፡ ወታሃደራት ከም ዝተኮሱሎም እኳ እንተ ኸሰሱ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ግና፡ ብ"መንነቶም ዘይተፈልጠ ባእታት" ዝተፈጸመ'ዩ ክብል ገሊጹ።

ሱዳን፡ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ኣትሒዙ ብመሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ'ያ ትመሓደር ዘላ።

እንታይ ከም ዘጋጠመ'ኳ ዛጊት ብንጹር እንተ ዘይተፈልጠ፡ ሓደ ዕጡቕ ዒላማ ከም ዝገበሮም ገለ ካብ ሰልፈኛታት ተዛሪቦም።

"ናባይ ገጹ ተኲሱ፡ እንተ በዝሐ 20 ሜትሩ ካባይ'ዩ ርሒቑ ነይሩ" ክብል ራዒድ ሙባረክ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

Image copyright Getty Images

"ምስ ራኣየኒ ክትኩሰለይ ደልዩ። ኮነ ኢሉ'ዩ። ናብ እግረይ ከማን ኣይተኮሰን፡ ናብ ኣፍልበይ'ዩ ተኲሱ፡ ኣብዚ ጸጋማይ ወገን፡ ንልበይ ክሃርም'ዩ ሃቂኑ። ክቐትለኒ'ዩ ዓሊሙ"

እቶም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ ሱዳናውያን፡ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ቅድሚ ምውራዱ ሓሙሽተ መዓልታት ቀዲሞም፡ ካብ 6 ሚያዝያ ጀሚሮም'ዮም ኣብ ፊት ቀንዲ ወታሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዘሎ ቀጽሪ ብምእካብ ተቓውሞታቶም የስምዑ ዘለዉ።