ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዓጽዩ

ፌስቡክ Image copyright Getty Images

ኣብ መላእ ኤርትራ ኣገልግሎት ማሕበራዊ መራኸቢታት ተቋሪጹ ምህላው ምጭታት ካብ ውሽጢ ዓዲ ገሊጾም።

እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመላክቶ፡ ሰባት ዝኾነ መልእኽቲ ብማሕበራዊ ሚድያታት፡ ፌስቡክን መሰንጀርን ሓበሬታ ከመሓላልፉ ከም ዘይክእሉ ሓቢሮም።

ነዚ ንምስጋር ድማ ኣብዚ እዋን ብቪፒኤን (VPN) ይጥቀሙ ከም ዘለው ገሊጾም።

ምኽንያት እቲ ምዕጻው፡ እንታይ ከም ዝኾነ ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።

እንተኾነ ግና መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ንምብዓል ምሽብሻባት ኣብ ዝካየደሉ እዋን ብምዃኑ፡ ምስ ጸጥታ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጹ ወገናት ከህልው እንከለው፤ ጸቕጢ ናይቲ ኣብ ወጸኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣንጻር መንግስቲ ዘካይድዎ ዘለው ብማሕበራዊ ሚድያታት ዝተሰነየ ጎስጓስ ዝፈጠሮ ምዃኑ ዘግምቱ'ውን ኣለው።

ብመሰረት ዓለማዊ ስታትስቲክስ ዝርግሐ ኢንተርነት፡ ኣብ 2018 ኣብ ኤርትራ 71,000 ተጠቀመቲ እንተርነት ኣለው፤ እዚ 1.3% ሚእታዊት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

Image copyright Getty Images

ኤርትራ ካብተን ኣብ ዓለምና እቲ ዝተሓተ ዝርገሐ ኢንተርነት ዘለዋ ኮይና፡ እቲ ዝርግሐ 1.2% ጥራይ ከም ዝሽፍን ይግለጽ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎት ኢንተርነት ሞባይል ቴሌፎን (ዳታ) የለን።

ኣብ ኣህጒር ኣፍሪቃ ጽቡቕ ዝርግሐ ትሕተ-ቕርጺ ኢንተርነት ዘለወን ሃገራት ውሑዳት ኮይነን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ 54% ሞሮኮ 58.38% ግብጺ 39.9% ከምኡ'ውን ንኣሽቱ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞሪሸስን ስሽልስን 54% ይጥቀሳ።

ካብ ኣፍሪቃ እተን ዝተሓተ ዝርግሐ ኢንተርነት ዘለውን ሰለስተ ሃገራት፡ ብሩንዲ (14%) ቶጎ (13%) ኤርትራ ከኣ (1.3%) እየን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት