ኢትዮጵያ፡ ቀላይ ኣብጃታ ኣብ ዝመጽእ 5 ዓመት ክነጽፍ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ

ቀላይ ኣብጃታ Image copyright TALY ZION BARISHANSKY

ቀላይ ኣብጃታ ኣብ ዝቕጽል 5 ዓመታት ክነጽፍ ከም ዝኽእል ብወግዒ ዝተገልጸሉ ኣብዚ ቀረባ እዋን'ዩ። እቲ ስፍሓቱ 194 ኪሎ ሜትር ዝበጽሕ ዝነበረ ቀላይ ሎሚ ናብ 73 ኪሜ ወሪዱ ይርከብ። ዕምቆቱ ድማ ካብ 14 ክሳብ 2.5 ሜትሮ ከም ዘንቆልቆለ ተፈሊጡ።

እቲ ቀላይ ፈጺሙ ክጠፍእ ዝተቓረበ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ሰብ ዝሰርሖም ረቛሒታት ምዃኑ፡ ናይ ቀላይ ኣብጃታ ሻላ ሃገራዊ ፓርክ ሓላፊ ዝኾነ ኣቶ ባንኪ ሙደሞ ተዛሪቡ።

ሓደ ካብቶም ናብቲ ቀላይ ዝፈሱ ወሓይዝ ቡልቡላ ይበሃል። እዚ ተፋሰስ እዚ ንባዕሉ ሰብ ብዘስዓቦ ጽልዋ ምሉእ ብምሉእ ደሪቑ'ዩ።

"ኣብ ከባቢ ዝዋይ ዝርከቡ ሓደ ሓደ ትካላት ዝጥቀምሉ ማይ ካብቲ ሩባ'ዩ ዝመጽእ። ሶዳ ኣሽ ዝተባህለ ትካል ካብ ኣብጃታ ማይ ብቱቦ ብምስሓብ ንስራሕ እቲ ፋብሪካ የውዕሎ። ኣስታት 30 ሚልዮን ሜትሮ-ኲብ ማይ ኣብ ዓመት ይጥቀሙ" ይብል ኣቶ ባንኪ።

ኣብ ርእሲኡ ኣብ ዙርያ እቲ ቀላይ ዝርከብ ዱር ማህሚኑ'ዩ። ምብሕጓግ መሬት ነቲ ቀላይ ብድበት ከም ዝምላእ ጌርዎ'ዩ። ብሰነኪ እቲ ድበት ድማ ሰብን እንስሳን ክንቀሳቐሱ ኣይከኣሉን።

ኣብ ውሽጢ'ቲ ፓርክ (ሕዛእቲ) ኣስታት 60 ሽሕ ሰባት ከም ዝነብሩን፡ ናታቶም ምንቅስቓስ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ምድራቕ ናይቲ ቀላይ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ እቲ ሓላፊ የረድእ።

ደረት ዘይብሉ ናይ ከብቲ ጉስነትን፡ ምብዳም ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዱርን፡ ንድሕነት እቲ ፓርክ ይኹን ዋላ እቲ ቀላይ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ'ሎ።

"እቲ ቀላይ ቀላይ ክትብሎ ዝኸብድ'ዩ" ክብል ነቲ ኣብጃታ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ይገልጾ።

Image copyright EDUARD PROLS

ብዘይካ'ዚ እቲ ቀላይ እናጎደለ ምዃዱ፡ ቑጽሪ ናይተን ኣብኡ ዝነብራ ኣዕዋፍ'ውን ክምህምን ምኽንያት ኮይኑ'ዩ። ተፋሰስ ቡልቡላ ዝጥቀም ኣካል ካብ ተግባሩ ተቖጢቡ፡ እቲ ሩባ ብቐጥታ ናብቲ ቀላይ ክፈስስ እንተ ዘይጀሚሩ፡ ኣብጃታ ተስፋ ኣለዎ ኢልካ ምዝራብ ዘጸግም'ዩ።

ኩነታት ቀላይ ኣብጃታ ከም መርኣዪ ይጠቐስ እምብር፡ ዝበዝሑ ቀላያት ኢትዮጵያ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ኣጓኒፍዎም ይርከብ። ከም በዓል ቀላይ ሃሮማያ ፈጺሞም ዝጠፍኡ ናይ ማይ ሃብቲታት'ውን ኣለዉ።

እታ "ኣደ ሃብቲ ማይ" ተባሂላ እትውደስ ኢትዮጵያ፡ ቀላያታ ክትዕቅብ ተሳኢንዋ ከም ዘሎ ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰብ ሞያ ብተደጋጋሚ ክዛረቡ ይስምዑ።

እዚን እትን ቀላይ ክጥፍእ'ዩ፡ ክንዲዚ ዓመት ተሪፍዎ ዝብል ዘረበታት ምስማዕ'ውን ልሙድ ኮይኑ'ሎ።

ቀላይ ትብሎም ዘየድፍሩ "ቀላያት"

ቀላይ ኣብጃታ ሻላ ሃገራዊ ፓርክ ካብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራት ዝፈለሱ መጻእተኛታት ኣዕዋፍ ዝርከብሉ'ዩ ነይሩ። በጻሕቲ'ውን ካብ ዘዘውትርዎም ፓርክታት ሓደ ኮይኑ፡ ከም ፍላሚንጎ ዝተባህላ ኣዕዋፍ ሓዊስካ ናይ ዝተፈላለዩ እንስሳታት መሕደሪ'ዩ።

ናይ ኣብጃታ ምጥፋእ ኲኖ ኣብ ብዙሕነት ሂወት ዘሕድሮ ሃስያ፡ ዋሕዚ በጻሕቲ ብምጉዳል ቁጠባዊ ሳዕቤን ኣለዎ።

ህላወ ናይ ኩሎም ቀላያት ኢትዮጵያ ስለምንታይ ኣብ ስግኣት ወዲቑ? ክንብል ንዳይረክተር ኢንስቲትዩት ብዙሕነት ሂወት፡ ዱርን መጋሃጫ መሬትን፡ ብዙሕነት ኣትክልቲን፡ ዶ/ር ዴቢሳ ለሜሳ ሓቲትናዮ ኔርና።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ከም ኣብጃታ፡ ጨለለቃ፡ ዝዋይ ዝበሉ ቀላያት ኣብ ሓደጋ ዝወደቑሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ዙርያኦም ሕርሻ ስለዝካየድ'ዩ። ሕርሻ፡ ከም ናይትሮጅን፡ ፎስፈረስ ዝበሉ ማዕድናት ይወስድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ድበት'ውን ይፈጥር'ዩ።

ቀላያትን ካልኦት ናይ ማይ ኣካላትን ክጠፍኡ እንከለዉ፡ ህላወ ዓሳ፡ ዝተፈላለዩ ኣእዋምን ኣዕዋፍን ድማ ምስኦም ሓቢሩ ይምህምን።

"ማያዊ ኣካላት ኣብ ግምት ዘየእተወ ኢንቨስትመንት ሓደ ናይቲ ጸገም መበገሲ'ዮም። ኣብ ስምጥ ሸለቆ ውሽጢ ዘለዉ ከም በዓል ኣብጃታ ዝበሉ ቀላያት በዚ ተሃሰይቲ እየም። ኣብ ከባቢ ኣብጃታ ሻላ ናይ ሶዳ ኣሽን ናይ ዕንባባ ፋብሪካታት ኣለዉ" ይብል ዶ/ር ዴቢሳ።

ጎሓፍ ናይቶም ፋብሪካታት ብዝግባእ ስለ ዘይተኣልየ፡ ናብቶም ማያዊ ኣካላት ዝስደድ ኬሚካል ተደሚሩ ኣብቶም ኣካላት ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ።

ደ/ር ዴቢሳ ለሜሳ፡ ከም ኣብነት ዝጠቕሶ ኣብ ከባቢ ቀላይ ጨለለቃ ናይ ጃልባ መዘናግዒ ነይሩ። ሕጂ ግን፡ ሕርሻ ብምስፍሕፍሑ እቲ ሃብቲ ማይ እናጠፍአ ብምኻዱ ናብቲ ከባቢ ክትዘናጋዕ ምኻድ ዘይሕሰብ'ዩ።

"ኣብ ተፈጥሮ ከስዕብዎ ዝኽእሉ ጸቕጥታት ግቡእ መጽናዕቲ ከይተገበረ ዝስርሑ ጽርግያታትን ድልድላትን ኣብ ልዕሊ እንስሳታትን ኣእዋምን ልዑል ጸቕጢ የሕድሩ'ዮም" ይብል እቲ ዳይረክተር።

እንታይ ጸቕጢ ፈጢሩ?

ምጥፋእ ናይ ማይ ኣካላት ተፈጥሮኣዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊን ቁጠባዊን ጸቕጢ የስዕብ'ዩ። ናይ ቀላያትን ካልኦት ናይ ማይ ኣካላትን ምጥፋእ፡ ኣከባቢ ንክልወጥ ካብ ዝገብሩ ምኽንያት ሓደ'ዩ።

እቲ ዝሰፍሐ ክፋል ዓለም ማይ ብምዃኑ፡ ሓደ ናይ ማይ ኣካል ክጠፍእ እንከሎ ንእንስሳታትን ኣእዋምን ጥራይ ዘይኮነ ንህላወ ሰብ'ውን ሓደ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ሕጂ እና ሓወየ ምዃኑ ዝንገረሉ ሃሮሚያ ኣብ ዝጠፍኣሉ እዋን፡ ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ናይቲ ከባቢ፡ ምጥፋእ ናይቲ ቀላይ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ዘስዓቦ ጸቕጢ ገሊጾምልና ነይሮም።

በድሪ ዮሱፍ ዝተባህለ ነባሪ፡ ዓሳ ክገፉን ኣሕምልትን ፍሬታትን ከፍርዩ ከም ዝተሸገሩ ነጊሩና ነይሩ። ብምኽንያት ሕጽረት ማይ ከብቶም ከም ዝሰኣኑን ነቲ ከባቢ ክዕዘቡ ካብ ጂቡቲ ዝመጹ ዝነበሩ ዋሕዚ በጻሕቲ ምቁራጹን ሓቢሮሙና።

ኣብቲ ከባባኢ ዝፈሪ ሃረር ቢራን ዩኒቭርሲቲ ሃሮሚያን ካብቲ ቀላይ ስለዝጥቀሙ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ቀላይ ሳዕቤን ከም ዝነበሮ እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም ነይሮም።

እኹል ክንክንን ሓለዋን እንተ ዘይተጌሩሉ ክጠፍእ ተቓሪቡ'ዩ ዝተብለሉ ቀላይ ኣብጃታ'ውን እንተኾነ ተመሳሳሊ ስግኣት ኣለዎ። እዚ ድማ ተፈጥርኡ መሰረት ጌሩ ዝመጽእ ቁጠባዊ ጥቕሚ ምስኣኑ'ዩ።

ብዘካይካ'ዚ ማያዊ ኣካላት ናይ ሕብረተሰብ ከም እሬቻን ጨንበላላን ዝበሉ ባህላዊ ስርዓታት ዝፍጸሙሎም ብምዃኖም ዶ/ር ዴቢሳ ይጠቅስ።

ጉዳይ ቀላያት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ'ውን መዘራረቢ ኮይኖም ኣለዉ።

እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ዶ/ር ዴቢሳ ከም ዝብሎ፡ ቀላያት ዝርከብዎም ኩሎም ናይ ማይ ኣካላት ዝዕቀብሉ ንጹር መምርሒ የድሊ።

"ሕጂ ከም ፓሊሲ ዘሎ፡ [ኣብ ትሕቲ] ከም መስኖ፡ ጸዓት፡ ሕርሻን ልምዓት ዱርን ዝበሉ ትካላት'ዩ ዝመሓደር። ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ማይ ምክፍፋል ዝቆጻጸር ሕጊ የድሊ" ኢሉ። ዕቃበ ሃብቲ ማይ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ትካላት ተሸራሪፉ ዝካየድ ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ትካል ብፍሉጥ ምምርሒ ዝሰርሕ ክኸውን ኣለዎ እዩ ዝብል።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ሃብቲ ማይ ዘተኮረ ፓሊሲ ተነዲፉ፡ ክጸድቕ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።

ኣብ ሓደ ከባቢ ናይ መሰረተ ልምዓት ምዝርጋሕ ስራሕ ክካየድ እንከሎ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ክናበቡ ከም ዝግብኦም ይዛረብ። ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክምንጩ እንከሎ ማይ ዝጠፍእ እንተ ኾይኑ፡ ጽርግያ ክስራሕ እንከሎ ገረብ ዝቑረጽ እንተኾይኑ፡ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ እናዛየደ'ዩ ዝኸይድ።

ብርእቶ ዶ/ር ዴቢሳ፡ እቶም ቀላያት ካብቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ሓደጋ ክናገፉ ዝኽእሉ፡ ብሃገር ደረጃ ፓሊሲ ተቐሪጹ፡ ትካላት ንሓድሕዱም ክናበቡ ምስ ዝኽእሉ'ዩ።

ኣቶ ባንኪ ብወገኑ፡ እቲ ሕብረተሰብ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ብዝግባእ ክከናኸን ኣለዎ ይብል።

እቲ ንሱ ዘመሓድሮ ናይ ኣብጃታ ሻላ ፓርክ፡ ኣብ ጥቕኡ ዘሎ ማሕበረሰብ ነቲ ዱር ከየባድሞን ከየጓስየሉን፡ ከምኡ'ውን መንእሰያት ነቲ ከባቢ ከልምዕዎን ዝተጀመረ ምንቅስቓሳት ፍረ እንተ ዘይሂቦም፡ ኣብጃታ ካልኣይ ዘይክንርእዮ ንኽእል ኢና።