ቅድሚ ሰላሳ ዓመት፡ መንግስቱ ዝተሳፈረላ ነፋሪት ንምንታይ ዘይተሓምሸሸት?

Image copyright Bettmann

ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ከምዛ ሎሚ፤ ሰሉስ መዓልቲ፡ ወርሒ ደሚቓ ትርኣይ ነበረት። ሌ/ኮ ካሳዬ ታደሰ ነዛ መዓልቲ ኣይርሰዓን እዩ። ከመይ ኢሉኸ ክርሰዓ፡ ናይ ሞትን ሕውየትን ፍጻመ ዘተኣናገደት ለይቲ። ሽዑ፡ ናይ መበል 102 ሓይሊ ኣየር ኢታማዦር ሹም ነይሩ።

30 ዓመት ብዙሕ እዩ። እቲ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 8 ግንቦት (16 ግንቦት) ዘጋጠመ ፍጻመ ግን ሎሚ እውን ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ።

ኣዛዚ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝነበረ ጄነራል መርእድ ንጉሴ፡ ምናልባት 'ባንዲራ ኢትዮጵያ ኣብ ርእሱ ዓሚሙ' ጥይት ዝሰተየላ መዓልቲ።

ኣብ ጉዳይ ጄነራል መርእድ ንጉሴ፡ ነንርእሱ ዝጋጮ ዛንታታት እዩ ዝዝንቶ። ባንዲራ ተዓሚሙ ነይሩ ካብ ዝብል ዘይተሰነደ ዛንታ ጀሚርካ ክሳብ ኩነታት ኣማውትኡ፤ ክሳብ እዛ ሎሚ መዓልቲ፤ ን 30 ዓመታት ዘይተፈትሐ ሚስጢር እዩ።

ንሻምበል እዮብ ኣባተ ኣብዚ ክነምጸኦ። ሽዑ ኣባል ወታሃደራዊ ስለያ ዝነበረ እዩ። ብድሕሪኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ መጽናዕቲ ኣካይዱ እዩ። ብዛዕባ ኣማውታ ጀኔራል መርእድ፡ ካብቲ ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦ ውጽእ ዝበለ፡ ዝተፈለየ ዛንታ ዝጸሓፈ እዩ።

ጀነራል መርእድ ነብሰ ቅትለት ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን፡ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ቦታ ዝበጽሐ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ዝነገረኒ ብምባል ንቢቢሲ እንተዘንቱ፤ እቲ ጀኔራል ዋላኳ ንነብሱ ክቐትል ጥይት እንተተኮሰ፡ ህይወቱ ግን ቀልጢፋ ኣይሓለፈትን።

ኣሽሓት ወተሃደራት ዝእዝዝ ጀኔራል፡ ሞት ግና ክትእዘዞ ኣይከኣለትን።

ኣምቡላንስ ተጸዊዓ መጺኣ፡ ግን ከኣ ናብ ሆስፒታል ዘይኮነስ ናብ ቤተ መንግስቲ እያ ወሲዳቶ። ኣብ ውሽጢ እታ ኣምቡላንስ ኮይኑ ክሳብ ንጉሆ ይሰሓግ ነበረ። እንተነኣሰ ንሽድሽተ ሰዓታት፡ ወተሃደራት እናሓለውዎ ተሳሒጉ።

Image copyright ASTEWAY MERID
ናይ ምስሊ መግለጺ ብ/ጄኔራል መርዕድ ንጉሴ ኣመሓዳሪ ኤርትራ እናሃለወ

እቲ ኩነታት ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ናይ ጭካነ ተግባር እዩ ዝመስል። ኣብ ልዕሊኡ ከኣ ኣብቲ ዘመን ሰባት ከመይ ብፍርሓት ተሸሚሞም ከምዝነበሩ ዘርእይ እዩ። ቀንዲ ኣዋሃሃዲ ዕልዋ መንግስቲ ንዝነበረ ጀኔራል "ሕክምና እንዶ ንውሰዶ" ኢሉ ብሕጭ ዝብል መን እዩ?

'መን እዩ ተጣባቒ ናይዞም ጠላማት ገይሩካ?' እንተተብሃልኩኸ ይብል እቲ ምስክር ዓይኒ።

"ኣብ ስራሕ ኣምሺና ናብታ ኣምቡላንስ ሰዓት 10 (04) ናይ ለይቲ ምስተመለስና ድምጺ ገዓር ናይቲ ጄነራል ካብቲ ናይ መጀመርያ ቁሩብ ነክዩ ነይሩ"

ስቅያት ናይዚ ጀኔራል ሪኢኻ፤ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ጀነራል ኣምሃ ዕድለኛ ነይሩ እዩ ዘብለካ። ኣማውታ እውን ዕድል እንተልዩዎስያ። ጀኔራል ኣምሃ ሽጉጡ ኣብ መኪና ረሲዑ እዩ ናብ ኣኼባ ኣትዩ ነይሩ። ሽጉጡ ከውጽእ ሃሰውሰው ኢሉ። ናብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ምስኣተወ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ደው ዝበለ ክላሽ ረኺቡ። ሽዓ ንሽዓ ንሓዋሩ ደቂሱ።

ኣብታ ጄነራል መርዕድ ትንፋሱ ከይወጸ ዝግዕረላ ዝነበረት መኪና ውሽጢ፡ ሬሳ ናይ ጀነራል ኣምሃ'ውን ኣብኡ ነይሩ። እዚ፡ ናይ ሻምበል እዮብ እሙን ምስክር ብዓይኑ ዝረኣዮ እዩ።

ቢቢሲ፡ ሻምበል! እዚ ኣማውታ ጀነራል መርእድ ግን ክሳብ ሎሚ ካብ ዝሰማዕናዮ ዝተፈለየ እዩ። ነቲ ዝነገረካ ወታሃደር ትኣምኖ ዲኻ?

ሻምበል እዮብ፡ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ሓለዋ ዝነበረ ሰብ እዩ። ኣብታ ምሸት ንሳ ዝረኣያ ክሳብ ሎሚ እያ እተባህርሮ። ታሪኽ ተዛቢዑ ክዝንቶ ከሎ ስለዝሰምዐ፡ ሓሪቑ እዩ ንዓይ ረኺቡኒ። "ነቲ ሓቂ ኣዐሪኻ ጸሓፎ፤ ኣነ ኣብኡ ዝነበርኩ ወተሃደር እየ" ኢሉኒ። ኣብታ ምሸት ንሳ ኣብኡ ከምዝነበረ ካብ ካልኦት ሰባት ኣረጋጊጸ እየ።

ግንቦት 8፡ መዓልቲ ሞትን ሕውየትን

ኣባል ሓይሊ ኣየር ዝነበረ ጀነራል ኣበራ ኣበበ፡ ንሓለቕኡ ንሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ሃይለጊዮርጊስ ብሽጉጥ ቀቲሉ፡ ናይ ዘብዐኛ ዓለባ ገፊፉ ድሕሪ ምኽዳን፡ ክዳን መለዮኡ ደርብዩ፡ ፊልም ብዝመስል ኩነት ሓጹር ሚኒስትሪ ምክልኻል ዘሊሉ ዝሃደመላ መዓልቲ እያ።

Image copyright Generalochu
ናይ ምስሊ መግለጺ ጀነራል ኣበራ ኣበበ

እዚ ዛንታ እውን እንተኾነ፡ ዘጠራጥር እዩ። ንምንታይ ሃዲሙ? ንምንታይ ነቲ ሚኒስተር ቀቲልዎ? ዕልዋ መንግስቲ ዝኣክል ነገር እናመርሐ እናሃለወ፡ ንሓደ ሚኒስተር ስለዝቐተለ ጥራይ ብኸመይ ከም ተራ ቀታሊ ነብሲ ክሃድም ክኢሉ? 30 ዓመት መልሲ ዘይረኸቡ ሕቶታት እዮም።

ግንቦት 8፡ መዓልቲ ሞትን ሕውየትን

ጀነራል ፋንታ በላይ፡ ዝብላዕ ዝቑርጠም ኣብ ዘይብሉ ኮንቴይነር ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ዝተሓብአላ ለይቲ። ጀነራል ፋንታ ብዘለዎ ትምህርትን ብቕዓት ኣመራርሓን፡ ንርእሰ ብሄርነት ተሓርዩ ኣሎ።

Image copyright DEREJE DEMISE
ናይ ምስሊ መግለጺ ጄኔራል ፋንታ በላይ

ምናልባት እቲ ዕልዋ ተዓዊቱ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ንኢትዮጵያ ክመርሓ ዝነበረ "ፕረዚደንት" ፋንታ በላይ እዩ ክኸውን ነይሩ።

ድሕሪ እዚ ተግባር ናይ ጀነራል ፋንታ፡ ከምዚ ተባሂሉ ተገጠመ።

ፔፕሲ ኮካኮላ፡ ካብ ከተማ ጠፊኡ

ፋንታ ተረኺቡ፡ ኣብ ኮንተይነር መሊኡ

ግንቦት 8፡ ብጭቡጥ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

መንግስቱ ሃይለማርያም ንምብራቕ ጀርመን ክበጽሕ ንበዓልቲ ቤቱ ውባንቺን ንጓሉ ትዕግስትን ሒዙ ክበርር ኣብ ቦሌ ተረኸበ። ኣብ ረፋድ።

መንግስቱ ንቁሕ እዩ። ኮነ ኢሉ ቆጸራ የዛብዕ። ንጸላኢ ከታልል ወይ ቀዲሙ ይመጽእ፡ ወይ ከኣ ይድንጉይ።

ኣብታ መዓልቲ'ውን ከምኣ እዩ ገይሩ። ንሚኒስተር ድሕነት ብንጉሆኡ ከምዝሳፈር እዩ ገሊጽሉ። ሚኒስተራቱ ድማ ሓቂ መሲልዎም ገስጊሶም ከዱ። ንሱ ግን ኣርፊዱ መጺኡ።

Image copyright Amin Mohamed

መብዛሕቲኦም ሚኒስተራት ክሳብ እታ ሰዓት ንሳ ተሃዊኾም እዮም ጸኒሖም። ቅልጥፍ ኢሎም ክምለሱ ይደልዩ። ህጹጽ ስራሕ እዩ ዝጽበዮም ዘሎ። ንመንግስቱ 'ናብ መንግስተ ሰማይ' ሰኒኻ፡ ሓድሽ መንግስቲ ናይ ምቛም ሓያል ዕዮ።

እዞም ጀነራላት ኲናት ኣረብሪብዎም እዩ። ብትእዛዝ መንግስቱ ንኣሸሓት ደቂ ድኻ ናብ ሓዊ ምእታዉ ደኺምዎም። ኣብ ኣፍዓበት፣ ብወፍሪ ቀይሕ ኮኸብ፣ ብወፍሪ ባሕረ ነጋሽ ኣሸሓት መናእሰይ ከም ቆጽሊ ረጊፎም እዮም። 'ንኲናት ከም ስራሕ ዝሓዘ መንግስቲ፡ ብኸመይ ህዝቢ ክመርሕ ይክእል?' እናበሉ ሕሹኽሹኽ ይብሉ ነበሩ።

መንግስቱ ነዛ ሕሹኽሹኽታ እንተደኣ ሰሚዕዋ ኣይምሕሮምን። መዓርጎም ንመቐስ፤ ግንባሮም ከኣ ኣደዳ ጥይት እዩ ክገብሮ፤ ቅድሚ ሕዚ'ውን ዝገበሮ እንድዩ። ታሪኽ ብርጋዲየር ጀነራል ታሪኩ አይኔ ዝፈልጥ፡ ንመንግስቱ ኣይዳፈርን።

መንግስቱ ከይሰምዐ ግን፡ እቶም ጀኔራላት ከምዚ እናበሉ የዕጎምጉሙ ነይሮም።

'ቁጠባ እታ ሃገር ተደቝሱ፣ ህዝቢ ጠምዩ'ሎ፣ ወተሃደር ደረቕ ብሽኩቲ እናበልዐ እዩ ዝዋጋእ ዘሎ። እቲ ወተሃደር ደቁን በዓልቲ ቤቱን ክርእይ እኳ ኣይፍቀደሉን። እቲ ኣብ ሰሜን ዘሎ ጸገም እውን እንተኾነ ብፖለቲካ እምበር ብኣፈሙዝ ድዩ ዝፍታሕ?" እናበሉ የዕጎምጉሙ።

መንጉስቱ ግን 'ኩሉ ነገር ናብ ግንባር' እናበለ ነቲ ኲናት ደፍኣሉ። ኣብ ልዕሊኡ ከኣ፡ ካብ ንኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ንካድራቱ ይኣምን።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ግንቦት 1983 ኣብ ትግራይ፤ መንግስቱ ሃይለማርያም ናብ ዙምባብዌ ድሕሪ ምህዳሙ፡ ኣብ ቀይሕ መስቀል ንወተሃደራት ደርግ መግቢ እትሰርሕ ሰበይቲ።

"እዚ ሰብኣይ ዘይሰምዓና እንተድኣኾይኑ፡ ንምንታይ ዘይንኣልዮ?" በሉ እቶም ጄነራላት፤ ሰብ ከይሰምዖም።

ዕልዋ መንግስቲ ንምክያድ ሃይሃይታ ኮይኑ። ነዚ ድማ እዩ፤ 8 ግንቦት ንመንግስቱ ከፋንውዎ ዘለዎም።

ምስ ሻዕቢያ ናብ ልዝብ ክእቶ ኣለዎ። ምድላው ናይዚ ልዝብ፡ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ድሮ ኣብ ደገ ጀሚርዎ ኣሎ። ነዚ ድማ እዮም እቶም ጀነራላት፡ ንመንግስቱ ናብ ምብራቕ ጀርመን ከፋንውዎ … ማለት ንሓዋሩ ከፋንውዎ ተሃንጥዮም ዝጽበዩ ዘለዉ።

ቅድሚ 30 ዓመት ከምዛ ሎሚ፤ ረፋድ

ንመራሒኻ ምፍናው ንቡር እዩሞ፡ ጀነራላት የማነ ጸጋም ተኣኪቦም ንመንግስቱ "ጓድ ሊቀመንበር ብሰላም (ኣ)ይምለስካ" ክብሉ ዓጀብዎ።

መንግስቲ ነታ ብልጭ ኢላ ህልም እትብል ፍሽኽትኡ እናርኣየ ተሰናበቶም።

Image copyright Getty Images

እቲ ዝገርም ከኣ … ኣብቲ መሰነይታ ጀኔራል መርእድ ንጉሴ ኣይተረኸበን። ግዜ ስኢኑ ክበሃል ይከኣል ይኸውን። ምኽንያቱ ዘበን ኲናት እዩ… ኩሉ እዩ ዝህወኽ።

ሓላፊ ድሕነት ኮ/ል ተስፋዮ ወልደስላሴ ግን ከይጠርጠረ ኣይተርፍን።

"መርእድ እንታይ ኮይኑ ተሪፉ?"

ጀነራል መርእድ፡ ኣብታ ሰዓት ንሳ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ምክልኻል፤ ፊት ሆቴል ኢትዮጵያ፤ ኣብ ጥቃ ኣምባሳደር ሲኒማ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኮይኑ፡ ድርሰት ዕልዋ መንግስቲ ይጽሕፍ ነበረ።

መንግስቱ ዘሳፈረት ነፋሪት ንምንታይ ዘይተባረዐት?

መንግስቱ ዝተሳፈረላ ነፋሪት ኣብ ሰማይ እናሃለወት ክትውቃዕ፡ ተወዲኡ ዝሓደረ ምኽሪ እዩ። ነዚ ዝወሰኑ ድማ ዳርጋ ኩሎም ኣዘዝቲ ሰራዊት እዮም። ንመንግስቱ ኣፋንዮምዎ ክምለሱ እንከለዉ ግን፡ ሃንደበት ልቦም ራህሪሁ።

"…ንምንታይ ግን ነታ ነፋሪት ነባርዓ?"

"ከመይ ማለት?"

"…ንዕኡ ክንቀትል ኢልና ናይ 70 ንጹሃን ሰባት ህይወት ካብ እነጥፍእ…"

"ኣይፋል! ኣብዚ ጉዳይ ንድሕሪት ክንምለስ የብልናን። ተሰማማሚዕና ዝወዳእናዮ ነገር እንድዩ?"

"ተሰማሚዕና ክንከውን ንኽእል እንዲና፤ ግንሲ ውባንቺኸ? ጓላ ኸ? እቶም ኣብረርቲኸ? ኣይ ወገናትና እንድዮም ግዲ። እንታይ ኣቢሶም እዮም ብሰንኪ እዚ ሰብኣይ እዚ ዝጠፍኡ?" እዚ ሓሳብ ምናልባት ካብ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ጀነራል ኣመሃ ዝመጸ ከይኮነ ኣይተርፍን።

"…ብናይ ውግእ ነፋሪት ኣገዲድና ኣብ ኣስመራ ክትዓርፍ ንግበራ" ዝብል ሓሳብ መጺኡ።

Image copyright Francoise De Mulder
ናይ ምስሊ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒስታዊ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ኣስመራ

እቶም ጀነራላት ክረዳድኡ ኣይከኣሉን።

ጀነራላት ኣብ ቅጽሪ ሚኒስትሪ ምክልኻል፤ ኣብ ቀዳማይ ደብሪ ኮይኖም እናተጨቓጨቑ እንከለዉ፡ ንመንግስቱ ሃይለማርያም ዘሳፈረት ነፋሪት፤ ኣብ ሰማይ እንከላ ከይተባርዐት ኣብ ኣስመራ ክትዓልብ እውን ከይተገደደት ካብ ናይ ኢትዮጵያ ግዝኣት ኣየር ርሓቐት።

ኣብ ደብረዘይት ኮይነን፡ ነታ መንግስቱ ዝተሳፈረላ ነፋሪት ክወቕዓ ይጽበያ ዝነበራ ነፈርቲ ውግእ እውን ሞተረን ኣጥፈኣ።

ኣብ ኣስመራ ግን 'መንግስቱ ተቐቲሉ እዩ'

ኣብ ኣስመራ ናይ ዝርከብ ግዙፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገባርን ሓዳግን፡ ጀነራል ደምሴ ቡልቶ እዩ። ናይቲ ዕልዋ ቀንዲ መበገሲ'ውን ንሱ ከይኮነ ኣይተርፍን።

ንምክትሉ ጸዊዑ፡ ኩሉ ነገራት መልክዕ ከምዝሓዘ ኣረጋጊጹ። ንጀነራል ቁምላቸው ጸዊዑ፡ ኣብ ኣርባዕተ ኣንቶኖቭ ነፈርቲ፡ 433 ፍሉይ ኮማንዶ ሒዙ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክብገስ ኣዚዙዎ።

Image copyright DEREJE DEMSIE
ናይ ምስሊ መግለጺ ጄኔራል ደምሴ ቡልቶ

ጀነራል ቁምላቸው ድማ፡ ነቶም ኢትዮጵያ እትምከሓሎም ኣባላት ሓይሊ ኣየር "ተበገስ" በሉዎም።

ኣብ ውሽጢ እታ ኣንቶኖቭ ነፋሪት፡ ጀነሬል ቁምላቸው ተሲኡ። መጉልሒ ድምጺ ሓጋዚኡ ኣቐቢልዎ። ሓደ ወረቐት ካብ ጅቡኡ ኣውጺኡ ከንብብ ጀመረ።

"መንግስቱ ተቐቲሉ ኣሎ። ኲናት ኣብቂዑ እዩ። እንኳዕ ደስ በለኩም!"

ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ዝነበረ ሰራዊት ኩሉ ብሓጎስ ኣጣቐዐ። ኣብታ ነፋሪት ዝነበረን፡ ሕዚ'ውን ብህይወት ዘሎን ሌ/ኮ/ል ካሳዮ ታደሰ ንቢቢሲ ከምዝተዛረቦ … "መንግስቱ ተቐቲሉ ክበሃል ከሎ፡ መጀመርያ ሰምቢደ። ካብኡ ኩሉ ምስኣጣቐዐ ግን ኣነ'ውን ከጣቕዕ ጀሚረ" ይብል።

ኣብ ሰማይ እዚ ክኸውን ከሎ፤ ኣብ ኣስመራ ድማ መንግስቱ ከምዝተቐተለ ብሬድዮ ተነገረ።

ድሕሪ ሓደ ሰዓት፡ ጀነራል ቁምላቸው ንኮማንዶታቱ ሒዙ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ናይዚ ፍሉይ ኮማንዶ ልእኽቶ፡ ሬድዮ ጣብያ ክቆጻጸር፣ ኣብ ምኒስትሪ ምክልኻል ንዘለዉ ፈጸምቲ ዕልዋ ሓለዋ ምግባር እዩ።

እቲ ዝገርም፡ ናይ ኣስመራ ሬድዮ መንግስቱ ከምዝተቐተለ ዝኣወጀት ብንጎሆኡ እዩ። ስለዝኾነ፡ ጀነራል ቁምላቸው ክሳብ መወዳእታ መንግስቱ ከምዝሞተ እዩ ዝፈልጥ።

ካብ ጦላይ ዝመጸ ሰራዊት

ካብቲ ብጀነራል ቁምላቸው እናተመርሐ ካብ ኣስመራ ንኣዲስ አበባ ዝኣተወ ሰራዊት ብተወሳኺ፡ ካብ ጦላይ እውን ሓደ ሻለቃ ተበጊሱ እዩ።

እዚ ሰራዊት፡ ሰሜን ኮርያውያን ንናይ ከተማ ውግእ ዘሰልጠንዎ ፍሉይ ኮምንዶ እዩ። እዚ ሰራዊት "ስፓርታ" እናተብሃለ ዝጽዋዕ እዩ።

ኣዛዚ ናይዚ ሰራዊት ጀነራል ውበቱ፡ ዋላ'ኳ ግልጺ መምርሒ እንተዘይተቐበለ 150 ዝኾኑ ወተሃደራቱ ብሄሊኮፕተር ናብ ኣዲስ ኣበባ ሰዲድዎም። ኣብ ከባቢ ፖስታ ቤት ኮይኖም ትእዛዝ ክጽበዩ ተገይሮም።

ኣብ ከባቢ ኣምባሳደር፡ ጥቓ ኢትዮጵያ ሆቴል፡ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ምክልኻል

ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ምክልኻል ቀዳማይ ደብሪ፡ መአከቢ ኣዳራሽ ኣሎ።

ኣብዚ ኣዳራሽ፡ 18 ዕልዋ መንግስቲ ዝፍጽሙ ሰባት ሽርሒ ይፈትሉ ኣለዉ። ቁጽሮም ይውስኽ ይቕንስ። ኣብታ ሃገር ዝተረፈ ጀነራል የለን።

ናይ ምስሊ መግለጺ ህንጻ ሚኒስትሪ ምክልኻል

ንጀነራል መርእድ ሓዊሱ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሪር ኣድሚራል ተስፋዮ ብርሃኑ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ጀኔራል ኣምሃ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ጀነራል ሃይሉ፣ ኣዛዚ ሰራዊት ፖሊስ ጀነራል ወርቁ … ኩሎም ኣለዉ።

እቶም ውሩያት እኒ በዓል ጀነራል ፋንታ በላይ፣ ጄኔራል ኣበራ ኣበበን ጀ/ል ደምሴ ቡልቶን እውን ኣለዉ። እማን እዩ፡ ጀ/ል ደምሴ ቡልቶ ብኣካል ምስኦም የለን። ብመንፈስ ግን ምስኦም ኣሎ። ኣብ ኣስመራ ነቲ ዝዓበየ ዕዮ ገዛ ወዲኡ እዩ።

ሰራዊት ኣስመራ፡ ሕዚ'ውን ብመሰረት እቲ ትልሚ፡ መንግስቱ ዝተሳፈረላ ነፋሪት ከምዝተወቕዐት እዩ ዝፈልጥ።

እዞም 18 ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ንዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝእዝዙ እዮም። ኩሎም፡ ብምፍጻም እቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ስምምዕነት በጺሖም እዮም። ግን ከኣ፡ ሕዚ'ውን ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ኣኼባ እዮም ዘለዉ።

ብዙሕ ህድኣት ዘይረኣዮ ጀነራል ኣበራ ጥራይ እዩ። ኣብ እስራኤል እዩ ተማሂሩ። ቀደሙ'ውን እንተኾነ ይሃጽጽ እዩ እናተባህለ እዩ ዝሕመ። እንግድዕኡ ዝነገሮ ነገር ግዲ ሃልዩዎ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኣኼባ ውጽእ እናበለ ነቲ መካበብያ ይዕዘቦ። ኣብዚ ኩነታት እናሃለወ፡ ናይ ታንኪ ድምጺ ዝሰምዐ መሲልዎ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ፡ ኣብ ጥቓ እቲ መስቀሊ ባንዲራ ኮይኑ ኣብቲ ሚኒስትሪ ዝርከብ ሰብ ኩሉ ወጺኡ ክስለፍ ኣዘዘሞ መደረ ኣስመዐ። ናይ መንግስቱ ነገር ከምዘብቀዐ ድማ ኣብሰረ። ጣቕዒት … ዕውት ዕልዋ ከኣ ተባህለ።

ቅትለት ሚኒስተር ምክልኻል

ሚኒስተር ድሕነት ተስፋዮ ወልደስላሴ ገለ ሽርሒ ጨይንዎ ኣሎ። ኣብ ከባቢ ባምቢስ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ናብ ቤተመንግስቲ ገጹ ከደ። ንፍሉይ ኣማኻሪ መንግስቱ ሃይለማርያም ጸዊዑ ህጹጽ ኣኼባ ገይሩ። ኣብቲ ኣኼባ በዓል ፍቅረስላሴ ወግደረስ እውን ኣለዉ። እኳደኣስ ኣካቢ ፍቅረስላሴ ነበረ።

ተስፋዮ ወልደስላሴ "እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ? በዓል መርእድ እንታይ ሽርሒ እዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ?" በለ።

ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ሃብተጊዮርጊስ ተጸዊዑ፡ 'ኣብ ቤት ጽሕፈትካ እንታይ ይግበር ከመዘሎ ተፈልጥ ዶ?' ተሓተተ።

"ዋላ ሓንቲ ዝፈልጦ የብለይን"

እቲ ሚኒስተር ከይዱ ከጻርይ ሓሳብ ቀሪቡ። ብዝወጾ ክተርፍ እዩ ኢሉ ዝገመተ ኣይነበረን።

ናይ ምስሊ መግለጺ ሚኒስተር ድሕነት ተስፋዮ ወልደስላሴን ናይ መንግስቱ ሃይለማርያም ፍሉይ ኣማኻሪ ዝነበረ መንግስቱ ገመቹን

እቲ ሚኒስተር ኣንቆልቂሉ ናብ ከባቢ ኣምባሳደር ተዓዘረ። ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኣትዩ ወጺኡ።

ጄነራል ሃብተጊዮርጊስ ቀደሙ'ውን ምስ ጀነራል ኣበራ ኣይቃዶን። ጀነራል ኣበራ ቅልጡፍ እዩ፤ ሽጉጡ መዚዙ ናብቲ ሚኒስተር ኣድሪጉ ተኮሰሉ።

ጄነራል ሃብተጊዮርጊስ፡ ናብ ሆስፒታል ጦር ሃይሎች እኳ እንተተወሰደ፡ ኣይደሓነን።

ጀነራል ኣበራ ብኸመይ ኣምሊጡ? ንምንታይከ?

እዚ ኩሉ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካብ ኣስመራ ዝመጸ ጀነራል ቁምላቸው፡ ኣብ 'ጦር ሃይሎች' ኮይኑ ትእዛዝ እዩ ዝጽበ ዘሎ። ናብ ጀነራል ኣበራ ስልኪ ደዊሉ ኣይተልዓለን። እቲ ካብ ጦላይ ዝመጸ 'ስፓርታ' ሰራዊት ድማ ብዘይ ስራሕ ኣብ ከባቢ ፖስታ ቤት ኮፍ ኢሉ ኣሎ።

እዞም ክልቲኦም ሰራዊት፡ ትእዛዝ ዝቕበሉን ጸብጻብ ዘቕርቡን ንጀነራል ኣበራ እዩ።

ጀነራል ኣበራ ግን ትጽቢት ዘይተገበረ ነገር ፈጺሙ ኣብ ጸገም ኣትዩ'ሎ። ነቲ ሚኒስተር ምስቀተሎ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኣይተመለሰን። እዚ ፍሉይ ኮማንዶነት ዝሰልጠነ ጀነራል ብሓጹር ዘሊሉ ኣምሊጡ'ሎ።

ገለ ሰባት፡ ናብቲ ኣብ ጥቕኡ ዝርከብ 'ቡና ገበያ' ዝባሃል መካበብያ ዘሊሉ ምስኣተወ፡ ንዘብዐኛ ማሪኹ፡ ናይቲ ዘብዐኛ ክዳን ተኸዲኑ ኣምሊጡ ክብሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ኣይፋል ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብበሪ እዩ ወጺኡ ናይ ሓደ ሰራሕተኛ ክዳን ቀይሩ እዩ ወጺኡ ይብሉ።

ጀነራል ኣበራ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ምስተሰወረ፡ ነገራት ተመዛቢሎም።

Image copyright Francoise De Mulder

እቲ ካብ ኣስመራን ካብ ጦላይን ዝመጸ ሰራዊት ድማ ዝገብሮ ጠፊእዎ ንጀኔራል ኣበራ ይጽበይ ነይሩ። ንሱ ግን ቴሌፎን ኣይምልስን፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ'ውን የለን። ኣብቲ እዋን ከኣ፡ ሞባይል ዝበሃል ኣይነበረን…

እቶም ጀነራላት ንምንታይ ንነብሶም ኣጥፊኦም?

8 ግንቦት ኣስታት ሰዓት ሸሞንተ ዝጀመረ ዕልዋ መንግስቲ፡ ገለ ጥር ትብል ነገር ከይፈጸመ፡ መዓልቲ መስያ። ሓላፊ ድሕነት ተስፋዮ ወልደስላሴ፡ ምስ ሻምበል መንግስቱ ገመቹ ብምዃን ንሚኒስትሪ ምክልኻል ብታንክታትን ብረት ለበስ መካይንን ኣኽቢቦምዎ።

ቅድሚኡ ግን፡ ነቲ ጉዳይ ብሰላም ንፍተሓዮ ዝብል ሽምግልና ተላኢኹ ነይሩ።

ዘይሩ ዘይሩ ግን ሰዓት ከይዱ። ሚኒስትሪ ዜና ኣይተትሓዘ፣ ሬድዮ ጣብያ ኣይተትሓዘ፣ ቴሌ ኣይተቖጻጸርዎ … ሰዓት ከይዱ። ጀነራል ኣበራ ሰብ ቀቲሉ ምስተሰወረ፡ ንኹሉ ነገር ኣዛቢዕዎ።

የማናይ ኢድ መንግስቱ ሃይለማርያም ዝኾነ መንግስቱ ገመቹ፡ ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊቱ ካብ ኣራት ኪሎ ኣንቀሳቐሰ። ብሂልተን ሆቴል ወሪዱ ኣብ ኣምባሳደር ምስበጽሐ፡ ንሚኒስተር ምክልኻል ክበብዎ በሎም።

ኣብ ውሽጢ በዓል ጀነራል ፋንታ በላይ፡ ጀነራል ኣመሃን ጀነራል መርእድን … እንታይ ይገብሩ ከምዘለዉ ዝፈልጥ ምድራዊ ሓይሊ የለን። ኮይኑ ግን፡ ከምዝተኸበቡ ምስፈለጡ፡ እቲ ካብ ኣስመራ ክመጽእ እዩ ዝተብሃለ ሓይሊ'ውን ስለዘይበጽሓሎም ተስፋ ከይቆረጹ ኣይተርፉን።

ዝኾነ ኮይኑ፡ ጀነራል መርእድን ጀነራል ኣመሃን ክሳብ ሎሚ ንጹር ብዘይኮነ ኩነታት ንነብሶም ኣጥፊኦም።

ደሓርከ?

9 ግንቦት ምሸት፡ መንግስቱ ሃይለማርያም ካብ ምብራቕ ጀርመን ሽሉኽ ኢሉ ብሰላሕታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመለሰ።

ብጽባሒቱ፡ ጀነራል ደምሴ ቡልቶ ብወተሃደራቱ ተቐተለ፤ ምስኡ 18 ላዕለዎት መኮንናት'ውን ተቐቲሎም።

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ጀነራል ፋንታ በላይ ካብ ዝተሓብኣሉ ኮንተይኔር ወጺኡ። ንቁሩብ ወርሒ ምስተኣሰረ፡ ንሓላዊኡ ቀቲሉ ክወጽእ ክፍትን ተቐቲሉ ተብሃለ።

ንሚኒስተር ምክልኻል ቀቲሉ ዝሃደመ ጀነራል ኣበራ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ከባቢ ጉለሌ ኣብ ዝተሓብኣሉ እንዳ ዘመድ ተኸበበ። ብመስኮት ዘሊሉ ናብ ናሕሲ ብምድያብ ክሃድም እንትብል፡ ሓደ መንእሰይ ፖሊስ ብዝተኮሶ ጥይት ኣብ ግንባሩ ተወቒዑ ወደቐ።

እቲ ንጀኔራል ኣበራ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ዘመዱ፡ ክሳብ እዛ እለት እናተጥዓሰ ይነብር ኣሎ ዝብሉ ኣለዉ።

ድሕሪ ዝተወሰነ ኣዋርሕ፡ ነቲ ናይ ኣስመራ ሓይሊ ኣየር መሪሑ ዝመጸ ጀነራል ቁምላቸው፡ ኣምሊጡ ኣመሪካ ኣትዩ ተባሂሉ፤ ሰባት ሲኣይኤ ኣሽሊኹ ከምዘውጸኦ ጠርጢሮም።

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ 13 ግንቦት 1981 እቶም ኣብ ዕልዋ መንግስቲ ተሳቲፎም ዝተብሃሉ 12 ጀነራላት ሃንደበት ንውሳነ ተጸዊዖም። ዋና ዳይና ናይቲ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ፡ ካብ መንግስቱ ሃይለማርያም ከምዝተልኣኸት እትግመት ወረቐት ኣንቢቡ። እቶም 12 ሰባት፡ ሞት ተፈሪዶም።

Image copyright ALEXANDER JOE

እቶም ፍርደኛታት፡ ከምዚ እናበሉ ይዛረቡ ነበሩ።

"ቤተሰብና ከይረኣና ከይትቐትሉና"

"ውልቀ መላኺ ኣገዛዝኣ ዕድምኡ ሓጺር እዩ"

"ደቅና ሓደራ"

ድሕሪ ፈተነ እቲ ዕልዋ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት መንግስቱ ሃይለማርያም ንዝምባብዌ ሃዲሙ።

ድሕሪ'ዚ፤ ንሓደ ሰሙን መሪሕነት ካብ መንግስቱ ዝተቐበለ ጄ/ል ተስፋዮ ገብረኪዳን፡ መዓልቲ ሞቶም እናተጸበዩ ንዝነበሩን ኣብቲ ዕልዋ ተሳተፍቲ ንዝነበሩን ውሕዳት ክሱሳት ምሕረት ሃበ።