እግሮም ኣብ ማሽን ዝተቀርቀረ ሓረስታይ፡ ብሰንጢ ነብሶም ኣድሒኖም

An auger Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እዚ ዝተጠማዘዘ መንደሊ መሽን፡ እኽሊ ንምውፃእ ዝሕግዝ እዩ

ኣብ ኣሜሪካዊት ግዝኣት ነብራስካ ዝነብሩ ሓረስታይ፡ ኣብ መሽን ሕርሻ ብምፅዋዶም (ብምቅርቅዖም)፡ ንገዛእ እግሮም ብሰንጢ (ንእሽተይ ካራ) ቆሪፆም።

ወዲ 63 ዓመት ኩርት ካሰር፡ ኣብ ናይ እኽሊ ቦትኦም ብምኻድ ካብ ሓደ ቆፎ ናብ ካልእ ቆፎ ብመንደሊ (መሽን ሕርሻ) ኣብ ዝቕይርሉ እዋን፡ እግሮም ኣብቲ መሽን ተፃዊዱ።

ኣብ ዘይሓሰብዎ ናጤባ ኣትዮም፡ ካብቲ እግሮም ዝተቐርቅዑሉ መሽን ዘውፀኦም ዝሰኣኑ እዞም ሓረስታይ፡ ሒዞሞ ብዝነበሩ ሰንጢ 7.6 ሴንቲ ሜትር ዝኸውን ካብ ብርኮም ንታሕቲ ዝነበረ እግሮም፡ ባዕሎም ክቆርፁ ተገዲዶም።

እታ ኣብቲ መሽን ዝተቐርቀዐት እግሮም ድሕሪ ምቁራፆም ድማ ቀስ ኢሎም ብምንቅስቓስ፡ ንወዶም ንክበፅሐሎም ደወልሉ።

እዞም ሓረስታይ ብዝወፅእዎ ናብ መንበሪኦም እንከይተመለሱ፡ ንሰሙናት ኣብ ሆስፒታልን መፀገኒ ማእኸልን ፀኒሖም እዮም።

ሓረስታይ ኩርት ካሰር፡ ኣብ 607 ሄክታር ንብሕቶም እናሰርሑ እንከለዉ እዮም እዚ ሓደጋ ኣብ ዝሓለፈ 19 ሚያዝያ ዘጋጠመ።

"ካብ ዓንካር ዓንካሪቶይ ኣብቲ መሽን ምስተፃወደ፡ ዋላ ሓደ ክገብር ብዘይምኽኣለይ ሓሪቐ ነይረ፡ ነዚ እውን እዩ እቶም ሓኻይም ነቲ ኣጋጣሚ ሓደጋ ኢሎሞ" ክብሉ ተዛሪቦም።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
"ሓረስታይ ንኽትኮንስ ዲግሪ ክትመሃሪ?"

ተመሳሳሊ ዛዕባታት