ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ፡ ብሕጽረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ደው ኢሉ

ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ Image copyright MESSEBO
ናይ ምስሊ መግለጺ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ

ኣብ መቐለ ዝርከብ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ፡ ብሕጽረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፍርያት ኣቋሪጹ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰራሕተኛታት መሰቦ ከምዘረጋገጽዎ፡ እቲ ፋብሪካ ብምኽንያት ሕጽረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ን 12 መዓልታት ፍርያት ደው ኣቢሉ'ሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ሓያል ምቁርራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ የጋጥም ከምዘሎ ይግለጽ።

ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ሰሙን እውን እንተኾነ፡ ብምኽንያት ሕጽረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብቲ ከፍርዮ ዝኽእል ዓቕሚ ብፍርቂ ጥራይ እዩ ክሰርሕ ቀንዩ።

እቲ ፋብሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ካብቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘቕርብ መንግስታዊ ትካል፡ 1 ሜጋ ዋት ጥራይ ክጥቀም እዩ ተፈቒዱሉ ዘሎ።

እዚ ድማ ንመብራህቲ፣ ከም ኮምፒዩተራት ዝኣመሰሉ ናውቲ ቤት ጽሕፈት ንምንቅስቓስን ንቐለልቲ ነገራትን እንተዘይኮይኑ፤ ስሚንቶ ንምፍራይ ዘኽእል ኣይኮነን።

ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ፡ ብምሉእ ዓቕሙ ከፍርይ እንተደኣኾይኑ ካብ 38 ክሳብ 40 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ እዩ ዝጠልብ።

እቲ ፋብሪካ ብግዚያውነት ፍርያት ደው ከምዘበለ ምስተሰምዐ፡ ኣብ ዕዳጋ ስሚንቶ ዛጊድ ወሰኽ ክረኣይ ጀሚሩ ከምዘሎ ኣብ መቐለ ዘዘራረብናዮም ነጋዶ ገሊጾም።

ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ፡ ፍርያቱ ንነጋዶ ዝሸጠሉ ዋጋ ኣይወሰኸን።

ብኣንፃሩ ግን ምህርቲ ስለዘየለ ነጋዶ ዋጋ ወሲኾም ይሸይጥ ከምዘለዉን፡ ቅድሚ ሎሚ ንኹንታል 210 ቅርሺ ዝሽየጥ ዝነበረ ስሚንቶ ኣብዚ ሕዚ እዋን 275 በፂሑ ከምዘሎን ነጋዶ ይገልጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት