ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ንሳልሳይ ፓትርያሪክ ዝኹንን ጽሑፍ ዘርጊሑ

መንበረ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ Image copyright LisanTewahdo

ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ንሳልሳይ ፓትርያሪክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝኹንን ጽሑፍ ዘርጊሑ።

እዚ 'እዋናዊ መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ' ብዝብል ኣርእስቲ፡ 10 ግንቦት 2019 ዝተዘርገሐ ጽሑፍ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ 'ንመናፍቃን ባይታ ብምሃብ ተሓባባሪ" ነይሮም ክብል ይወቅስ።

"ካልእ ብዙሕ ምስ ማዕርጎምን ደረጀኦምን ዘይከይድ ተግባራት ዝፈጸሙ' ክብል ድማ ይገልጾም።

እቶም ፓትርያርክ ካብ ሓላፍነቶም ክወርዱ ዝተገበረ "መናፍቃዊ ናይ ተሃድሶ ስሑት ትምህርታትን ዝንቡዕ ኣታሓሳስባታትን ንምክልኻል" ምዃኑ እቲ መግለጺ ይዝርዝር።

ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ሓላፍነቶም ተኣልዮም፡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ካብ ዝኣትዉ ድሕሪ ኣስታት 13 ዓመት ንምኽንያት መእሰሪኦምን ዘለዉዎ ህሉው ኩነታትን ኣመልኪቶም ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምዝርግሖም ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ካብ ዝርከብ ተሓይሮሙሉ ዘለዉ መንበሪኦም ከም ዝተቐረጸ ዝተገለጸ ቪድዮ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ መጀመሪ ናይቲ ቁርቁስ ከብርሁ ከለዉ፡ "ልኡኽ መንግሰቲ" ንቤተክርስትያን ክመርሓ ከም ዝበለን ንሶም ድማ ቤተክርስያን ኣይድያቆን ኣይካህን፡ ጭዋ ኣይመርሓን ኢዩ ኢሎም ከም ዝተቓወሙን የረድኡ።

ነዚ ስዒቡ ድማ እዩ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ነዚ መግለጺ ኣብ መርበብ ሓበሬቱኡ ዝዘርገሐ።

እቲ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ዝተወሰደ ስጉምቲ ብመሰረት ቃል ኣዋዲ "መስርዑ ብምሕላው ብደረጃ ዝተወሰነ ጉዳይ ሃይማኖት ድኣ'ምበር፡ ብኻልእ ኣካል ዝመኻነየሉን ተራ ምምሕዳራዊን ውልቃውን ምስሕሓባት ከም ዘይኮነ" ይጠቅስ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ፓትርያርክ ምስ መናፍቃን ዝነበሮም ርክብ ተኣሚኖም ብጽሑፍ ይቕሬታ ሓቲቶም ነይሮም ይብል እቲ መግለጺ።

እንተኾነ፡ "ንህዝቢ ግን ዕላዊ መግልጺ ክህቡ ፍቃደኛ ኣይኮኑን" ኢሉ እቲ ሲኖዶስ።

እቲ መግለጺ፤ ቅዱስ ሲኖዶስ ነዚ ተግባሮም እዚ ርእዩ ኣዝዩ ብምጉሃይ ካብ ሕጂ ንንየው "እቲ ክኸውን ዝግበኦ ኩሉ ኪኸውን ከም ዘለዎ ኣሚንናሉ ኣለና" ይብል።

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ቤተ ክርስትያን ምስ መንግስቲ ዘለዎ ርክብ ኣመልኪቱ፡ መንግስትን ቤተ ክርትያንን ንሓድሕዶም ጣልቃ ከይተኣታተዉ ክነብሩሉ ዝኽእሉ 'ሴኩላራዊ' ፓሊሲ ዘማእከሎ ርክብ ከም ዘለዎም ይገልጽ።

እንተኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ውሽጣዊ ጉዳያት ቤተክርስትያን ጣልቃ ከም ዝኣትው ብተደጋጋሚ ክውቀስ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ከምኡ'ውን ናይ ሰሜን ኣመሪካን ማእከላይ ምብርቕን ኣውሮጳን ሃገረ ስብከት መንበር ጵጵስና ዋና ጸሓፊ ዝኾኑ፡ ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረምካኤል ዮሃንስ፡ ነዚ ዝወጸ ጽሑፍ ኣመልኪቶም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት፡ እዚ ዝወጸ ጽሑፍ ንቤተ ክርትያን ዘነውርን ናብ ዝኸፈኣ ምትፍናን ዘእቱ'ዩ ኢሎም።

ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረምካኤል ዮሃንስ ብምስዓብ እዚ ዝወጸ ጽሑፍ ሓሳብ መብዛሕትኦም ጳጰሳት ከም ዘይኮነን ብዝተፈጠረሎም ተጽዕኖ ዝኣተውዎን'ዮም ኢሎም።

ሲኖዶስ ቅዱስ ክብሃል ብፓትርያሪክ ክምራሕ ከም ዘለዎ ዝሓበሩ ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረምካኤል ዮሃንስ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ሲኖዶስ ብፓትርያሪክ ዘይምራሕን ዘይምእከልን ክሳብ ዝኾነ ቅዱስ ሲነዶስ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከም ዘይበቕዕ ብምሕባር፡ ዕርቒ ተፈጢሩ ሳልሳይ ፓትርያሪክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ናብ መንበሮም ክምለሱ ጻውዒቶም ኣቕሪቦም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት