ኣመሪካ፡ 'ንዝተማህሩን ሞያ ዘለዎምን ቀዳምነት ዝህብ ወጥን ሕጊ ኢሚግሬሽን

Image copyright EPA

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሓድሽ ውጥን ስርዓተ-ኢሚግሬሽን ከም ዝነደፈ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ንድፊ ሕጊ ነቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕጊ ዝትክእ ትጽቢት ዝግበረሉ'ዩ።

ንሱ፡ ዕላማ ናይቲ ውጥን "ዶብ ኣመሪካ 100% ዉሑስ ዝገብር'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ነቲ ሕላገት ተሪር ናይ ኢምግሬሽን ፓሊሱኡ ኮይኑ ዘሎ፡ ምሕጻር ደቡባዊ ዶባት ኣመሪካ ክፍጸም ዝገብር'ውን ኢሉ። ከም ድሌቱ እንድኣ ኮይኑ፡ ብምሉኡ እቲ ዶብ ብነዊሕ መንደቕ ክሕጸር'ዩ።

ብመሰረት ንድፊ ናይቲ ሕጊ፡ ናይ ዑቕባ ስርዓት ዝዕቅብ እኳ እንተኾነ፡ ገደብ ክግበረሉ ግን ዝእምም'ዩ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ውጥን 'ግሪን ካርድ' (ቀዋሚ ነባርነት) ናይ ምርካብ መሰላት'ውን ክድርት ምዃኑ ተዛሪቡ። ብፍላይ ብመስርሕ ዑቕባን፡ ምትእኽኻብ ስደራቤትን ዝርከብ ዝነበረ ግሪን ካርድ፡ ቅጥዕታት ክወጸሉ ዝገብር ክኸውን'ዩ።

ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ሓድሽ እማመ፡ ሞያን ክእለትን ንዘለዎም ስደተኛታት ቀዳምነት ዝህብ ክኸውን ምዃኑ ይጠቅስ። ብኣንጻሩ፡ ደረጃ ደሞዝ ኣመሪካውያን ሰራሕተኛታት ንምሕላዉ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብትሑ ደሞዝ ክሰርሑ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሰራሕተኛታት ክንኪ ዝገብር ከም ዝኸውን'ዩ ተነዲፉ ዘሎ።

ይኹን 'ምበር፡ እቲ ሓድሽ እማመ ኣብ ግብሪ ክውዕል እንተ ድኣ ኾይኑ፡ ብኮንግረስ (ላዕለዋይን ታሕተዋይን ባይቶታት ኣመሪካ) ተቐባልነት ረኺቡ ክጸድቕ ኣለዎ። ምስ ጸደቐ'ውን እንተኾነ፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከይዱ ክጸንዕ ወይ ክፈርስ ይኽእል'ዩ።

ዋላኳ እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ሪፓብሊካን ንሰነት ተቖጻጺሮሞ እንተለዉ፡ እቲ ደሞክራስያውያን ዝቆጻጸርዎ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ግን ክቕበልዎ'ዩ ዝብል ትጽቢት የለን። ፕረዚደንት ኦባማ ሓዊሱ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ፕረዚደንታት ንሕጊ ኢሚግሬሽን እታ ሃገር ከመሓይሽዎ'ኳ እንተ ፈተኑ፡ ካብ ኮንግረስ እኹል ደገፍ ብዘይምርካቦም ግን ክዕወቱ ኣይከኣሉን።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ስደተኛታት ኣብ ደቡባዊ ዶባት እታ ሃገር ዑቕባ ከይሓቱ ዝገብር መምርሒ ድሕሪ ምውጽዑ፡ ሓደ ኣብ ከተማ ሳንፍራሲስኮ ዝርከብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ኣዚዙ ምንባሩ ይዝከር።

ብመሰረት ናይ ኢሚግረሽን ሕጊ ኣመሪካ ግን፡ ካብ ሃገሮም ብሰንኪ ጎንጺ ከም ዝወጹ እንተድኣ ገሊጾም፡ ጉዳዮም ክረአ ሕጋዊ ግዴታ ኣሎ።

ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ከም ዝብሎ እቲ ናይ ዑቕባ ሕጊ ዘይግብኦም ሰባት ይጥቀሙሉ ኣለዉ ክብል ይኸስስ።

ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኢሚግሬሽን ተሪር መርገጺ ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ። "ኣመሪካ መሊኣ" ክብል'ውን ይስማዕ'ዩ።