ሓጺር ተዘክሮ ዕልዋ መንግስቲ፡ ብወዲ 74 ዓመት ኮለኔል ካሳዬ

መንግስቱ ኃይለማርያም ኣብ ሞስኮ Image copyright TASS
ናይ ምስሊ መግለጺ መንግስቱ ኃይለማርያም ኣብ ሞስኮ

ሽዑ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ መበል 102 ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኢታማዦር ሹም እየ ነይረ።

ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያውያን 8 ግንቦት (16 ግንቦት) ሃንደበት ኣብ ቤት ፅሕፈት ጀነራል ደምሴ ቡልቶ ትድለይ ኣለኻ ተባሂለ። መኪናይ ኣልዒለ ናብ ቤት ፅሕፈቱ ከይደ። ኣነ ኣብኡ ክበፅሕ ከለኹ፡ ብ/ጄ ካሳዮ ጨመዳ ኣብ ውሽጢ ነይሩ። ንሱ ምስ ወፀ ኣነ ኣትየ።

"እነሀኩ ጎይታይ!" በልኩዎ። "ኣዲስ ኣበባ ቁሩብ ፀገም ኣሎ፤ ክልተ ብርጌድ ሰራዊት ሒዝካ ኪድ እሞ ነቲ ኩነታት ኣህደኣዮ" ኢሉኒ። ጄ/ል ቁምላቸው ተወሳኺ ትእዛዝ ከምዝህበኒ ተነጊሩኒ።

ናብ ጄ/ል ቁምላቸው ምስከድኩ፡ "መፂእካ ዶ ካሳዮ፡ በል ስዓበኒ" ኢሉ መኪንኡ ኣልዒሉ። ብድሕሪት እናሰዓብኩዎ፡ ኣብ መደብር ሓይሊ ኣየር ኣስመራ በፂሕና።

ኣብ ቅድሜና ራሻውያን ንመንግስቱ ሃይለማርያም ብሽልማት ዝሃብዎ ነፋሪት ደው ኢላ ኣላ። በዛ ነፋሪት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክንከይድ ኢና ኢሉኒ።

"ጥራዘይን ክዳንን እኮ ኣይሓዝኩን" ምስበልኩዎ "በል በታ እትቕፅል ነፋሪት ሰዓበኒ" ኢሉኒ ኣተወ። እናተሃንፈፅኩ ናብ ገዛ ከይደ ክዳነይን ጥራዘይን ሒዘ ምስተመለስኩ፡ እታ ነፋሪት ከይተበገሰት ኣርኪበያ።

ኣብታ ነፋሪት ኣስታት 70 ዝኾኑ ሰባት ተሳፊሮም ኣለዉ። ኣባላት ሓይሊ ኣየር ድማ ብኣርባዕተ ኣንቶኖቭ ነፈርቲ ክስዕቡና እዮም። እታ ነፋሪት ብኣንፈት ባፅዕ ኣቢላ ናብ ቃሩራ ከደት።

ብድሕሪኡ ከኣ ተመሊሳ፡ መረብ ክንሰግር ከለና እዩ መስለኒ፡ ጄ/ል ቁምላቸው ብድድ ኢሉ ወረቐት ከንብብ ጀሚሩ። ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ዝበፅሖ ዘሎ ፀበባን ፀገምን ምስዘርዘረ … መወዳእትኡ ኣሰንቢዱና። ዘይርስዓ ነገር እታ ኣብ መወዳእታ ዝተዛረባ እያ።

"ኮለኔል መንግስቱ ተቐቲሉ ካብ ስልጣን ተኣልዩ'ሎ" በለ።

ኣዝየ ሰምቢደ፤ ካብ ኣስመራ ክብገስ ከለኹ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረኒን። ኣብታ ነፋሪት ዝነበርና ሰባት ብሓፈሻ 73 ንኸውን። ኩሉ ሰብ ከጣቕዕ ከሎ ኣነ ግን ሃኒነ ተሪፈ። ገሃን መሃን ኮይነ። ባህሪረ ከጣቕዕ ከለኹ ይዝክር።

Image copyright William Campbell
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣንጻር ኢምፔርያሊዝም ኣብ ኣዲስ ኣበባ 'ኣብዮት ኣደባባይ' ዝተገበረ ሰልፊ

ኣዲስ ኣበባ ዝቕበለና ኣይረኸብናን

ንሕና ሰዓት 11፡30 ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ በፂሕና ቴሌፎን እንተደወልና፡ ዘልዕል ሰብ የለን። ሬድዮ ርክብ ፈቲንና፡ ዝምልሰልና ኣይረኸብናን። ናብ ምክልኻል ደዊልና፡ ዘልዕል ሰብ የለን። ርክባት ኩሉ ተቛሪፁ።

ለካ ንሕና ቅድሚ ምብፃሕናስ፡ ኩሉ ነገር ተበላሽዩ እዩ።

ንምንታይ በለኒ … ኣስታት ሰዓት 9፡30 ጄ/ል ኣበራ ንሚኒስተር ምክልኻል ጄ/ል ሃይለጊዮርጊስ ቀቲሉ ኣምሊጡ ኣሎ። ንሕና እዚታት ኣይፈለጥናን። ንሕና እንፈልጥ፡ መንግስቱ ከምዝተቐተለ እዩ።

ነቲ ንሕና ሒዝናዮ ዝመፃእና ሰራዊት ዘማእኽሎ ሰብ ኣይነበረን። ንሕና ቅድሚ ምምፃእና፡ ፍሉይ ሓይሊ ሓለዋ፡ ድሮ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ብታንኪ ከቢብዎ ነይሩ።

ከምቲ ዝበልኩኻ ንሕና እዚታት ኣይፈለጥናን።

ደሓር እብለካ… እቲ ስዒቡና ዝመፀ ሰራዊት ሓይሊ ኣየር፡ ፍርቁ ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ሓለዋ ክገብር ጀሚሩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ኣብ ከባቢ ኣቃቂ ቃሊቲ ኣብ ዝርከብ ናቑጣ ፈተሻ ተመዲቡ ሰብ ኮነ ተሸከርካሪ ከይኣቱን ከይወፅእን ተገበረ።

ንሕና ዝተረፍና ድማ፡ ናብ መደብር ሓይሊ ምድሪ ከይድና። እቲ ካብ ጦላይ ዝመፀ 'ስፓርታ' ዝበሃል ሰራዊት ድማ ኣብኡ ተሓዊሱና።

8 ግንቦት ኣጋግዘ

እናፀልመተ ምስከደ ጨኒቑና። ጄ/ል ቁምላቸው ፀዊዑ "በቃ ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ንኺድ" ኢሉኒ። ዋላኳ ርክብና እንተተቛረፀ፡ ልኡኽቶና ነቶም ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝርከቡ መራሕቲ ናይቲ ዕልዋ ምሕላው ስለዝኾነ ኢና ናብኡ ዘንቀልና።

ሓደ ሻለቃ ሰራዊት ሒዝና ተፀጋዕናሞ፡ ነቶም ሰራዊት ኣብ ከባቢ 'ጎማ ቁጠባ' ገዲፍናዮም፡ ኩነታት ክነፀናፅን ናብ ምክልኻል ገፅና ተፀጋዕና።

ከምቲ ዝነገርኩኻ፡ መሽዩ እዩ ዘሎ። ወረ ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ እዩ…። ግን እታ ወርሒ ኣዝያ ድምቕቲ ነይራ። ሽዓ ምሸት፡ ከምዛ ቀትሪ ኩላ ነገር እያ ትረኣየካ ዝነበረት።

ኣነ ካብ ላዕሊ ካብ ከባቢ ጎማ ቁጠባ እናፀናፀንኩ እንትመፀልካ ብቕድመይ ታንኪ ናባይ እናመፀ ርኤዮ። ኣነ መትረየስ ኣብ ዘለዋ ጂፕ መኪና እየ ዘለኹ። ቀልጢፍካ ንየማን ዘይርካ ንድሕሪት ተመለስ ኢለዮ ነቲ ዘዋሪ።

እንደገና ብላዕሊ ገፅ ዘይርና ክንርኢ ክንብል፡ ካብ ኣንፈት ፒያሳ ካልእ ታንኪ ናባና እናዓለመ ክመፅእ ርኢናዮ። ምናልባት ገለ ነገር እንተተፈጢሩ ናባና ክትኩስ እዩ ዝዳሎ ዘሎ። በቃ ተመሊሰ ናብ ከባቢ ጎማ ቁጠባ ከይደ።

ንሕና ክሳብ እዛ ሰዓት ንሳ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል እንታይ ይግበር ከምዘሎ ኣይንፈልጥን። እቲ ዕልዋ ከምዝፈሸለ'ውን ኣይፈለጥናን። በዓል ጄ/ል መርእድ ብህይወት ዘለዉ እዩ መሲሉና ነይሩ። መንግስቱ ሃይለማርያም ከምዝተኣለየ ጥራይ ኢና ንፈልጥ።

ቢቢሲ፡ ዕጥቂ ነይርኩም ዶ?

ኣነን ቁምላቸውን ሒዝናዮ ዝመፃእና ሰራዊት ኣሞርካ ኣለዎ። ኣርባዕተ በዓል ኣፈሙዝ ኣሞርካ። ንሱ እውን እንተኾነ ሽዑ ምሸት ካብ ፍሉይ ሓይሊ ሓለዋ ዝማረኽናዮ እዩ።

ቢቢሲ፡ ይቕረታ ግን ኮ/ል፣ ኣሞርካ እንታይ እዩ?

ኣሞርካ ክልተ ኣፈ ሙዝ ዘለዎ ስርሓት ኮርያ ዝኾነን፡ ናይ ዙ 23 ጥይት ዝወስድን ከቢድ ዕጥቂ እዩ። ንዕኡ ሒዝና ኢና ናብ ጎማ ቁጠባ ከይድና።

ብድሕሪኡ፡ ምስ ጄ/ል ቁምላቸው ኮይንና ናብ ከባቢ 'ኣምስተኛ ፖሊስ ጣቢያ' ከይድና ቴሌፎን ምስረኸብና ክንድውል ጀሚርና። ዘልዕል ሰብ ኣይነበረን። ኣር-ፒ-ጂ የብልናን፤ ነቲ ታንኪ ብምንታይ ንውቀዓዮ?

በቃ ንጉሆ ተመሊስና ክነጥቅዕ ኢና ኢልና፡ ሽዑ ምሸት ናብ መደብር ሓይሊ ምድሪ ተመሊስና። ኣብኡ ምስበፃሕና፡ ጄ/ል ቁምላቸው መፃእኹ ኢሉኒ ከይዱ። ብድሕሪኡ ኣይተረኣኣናን።

Image copyright Mondadori Portfolio
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣዲስ ኣበባ ጥቓ ሃገራዊ ባንኪ፡ 1960ታት

"መንግሥቱ ኃይለማርያ ንብዓት መፂኡዎ"

ኣብ ቤተ መንግስቲ ኢና ተኣሲርና ነይርና። ኣብኡ ዓብዪ ኣዳራሽ ኣሎ፤ ናይ ንግስቲ ዘውዲቱ መመየሲ ዝነበረ እዩ። እቶም ኣብ ኣስመራ ኮይኖም ኣብቲ ዕልዋ ዝተሳተፉ እውን፡ ብዘስካሕክሕ መገዲ ኩሩንኩሪት ተኣሲሮም እንተእውዩ ይዝክር። 112 ሰባት ንኸውን ነይርና።

ተኣሲርና እናሃለና፡ መንግስቱ ክልተ ግዜ መፂኡ ርእዩና እዩ። መጀመርያ መዓልቲ፡ ኣብ ኣብዮት ኣደባባይ መደረ ዝገበረሉ መዓልቲ እዩ። 10 ግንቦት ድዩ 11 ዝነበረ ረሲዐዮ ኣለኹ። ኣብ ኣብዮት ኣደባባይ ምስ መደረ፡ ብቐጥታ ናባና መፂኡ። ንሕና ድማ፡ ሽዑ ፖሊስ ተመዲቡልና ቃልና ንህብ ነይርና።

ሽዑ መዓልቲ ስቕ ኢሉ ርእዩና ከይዱ።

ብድሕሪኡ ድማ 11 ሰነ 1981 ተመሊሱ መፂኡ። ሽዑ ኣብቲ ናይ ንግስቲ ዘውዲቱ ኣዳራሽ ተኣሲርና ዝነበርና 118 መኮንናት ንኸውን ነይርና።

እታ ኣዳራሽ ሓንቲ ኣፍደገ ጥራይ ነይራታ። ብርሃን ኣይኣትዎን። ዋላ ሓንቲ ነገር ክትርእይ ኣይትኽእልን ኢኻ።

እማን እዩ፤ ኣብ መዓልቲ ንሓንቲ ሰዓት ፀሓይ ንፅሎ ነይርና። 11 ሰነ፡ መንግስቱ ንኻልኣይ ግዜኡ ክመፅእ እንከሎ፡ ፀሓይ ንፅሎ ነይርና።

ተኣከቡ ተባሂልና። ፍርቁ ጋቢ ተኸዲኑ፡ ገሊኡ ርእሱ ተዓሚሙ እዩ ነይሩ።

ኣብታ መዓልቲ ንሳ ዘይርስዓ ነገር ክነግረካ… ምንግስቱ ግልፅ ግልፅ እናበለ ረኣየናሞ፤ ናብ ጄ/ል ዓብዱላሂ እናጠመተ "ዓብዱላሂ!" በለ።

ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጄ/ል ዓብዱላሂ "ኣብየት ጎይታይ" ኢሉ መለሰ።

"ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ሰራዊት ናይ 6 ወርሒ መሃያ ከምዘይተኸፈሎ ትፈልጥ እንዲኻ ግዲ?" ኢልዎ።

"እወ ይፈልጥ እየ" መሊሱ ዓብዱላሂ።

"ኣብ ልዕለይ ሽርሒ ክትፍፅም ኮነ ኢልካ ዝገበርካዮ እንድዩ? ኣይኮነን ድዩ?"

ካብኡ ድማ፡ ግልፅ ክብል ንጄ/ል ሰለሞን በጋሻው ረኣዮ። ጄ/ል ሰለሞን ኢታማዦር ሹም ሓይሊ ኣየር ዝነበረ እዩ።

"ሰለሞን! በዓል ንስኻ ብሄሊኮፕተር ክትዛወሩ ከለኹም ኣነ ኣብ ልዕሊ ነተጉቲ ብእግረይ ይዘውር ነይረ፤ ነዚ ትፈልጥዶ...?" በለ።

ጄ/ል ሰለሞን ሕቶ ክሓትት [መልሲ ክህብ] ኢዱ ዊጥ ኣበለ። ቅድሚ ምዝራቡ ግን መንግስቱ ሃይለማርያም ዓይኑ ንብዓት ክሰርብ ረኣኹዎ። ኣብ ቅድሚኡ እየ ነይረ።

ዓይኑ ቅፅርፅር ዝበሎ… ብህልኽ እዩ ዝመስለኒ። ንብዓት ክስዕሮ ምዃኑ ምስፈለጠ 360 ዲግሪ ግምጥል ኢሉ ተዓዘረ።

ምናልባት፡ አብ ቅድሜና እናነብዐ ክረአ ኣይደለየን።

ብድሕሪኡ፡ ንመንግስቱ ሪኢናዮ ኣይንፈልጥን።

Image copyright Francois LOCHON
ናይ ምስሊ መግለጺ መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ መደረ እንትገብር፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 1980 ዓ.ም

እቶም መዓልቲ ሞቶም ዝፅበዩ እሱራት እንታይ ይብሉ ነበሩ?

እቶም ምሳይ ዝተኣሰሩ ኩሎም ኣብቲ ፈተነ ዕልዋ ዝተሳተፉ እዮም። ካብ ጀነራል ክሳብ ሚሊሻ ኣብኡ ነይሮም። ደርግ ተኣልዩ ክበሃል ከሎ፡ ዕልል ኢልካ ንምድሪ ስዒምካ ተባሂሉ ዝተኣሰረ ሚሊሻ እውን ምሳና ነይሩ።

በዓል ጄ/ል ሃይሉ ገ/ሚካኤል (ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ)፣ ምክትሉ ሜ/ጄ/ል ኣለማየሁ ደስታ፣ ኣዛዚ ፖሊስ ዝነበረ ሜ/ጄ ወርቁ ዘውዴ፡ ካልኦት እውን፤ ካብቲ ናይ ኣስመራ ዘስካሕክሕ ቅትለት ዝደሓኑ ኩሎም ምሳና ነይሮም።

ጄ/ል ፋንታ በላይ ግን ድሕሪ ሳልስቲ መፂኡ፡ ከይፀንሐ ከኣ ናብ ማእከላዊ ከይዱ ተባሂሉ።

ኣብቲ ኣዳራሽ ሓያል ጣዕሳ ነይሩ። ንኣብነት ሰለሞን በጋሻውን ጄ/ል ተስፉን ብጣዕሚ ይጣዓሱ ነይሮም። ጀነራል ተስፉ ደስታ ኣብ ሓይሊ ኣየር ሓላፊ ወፍሪ ዘነበረ እዩ። ብርጋዴር ጄኔራል ሰለሞን በጋሻው ድማ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር እዩ ነይሩ።

ኣብ ጥቓይ እዮም ዝድቅሱ ነይሮም። እሰምዖም ነይረ። ንጉሆን ምሸትን ''ታይ በለ ክትብል ኢኻ። እዚ ሰብኣይ ኣይምሕረናን፤ ክቐትለና እዩ'' ይብሉኒ ነይሮም። ከምቲ ዝፈርሕዎ ድማ ኣይተረፈን።

ክልቲኦም ዘናስሖም ነገር እንታይ ነይሩ ይመስለካ? ሽዑ መንግስቱ ሃይለማርያም [ናብ ምብራቕ ጀርመን] ጉዕዞ እንትገብር፡ እታ ዝጓዓዘላ ነፋሪት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ በጽሐት ክትውቃዕ እዩ ምድላው ተገይሩ ነይሩ። ንሱ ዘይምፍጻሙ [ ዘናሰሖም ይመስለኒ]።

ቢቢሲ፡ ሐዚ ኣብ 74 ዓመትካ ኾይንካ ክትሓስቦ ከለኻ፡ እቲ ዕልዋ ሰሚሩ እንተዝኾን ዝብል ጣዕሳ ይስመዐካ ዶ ኮሎኔል?

ከምኡ ኢለ ኣይሓስብን። እቲ ኩነታት ክሪኦ ከለኹ፡ መንግስቱ ኣጥፊኡ ኢለ ዝፈርደሉ ነገር የብለይን። ሕማቕ ኣይገበረን፤ ንኢትዮጵያ ጽቡቕ ስራሕ እዩ ሰሪሑ። ዋላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተለና ኣብ ቅድሚኦም ከምኡ ኢለ እየ ዝከራኸር ነይረ፤ ናይ ደርጊ ደጋፊ 'ውን ስለዝነበርኩ። መንግስቱ እንታይ ኣቢሱ?

ዋላ እታ ሃገር ኣብ ኲናት ትኹን፣ ኲናት ይብዛሕ፡ ንሱ 'ውን ሓድነት ኢትዮጵያ ሒዙ እዩ ተላዒሉ። እታ ሃገር ከይትሸራረፍ እዩ ተቓሊሱ። ናትና ናይ መኮንናት ጥፍኣት እዩ ናብዚ ኣብጺሑና። ኣብ መብዛሕትኡ ኲናት ክንሰዓር ዝኸኣልና 'ውን ብናይ ኣመራርሓ ስሕተት እዩ። እቲ ጸገም ኣባና እምበር፡ ኣብ መንግስቱ ኣይነበረን።

Image copyright William Campbell
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣንጻር ኢምፔርያሊዝም ኣብ ኣዲስ ኣበባ 'ኣብዮት ኣደባባይ' ዝተገበረ ሰልፊ

ካብ ኣፍ ሞት ድሒነ

ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሃለና፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ እኒ ጀነራል ደምሴ ቡልቶ ዝተፈጸመ ነገር፡ ተኣሲሮም ካብ ዝመጹ መኮንናት ምስ ሰማዕና፡ ሓዚንና። ብከምዚ ዝበለ ኩነታት ምሟቶም ጌጋ እዩ። ብሕጊ ክቕጽዑ ነይሩዎም።

ኩልና በብጉጅለ፡ ናብቲ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዝተጣየሸ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ንቐርብ ኔርና።

ንሳቶም ሰነ 12/1982 ንውሳነ ተቖጺሮም።

11 ሰነ ብርጋዴር ጀነራል ተስፉ ደስታ (ሓላፊ ክፍሊ ምውፋር ሓይሊ ኣየር) ዝዛረቦ ዝነበረ ይዝከረኒ። ''ሎሚ ናይ መወዳእታ መዓልትና እያ። ኣይክንምለስን ኢና፤ ታይ በለ በለኒ'' ይብል ነይሩ።

ብሓደ ኢና ሓዲርና። ንሳቶም ናብ መጋባእያ ከይዶም። ክምለሱ እዮም ዝኾኑ ብዝብል ተጸቢና፤ ግና ኣይተመለሱን።

ንሞት ኮፍ ኢልካ ምጽባይ እንታይ ይመስል?

ንሳቶም ምስተቐትሉ ድሕሪ ዓመት፡ ግንቦት 23 ንውሳነ ተቖጺርና። ቅድሜና ግን፤ ግንቦት 15/1983 ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንውሳነ ዝቐርቡ መሓዙት ነይሮሙና።

ንሳቶም ከይተመለሱ ስለዝተረፉ፡ ናባና 'ውን ተመሳሳሊ ነገር ከምዝመጽእ ንጽበ ነይርና። ሓቂ ንምዝራብ ክንድሕን ኢና ዝብል ተስፋ ኣይነበረናን። ናይ ሞት ፍርዲ ክፍረደና እዩ፡ ዝብል ኢና ንጽበ ነይርና።

ኣብ መንጎ እዚ፡ ግንቦት 13 መንግስቱ ካብ ሃገር ከምዝወጸ ሰሚዕና። ብተኣምር ድሒንና፤ እነሆ ድማ ብህይወት ኣለና...

ናይ መወዳእታ ሕቶታት ንኮ/ል ካሳዬ ታደሰ

ቢቢሲ፦ ጀ/ል መርእድ ንጉሴ፡ ከመይ ነብሰ ቕትለት ከምዝፈጸመ ትፈልጥ ዶ?

ኮ/ል ካሳዬ ታደሰ፦ ኣይፈልጥን

ቢቢሲ፡ ናይ ጀ/ል ኣመሃ ደስታ ነብሰ ቕትለት ከ?

ኮ/ል ካሳዬ ታደሰ፦ ኣይፈልጥን

ቢቢሲ፦ ጀ/ል ኣበበ ኣበራ፡ ብህይወቱ እንከሎ ምእሳር እናተኽኣለ፡ ንምንታይ ዝተቐተለ ይመስለካ?

ኮ/ል ካሳዬ ታደሰ፦ ጀ/ል ኣበራ ከምዝፈልጦ፡ ብቐሊሉ ኢዱ ዝህብ ሰብ ኣይኮነን። ተታዂሱ እዩ ክሞት ዝኽእል።