ን 17 ተሓከምቱ ከምዝመረዘ ዝተጠርጠረ ዶክተር ተኸሲሱ

ዶክተር ፍሬዴሪክ ፔሺየር Image copyright AFP

ኣብ ፈረንሳይ ን 17 ተሓከምቱ ከምዝመረዘ ዝተጠርጠረ ሓኪም፡ ምጽራይ ይግበረሉ ከምዘሎ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ዶክተር ፍሬዴሪክ ፔሺየር በዓል ሞያ መድሓኒት መደንዘዚ እዩ፤ ቅድሚ ሕዚ'ውን ሸውዓተ ሰባት መሪዙ ብዝብል ምጽራይ ክግበረሉ ጸኒሑ እዩ። ብሓፈሻ፡ ምስዚ ጉዳይ ብዝዛመድ 9 ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ።

ዓቃቢ ሕጊ ንቤት ፍርዲ ከምዝበሎ፤ እቲ ዶክተር ነዚ ተግባር ዝፈጸመ ኣብ ተሓከምቲ ሃንደበታዊ ጸገም ጥዕና ከምዝተፈጠረ ኣምሲሉ፡ ብኽእለቱ ንክጀሃር ብምዕላም እዩ።

ዶክተር ፍሬዴሪክ ፔሺየር ግን ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ። ገበነኛ ኮይኑ እንተድኣተረኺቡ፡ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ከምዝጽበዮ ይግለጽ ኣሎ።

ጠበቓ ናይቲ ዶክተር፡ ጆን ይቭስ ድማ፡ ን ወኪል ዜና 'ኤኤፍፒ' ከምዝበሎ፤ እቲ ዝተገብረ ምጽራይ ንገበን ናይቲ ዶክተር ዘረጋግጽ ኣይኮነን።

እቲ ወዲ 47 ዓመት ዶክተር፡ ኣብ 2017 ብተመሳሳሊ ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡኳ እንተነበረ፡ መረዳእታ ስለዘይተረኸበ ብናጻ ወጺኡ ነይሩ። ዳሕራይ ግን ካብ ስራሕ ክእገድ ተወሲኑ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን ድማ ፖሊስ ምስ ጉዳይ ካልኦት 66 ሰባት ብዝምልከት ንምርመራ ጸዊዕዎ ኣሎ።

ኣብቲ ንኻልኣይ ግዜ ዝቐረበሉ ክሲ፡ ብተግባር እቲ ዶክተር ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሰማንያ ዝዕድሚኦም ሰባት ከምዝተሃሰዩ ተገሊጹ።

ፍሬዴሪክ ፔሺየር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ውጽኢት ናይቲ ምጽራይ ብዘየገድስ፡ ንሞያይ ደጊም ስኢነዮ እየ" ኢሉ።

''መን እዩ ድሕሪ ደጊም፡ ንተሓከምቱ መሪዙ ንዝተብሃለ ሓኪም ዝኣምን? ስድራይ ሓዚኖም እዮም፤ ንደቀይ ከኣ እፈርሓሎም" ክብል ዝበጽሖ ማህሰይቲ ንቤት ፍርዲ ተዛሪቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት