ፌስቡክ ንኣፍሪቃ ዒላማ ዝገበሩ 'ዘይሓቀኛ' ገጻት ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ

ናይ ፌስ ቡክ ምልክት ኣብ ሞባይል ስልኪ Image copyright Getty Images

ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ 'ብዝተወደበ ዘይሓቀኛ ባህርያት' ንኣፍሪቃ ዒላማ ዝገበሩ ዝበሎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስኑዕ (ናይ ሓሶት) ገጻትን ሓደ እስራኤላዊ ትካልን ዓጽዩ።

እቶም ስኑዕ ገጻት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝካየዱ ሃጋራዊ ምርጫታት ዝምልከቱን፡ ካልኦት ፖለቲካዊ ዜናታትን ብቐጻሊ ከም ዝጥቅዑ እቲ ኩባንያ ኣፍሊጡ።

ፌስቡክ፤ ንዝዝርግሑ ስኑዓት ሓበሬታ ዘጽርየሉ መገዲ ብዝምልከት ብዙሕ ነቐፌታታት ይቐርበሉ።

ኣብ 2016 ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽኡ ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ሓቅታት ዝመምየሉ ፕሮግራም ጀሚሩ።

እቲ ትካል ከም ዘፍለጦ፡ ብፍላይ ንናይጀርያ፣ ሰኔጋል፣ ቶጎ፣ ኣንጎላ፣ ኒጀርን ቱኒዝያን፡ ዒላማ ዝገበሩን መቦቆሎም እስራኤል ዝኾኑን 265 ስኑዕ ገጻት ተዓጽዮም ኣለዉ።

ኣብ ፌስቡክ ሓላፊ ፖሊሲ ድሕነት ሳይበር ናትናኤል ግለይቸር "ነዞም ገጻት ዝኸፈቱ ሰባት ንነብሶም ናይተን ሃገራት ተወለድትን ትካላት ዜናን ኣምሲሎም የቕርቡ። ብዛዕባ ፖለቲከኛታት ድማ ብሁልን ዘይብሁልን ሓበሬታ ይዝርግሑ" ክብል ኣብ ፌስቡኩ ጠቂዑ።

ንሱ ከም ዝበሎ፡ በቲ ዝተገበረ ምርመራ፡ ገለ ካብቶም ስኑዕ ገጻት 'ኣርኪመድስ ጉሩፕ' ምስ ዝተበሃለ እስራኤላዊ ትካል ርክብ ከም ዘለዎም ተረጋጊጹ'ሎ።

"እቲ ትካልን ኩሎም ደገፍቱን ካብ ፌስቡክ ተኣጊዶም ኣለዉ" ኢሉ።

ሓሙሽተ ካብተን ዒለማ ዝኾና ሽድሽተ ኣፍሪቃውያን ሃገራት፡ ካብ 2016 ጀሚሩ ሃገራዊ ምርጫ ዝተኻየደለን እየን። ቱኒዝያ ድማ ኣብዚ ዓመት ክተካይድ'ያ።

ፌስቡክ ድማ ዜጋታት ኣብ እዋን ምርጫ ብዘይገለ ዝተዛብዐ ሓበሬታ ንኸድምጹ ዘየኽእሉ ስኑዓት ሓበሬታ ኣብ ምንጻር ደኺሙ ብዝብል ይውቀስ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት