ሚኖ ራዮላ፡ ንኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ዝዝውር ሃብታም 'ደላሊ'

ሚኖ ራዮላ ምስ ኢብራሂሞቪች Image copyright Alexander Hassenstein

"ሚኖ"ብዝብል ሳጉኡ ይፍለጥ፡ ጣልያናዊ ካርሚን ራዮላ። ንፖል ፖግባ፣ ዝላታን ኢብራሂሞቪች፣ ሄንሪክ ሚኪታሪያን፣ ዴ ሊትን ካልኦት ህቡባት ተፃወትትን ወኪሎም እዩ።

ኣብ ጣልያን ተወሊዱ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ከተማ ሃርለም ዝዓበየ ራዮላ፡ 'ብሉጽ ደላሊ' ከም ዝኾነ ይዝረበሉ።

ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ወላዲኡ ኣብ ዝኸፈቶ ቤት መግቢ ሰሪሑ'ዩ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ብምእታው ድማ ብሞያ ሕጊ ተመሪቑ።

ጀርመንኛ፣ ስፓኒሽ፣ ፈረንሳይኛ፣ ፓርቹጊዝ፣ ደችን እንግሊዝኛን ይዛረብ።

ወዲ 18 ዓመት እንከሎ፡ ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝርከብ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መናእሰይ ብሓላፍነት ከገልግል ክኢሉ።

ብድሕሪኡ ናብ ወኪልነት ተጻወትቲ ብምስግጋር፡ ምስ ሓደ ኣብቲ ዓውዲ ዝሰርሕ ትካል ተቖጺሩ ክሰርሕ ጀሚሩ። ሽዑ ድማ ተስፋ ዘለዎም መናእሰይ ተጻወትቲ ደች፤ ንሰሪአ-ጣልያን የሻይጥ ነይሩ።

ገና መናእሰይ እንከለዉ፡ ናብ ጣልያንን እንግሊዝን ከይዶም ኣስማቶም ካብ ዝጎልሐ ተጻወትቲ እቲ ሓደ ዴኒስ በርግካምፕ'ዩ።

ራዮላ ምስቲ ቆጺሩ ዘስርሖ ትካል ክቕጽል ስለዘይደለየ፡ ካብቲ ትካል ወጺኡ ናይ ብሕቱ ትካል ውክልና ተጻወትቲ ኣጣይሹ።

ኣብ ሃገራዊት ጋንትኡ ብዘርኣዮ ዝነኣድ ብቕዓት መዕረፊ ኣዒንቲ ዓበይቲ ጋንታታት ኣውሮፓ ክኸውን ዝኸኣለ ባቬል ኔድቬድ፡ ካብ ስፓርታግ ፕራግ ናብ ላዝዮ ክኸይድ ዝገበረ ራዮላ'ዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣውሮፓ ካብ ዝጻወቱ ፍሉጣት ተጻወትቲ፡ እቶም ኣስታት 20 ንራዮላ ውክልና ሂቦምዎ እዮም።

ራዮላ ኣብ 2016 ሓደ ታሪኽ ሰሪሑ። ሽዑ ክብረወሰን ዓለምና ብዝነበረ ዋጋ [105 ሚልዮን ዩሮ] ንፖል ፖግባ ካብ ዩቬንትስ ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክዛወር ገይሩ።

ራዮላ፡ ካብቲ ገንዘብ ብጽሒቱ 25 ሚልዮን ዩሮ ከም ዝወሰደ ይዝረብ።

ናብ ገማግም ባሕሪ ማያሚ ብምኻድ ካብቲ ዝረኸቦ ገንዘብ፡ 9 ሚልዮን ዩሮ ወፃኢ ብምግባር መንበሪ ዝኾኖ ሰፊሕ መንደር ዓዲጉ።

ፎርብስ ዝተበሃለ ናይ ቢዝነስ መጽሄት ብ 2018 ኣብ ዘውጽኦ ሕታም፡ ራዮላ 69 ሚልዮን ዶላር ዝተጻረየ ኣታዊ ከም ዘለዎ ሓቢሩ። ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ 70 ተጻወትቲ ድማ 629 ሚልዮን ዳላር ዝግመት ዋጋ ከም ዘለዎም ወሲኹ ገሊጹ።

ዓበይቲ ጋንታታት ኣውሮፓ ንራዮላ ከም ስግኣት ከም ዝቖጽርኦ ይግለጽ። ነዚ ምኽንያተን፡ ፍሉጣት ተጻወትተን እቲ ወኪል ብዘቕርቦ ዋጋ ተሳሒቦም ከይኸድወን እዩ።

ኣብዚ ቕነ ግን፡ ነተን ጋንታታት ዘቕሰነ ዜና ካብ ጣልያን ተሰሚዑ'ሎ። ፌደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ጣልያን ናይ ራዮላ ፍቓድ ውክልና ከም ዝኣገደ ዝገልጽ'ዩ እቲ ዜና።

ፊፋ'ውን ንውሳነ ፌደሬሸን ጣልያን ስዒቡ፡ ራዮላ ካብ ናይ ውክልና ስርሑ ንዘይተነጸረ ግዜ ክእገድ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ፌደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ጣልያን ስለምንታይ ነቲ ውሳነ ከም ዘሕለፈ እንተዘይተሓበረ'ኳ፡ ንሱ ግን "እቲ እገዳ ንዓይ ዘሰንብደኒ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ውሳነ ብምዃኑ ግን ኣይተሓጎስኩን" ኢሉ።

"ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ጣልያን ነቲ ስፖርት 'ናብ ድሕሪት ይመልሶ ኣሎ' ኢለ ዝተዛረብክዎ ከየሕመመቶም ኣይትተርፍን። ኣብ ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ዘሎ ዓሌታውነት ስክፍታ ከም ዝፈጠረለይ ምግላጸይ'ውን ካልእ ምኽንያት'ዩ" ክብል ርእይትኡ ሂቡ።

ዕዳጋ ዝውውር ተጻወትቲ ኣውሮጳ ኣብ ዝዕምረሉ እዋን እዚ ውሳነ ምሕላፉ ግን ኣብ ገለ ጋንታታት ስግኣት ከም ዝፈጠረ ይዝረብ።

ንፖል ፖግባ ክትዕድግ ካብ እትደልይ ማድሪድ ጀሚሩ፡ ንተጻወትቲ ጋንታ ኣያክስ ክወስዳ ክሳብ ዝተዳለዋ ጋንታታት በቲ ውሳነ ከም ዝጽለዋ ይግለጽ።

ተወሳኺ ዛንታ