ቦይንግ፡ ኣብ ሶፍትዌር ማክስ 737 ምምሕያሽ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ

ቦይንግ 737ማክስ Image copyright Getty Images

ኩባንያ ቦይንግ፡ ኣብ ነፈርቲ 737 ማክስ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ሶፍትዌር ምምሕያሽ ከምዝዛዘመ ገሊጹ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክልተ ሓደጋታት ብምስዓቡ፡ እተን ነፈርቲ ጠጠው ክብላ ተገይሩ እዩ።

እቲ ኩባንያ ከምዝሓበሮ፡ በቲ ዝተመሓየሸ ሶፍትዌር 207 በረራታት ፈተነ ኣካይዱ ኣሎ።

ኣብረርቲ ምስ ምቁጽጻር ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ዝህብዎ ግብረ መልሲ ብዝምልከት'ውን ናብ ፌደራል ምምሕዳር ኣቪየሽን (FFA) መረዳእታ ከቕርብ እዩ።

ብተወሳኺ ቦይንግ እቲ ዘካየዶ ምምሕያሽ ኣፍልጦ ክረክብ፡ ኣብ ቀጻሊ ሰሙን ናብቲ ምምሕዳር ኣቪየሽን ከቕርቦ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝወደቐት ነፋሪት መገዲ ኣየር ላየን ንሞት 189 ሰባት ምኽንያት ኮይኑ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ዝወደቀት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 157 ሰባት ሞይቶም።

ምኽንያት ምውዳቕ ክልቲአን ነፈርቲ ምስ ሶፍትዌር ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

ቦይንግ፡ ኣብረርቲ ኣብቲ ዝተመሓየሽ ሶፍት ዌር ከመይ ከም ዝሰርሑ ዝገልጽ ሓበሬታ ናብ ፌደራል ምምሕዳር ኣቪየሽን ምስ ኣቕረበ፤ ናይ መወዳእታ ፈተነ ንምክያድን መረጋገጺ ንምርካብን፡ ኣብቲ መቆጻጸሪ ናይ ምምሕያሽ ስራሕ ከካይድ እዩ።

Image copyright Getty Images

ቦይንግ ኣብቲ ዝተመሓየሸ ሶፍትዌር፡ ተዛማዲ ናይ ምስለ በረራ ፈተነ ከም ዘካየደን ኣብ መሳርሒታት ትምህርትን ስልጠናን ዘካየዶ ምምሕያሽ ድማ፡ ብፌደራል ኣቬሽን፣ ተቖጻጸርትን ዓማዊልን ገምጋም ይግበረሎም ከም ዘሎ ገሊጹ።

ፌደራል ኣቬሽን ዝመጽእ 23 ግንቦት፡ ካብ መላእ ዓለም ምስዝመጹ ተቖጻጸርቲ ብዛዕባ ቦይንግ ዝገበሮ ምምሕያሽን ስልጠና ፓይለታትን ክዘራረብ እዩ።

ተወሳኺ ዛንታ