ሸውዓተ ኣገረምቲ ጭብጥታት ብዛዕባ ተኽልታት

ኣግራብ Image copyright Getty Images

እዛ ንነብረላ ዓለምና ብዙሕ ኣገረምቲ ነገራት ዝጾረት ዓለም ኢያ። ገለ ካብቲ ኣዝዩ ዘገረም ነገራት ድማ-ኣብ ግዝኣት ካሊፎርንያ፡ ኣሜሪካ 5062 ዝዕድሚኡ ኣሿኽ ገረብ ጽሕዲ ስጋብ ሕጂ ብህይወት ምህላዉን፡ ኣብ ሳይበርያ፡ ሩስያ ድማ ቅድሚ 32,000 ጸኒቱ ዝተባህለ ተኽሊ ህይወት ምዝርኡን ገለ ካብቲ ሸውዓተ ኣገረምቲ ነገራት ዓለምና ኢዮም።

ናይ ስነ-ዕጽዋት ተማራማርን ጽሓፍን ጀምስ ዎንግ ክሊማ ከመይ ከምዝቀያየርን ኣብቲ እንዘርኦ ዘርኢ ዝህልዎ ጽልዋን ብኸመይ ምስቲ ዝቀያየር ኩነታት ከምዝሳነን ምርመር ኣካይዱ። በቲ ዝተኻይደ ምርምር ብዙሓት ሓደስትን ኣገረምትን ጭብጥታት ብዛዕባ ገለ ተጻወርቲ ትኽልታት ረኺቡ። ገለ ካብቲ ዝተረኽበ ጭብጥታት ድማ ፡-1. ጥንታውያን ዕጽዋታት ኣብ ፕላኔት ማርስ ክጥጥዑ ይኽእሉ

ገለ ሊቃውንቲ ስነ-ፍልጠት ጀርመን ክልተ ተጻወርቲ ዝኾኑ ዓይነት ተኽልታት ኣብ ፕላኔት ማርስ ክነብሩ ከምዝኽእሉ ኣለሊዮም። እቲ ዘገርም፡ እቶም ዘለለይዎም ክልተ ዓይነት ተኽልታት-ብጫ ሰበባ-መሰል ተኽልን ሓምላይ ባክተርያዊ ተኽልን-እቶም ቀዳሞት ነዛ እንነብረላ ዓለም ዝወረሩ ዓይነት ተኽሊ ኢዮም ኢሎም እቶም ተመራመርቲ።

እቶም ተመራመርቲ፡ እቶም ኣብ ማርስ ክነብሩ ዝኽእሉ ፍልመ-ፍጥረታት ነቲ ሓያል ጸሓያዊ ጸርግን ክብ-ለጠቕ ዝብል ሙቐትን ክቱር ድርቀትን ተጻዊሮም ኣብታ ቀያሕ ፕላኔት ንኽነብሩን ሂወትን ኽሰኹዑን ዘኽእሎም ኩነታት ኣለሊዮም። እቶም ካብ ስዊዘርላንድን ኣንታርክቲክን ዝተወስዱ ዓይነት ተኽልታት ብሂወት ምስራር ጥራይ ዘይኮነ ዋላ ከም ዝኾነ ተኽሊ ጽማረ-ብርሃን [photosynthesise] ብመጥቃም መግቦም ክሰርሑ ክኢሎም።

2. ምድቓል ቀንዲ መንገዲ ንነዊሕ ዕምሪእቲ እንኮ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ኣብ ምብራቓዊ ካሊፎርኒያ ዝርከብ ኣሿኽ ገረብ ጽሕዲ ክኸውን ከሎ ኣብ 2012፡ 5062 ዓመት ዕድመ ነይርዎ [ሕጂ 5069 ዓመት ገይሩ ኣሎማልት ኢዩ]።

ኣብ ግዝእተ ምድቓል፡ ገለ ተመሳሳሊ ስነ-መፈጠር ዘለዎም ኣግራብ ኣብቲ ሱሮም ዝተላገቡ ኢዮም፣ እዚ ድማ ንኣሽሓት ዓመታት ንኽነብሩ የኽእሎም። ኣብ ኡታሃ፡ ምብራቓዊ ኣሜሪካ ዝርከብ፡ ፓንዶ ዝተባህለ ገረብ ድማ ኣስታት 80,000 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ከኸውን ከሎ፡ ኣብ ካሊፎርኒያ ዝረከብ ጁሩፓ ዝተባህለ ገረብ ዓረ ድማ ኣስታት 13,000 ዓመት ገይሩ ይብሃል።

3. ``ህይወት ዘለዎም ኣእማን`` ዝያዳ ብቑዕ ዝኾኑ ኣእኻል ከፍርዩ ይኽእሉሊቶፕስ ወይ ድማ `ህይወት ዘለዎም ኣእማን` ኣኻውሕ ኢዮም ዝመስሉ፡ እንተኾነ እዞም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ዘገርሙ ደቀቕቲ ኣእማን ዝመስሉ ሂወታዊ ነገራት ተኽሊ ስለዝኾኑ ዝያዳ ብቑዓት ኣእኻል ክኾኑ ይኽእሉ።

እዞም ዓይነት ተኽሊ ኣብቲ ኣዝዩ ምድረበዳን ኣኻውሕ ዝመልኦ ከባብን፡ ካብ ብኻልኦት ተጻባእቲ ከይብልዑ ድማ ምስቲ ከባቢኦም ብምምስሳል ክነብሩ ይኽእሉ።

ምብዛሕትኡ ግዜ ትሕቲ ምድሪ ይብቆሉ ድኣ`ምበር ናይ ጽሓይ ብርሃን ንምርካብን ናብ ጸዓት ንምቕያርን ዘኽእል ኣብ ልዕሊ መሬት ብርሃን ዘሕልፍ ቆጽሊ ኣለዎም። ተመራመርቲ ከምዝብልዎ፡ ሊቶፕስ ኣብ ልዕሊ መሬትን ትሕቲ መሬትን ድሙቕ ብርሃን ክዓቁርን ምኽኣሉ ኣብ መጻኢ ናብ ብቑዕ ዝኾነ ኣእኻል ንምምዕባሉ ክሕግዝ ይኽእል ኢሎም እቶም ተመራመርቲ።

4. ምቅይያር ክሊማ ኮኮ ንቡን ክትክኦ`ዩ ይብሃል

ምዝያድ ሙቐት ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ነቲ ዝያዳ ህቡብ ዝኾነ ፍረ ቡን ከይቀትሎ ስግኣት ድኣ`ምበር እቲ ዝያዳ ተጻዋርነት ዘለዎ ፍረ ኮኮ ክትክኦ ቅሩብ ኣሎ ይብሃል።

እብዚ ቐረባ እዋናት እቲ ኣብ ማእከላይ ኣረቢካ ዝብሃል ዓይነት ቡን ሙቐት ምጽዋር ብዘይምኽእሉ ንናይ ቆጽሊ ምምራት ዓይነት ሕማም ይቃላዕ ኣሎ ተባሂሉ።

እቲ ዓቐን ሙቐት ምስዝልዕል ኣብ ቆላታት ዝቦቕሉ ዓይነት ቡን ከምቲ ዝድለ ብሉጽ ዓይነት ቡን ከተፍሪ ኣሸጋሪ ይኸውን። እዚ ድማ ንመነባብሮ ናይ ኣሽሓት ስድራቤታት ይደናደኖ።

ብዙሓት ኣብ ኒካራጉዋ ሆንድራስን ኤልሳልቫዶረን ዝርከቡ ሓረስቶት ካብ ምብቋል ቡን ናብ ምብቋል ኮኮ፡ ናብቲ ሙቐት ዝጻወር ዓይነት ፍረ ይቕይሩ ኣለው። ስለዚ፡ ኣብዚ ቐረባ፡ እቶም ንግሆ ቡን ዝሰትዩ ዘነብሩ ውዑይ ቾኮሌት ምስታይ ክጅምርይ ኢዮም።

5. ገለ ኣግራብ ባርዕ መሮር የሳውሩ

ቀላሚጦስ ተሪር ገረብ ጥራይ ኣይኮነን ሓደገኛ ገረብ`ውን ኢዩ። እዚ ብሓዊ ምስዋር ዝፍለጥ ገረብ፡ ተቓጻሊ ቅብኣት የፍርን፡ ደርቕ ኣቑጽልቱን ቅላጣቱን ድማ ብቐሊሉ ሓዊ ብምንኻስ እዚ ዘይብሃል ዕንወት ዝፈጥር ባርዕ ሓዊ ይፈጥሩ። እቲ ባርዕ ዝፈጠሮ ሙቐት ገለ ተኽልታት ንኽዕንብቡ ጋዶ ክኾኖም ከሎ፡ ቀላሚጦስ ግና በንጻሩ ኣብቲ ሓሙኽሽቲ ይጥጥዕ።

6. ተኽልታት ንናይ ኒይክለር ሓደጋ ክጻወሩ ይኽእሉ

ጨረርታ ንሂወታዊ ዋዮ ኣካላትና ዝዘርግን ንዲኤንኤ[DNA] ድማ ይሃሲ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ እቶም ግዳያት ናይ ኒዩክለር ሓደጋ ዝኾኑ ተኽልታት ክሰሩ ኣይትጽበን። እንተኾነ ገለ ሊቃውንቲ ስነ- ፍልጠት ብዛዕባ ናይ 1986 ናይ ቼርኖበይል ናይ ኒዩክለር ሓደጋ ዝተመራመሩ፡ እቲ ዝረኸብዎ ውጽኢት ዝተፈልየ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ እንጣጢዕን ሶያ [ዓይነት ኣዳጉራ] ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እቶም ተኽልታት ምስቲ ዝጓነፈ ኩነታት ብምስናይ ኣብቲ ዝተበከለ ኣካባቢ ክስስኑ ክኢሎም። ኣዚ ድማ እቶም ተኽልታት ቅድሚ ሚልዮናታት ዓመታት ኣብዘን ዘለዋ ፕላኔት ካብቲ ናይ ቼርኖበይል ናይ ኒዩክለር ሓደጋ ዝዓቢ ጨረርታ ተጻዊሮም ከምዝነበሩ ኣሚኖም።

7. ገለ ዘርእታትስጋብ 32,000 ዓመት ክነብሩ ይኽእሉ

ተመራመርቲ ሩስያ፡ነቲ ቅድሚ 32,000 ዓመታት ጸኒቱ ዝተባህለ ተኽሊ ዳግም ህይወት ዘሪኦምሉ። እቶም ተመራመርቲ ነቲ ኣብቲ በረዳማ መሪቶም ብምጽጹላይ ተቐቢሩ ዝጸንሐ ፍረ ብምብርባር ኢዮም ነቲ ዝጸነተ ተኽሊ ህይወት ዝዘርእሉ። ኣብ እዋን ናይ በረድ ዘመን ናይ ዝተቐብሩ ናይ ዝዕምብቡ ዘርእታት ኣሰር ኣብ ሳይበርያ ተረኺቦም።

እቶም ሊቃውንቲ ስነ-ፍልጠት ነቲ ኣካላት [tissues] ብምጥቃም ሓድሽ ተኽልታት ኣብቊሎም፡ ብድሕሪኡ ድማ ባዕላቶም ክፋርወዩ ክኢልዕም። ገለ ካኢላታት ድማ እዚ ሩስያውያን ተመራመርቲ ነቲ ጸኒቱ ንዝተባህለ ኣብቲ በረዳማ ቦታ ናይ ኣርክቲክ ተቐቢሩ ዝጸንሐ ተኽሊ ንፈለማ እዋን ህይወት ብምስኳዕ ተስፋ ሂቦም ኢሎም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት