ውጥረት ኢራንን ኣሜሪካን፡ "ኩናት ኣይህሉን" ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ዛሪፍ

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ሞሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ ኣብ ጃፓን፡ ቶክዮ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ ከምዝገለፅዎ፡ ምስ ትራምፕ ዘለዉ ሰባት፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ "ናብ ኩናት ንክኣትው ይደፋፍእዎ ኣለዉ" ኢሎም

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን፡ ብምኽንያት እቲ ምስ ኣሜሪካ ይጓሃሃር ዘሎ ወጥሪ፡ ኣብቲ ዞባ ኲናት ክውላዕ'ዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሎም ገሊፆም።

ሞሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ፡ ኢራን ኩናት ከም ዘይትደልን፡ "ንኢራን ዝጻባእ ሓሳብ ይኹን ሕልሚ ዘለዋ ሃገር" ከም ዘይትህልውን ንማዕኸን ዜና እታ ሃገር ኢርና ('IRNA')ተዛሪቦም።

ኣሜሪካ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት መራኽብ ኩናትን ነፈርቲ ውግእን ናብቲ ወሽመጥ ዘጸገዐት ኮይና፡ እዚ ድማ ንኢራናውያን "ስግኣት" ከም ዝኾነ ይግለጽ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ግና፡ ጎንፂ ከወግድ ድልየት ከም ዘለዎ'ዩ ዝገልጽ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ ትማሊ ቀዳም፡ "ትራምፕ ኩናት ኣይደልን፤ ኣብ ጥቕኡ ዘለዉ ሰባት ግና፡ ሓያልነት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ንምርኣይ ይደፋፍእዎ ኣለዉ" ኢሎም።

ንምንታይ ውጥረት ዓሲሉ?

ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ዝነበረ ውጥረት ካብ ዝነበሮ ክጋደድ ዝኸኣለ፡ ፕረዝደንት ትራምፕ ካብቲ ኢራን መደብ ምምዕባል ኒኩዩለር ክተቋርጽ'ሞ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነበረ ማዕቐባት ኽለዓል ብዝብል ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ስለዘንሳሓበ እዩ።

ሽዑ ድማ ትራምፕ ነቲ ማዕቐባት ብምጥንኻር ቀጺልሉ።

ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ነቲ ኣትያቶ ዝነበረት ቃል ዘቋረጸት ኢራን፡ መስርሕ ምምዕባል ዩራንየም ከም እትቕጽለሉ ኣጠንቂቓ።

ኣሜሪካውያን መርመርቲ፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ መራኽብ ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ንኢራንን ንሳ እትድግፎም ጉጅለታትን ይኸሱ።

ቴራን ግና ነዚ ክሲ ውድቂ ትገብር።