ኬንያ ናይሮቢ፡ ኣብ ሩባታት ዝተረኸቡ ኣስከሬናት ኣዘራረብቲ ኮይኖም

ኣብ ናይሮቢ ካብ ዝርከቡ ሩባታት እቲ ሓደ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ናይሮቢ ካብ ዝርከቡ ሩባታት እቲ ሓደ

ሰበ-ስልጣን ኬንያ፡ ኣብ ዋና ከተማ ናይሮቢ ወፍሪ ጽርየት ሩባታት ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካልኦት ክልተ ኣስከሬን ናጽላታት ከም ዝተረኸቡ ኣፍሊጦም።

እቶም ኣስከሬናት፡ ብዙሓት ነበርቲ ናይሮቢ ተሳተፍቲ ኣብ ዝኾኑሉ ወፍሪ፡ ድኻ ክፍሊ ማሕበረሰብ ንዝነበረሉ 'ኮሮጎቾ' ዝተበሃለ ከባቢ ኣቋሪጹ ኣብ ዝሓልፍ፡ ኣዝዩ ዝተበከለ ሩባ ከም ዝተረኸቡ ተገሊጹ።

መናቱ ከም ዝኾኑ ዝእመነሎም ህጻናት ኣብ ውሽጢ ላስቲኽ'ዮም ተረኺቦም።

እቶም ሰበስልጣን ከም ዝበልዎ፡ እቲ ሓደ ህይወቱ ሓሊፋ ዝተረኸበ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣዩ ግን ዋላ'ኳ ምስ ትንፋሱ እንተጸንሐ ብህይወት ምትራፍ ኣይተኽኣለን።

ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ማይክ ሶንክ፡ እዚ ብተደጋጋሚ ይኽሰት ዘሎ ነገር፡ ብጣዕሚ ዘተሓሳስብ ከም ዝኾነ ብምሕባር፡ ፖሊስ ኣብቶም ዝጥርጠሩ ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ምርመራ ከካይድ ከም ዝደልዩ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየዱ ወፍርታት ጽርየት'ውን ብዙሕ ኣስከሬናት ከም ዝተረኸበ ሰበስልጣን እታ ከተማ ወሲኹም ገሊጾም።

ብፍላይ ኣስከሬን ናይቶም ሓደሽቲ ዝተወለዱ ህጻናት ግን፡ ምስ ተግባር ምቁራጽ (ምንጻል) ጥንሲ ክተሓሓዝ ከም ዝኽእል ሓቢሮም።

ኣብቶም ናይ ቅድሚ ሎሚ ወፍርታት ጽርየት፡ ኣስከሬናት ሸሞንተ ህጻናትን ኣርባዕተ ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ ሰባትን ተረኺቦም ነይሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት