'ገበታ ለሸገር'፡ "ድራር ንክንበልዕ ኣይኮናን እንኸይድ"

ናይ ሃፀይ ምኒሊክ ናይ እንግዶት ኣዳራሽ Image copyright Daniel Kibret
ናይ ምስሊ መግለጺ ናይ ሃፀይ ምኒሊክ ናይ እንግዶት ኣዳራሽ

ወሰና ወሰን ሩባታት ከተማ ኣዲስኣበባ ንምልማዕ ዓሊሙ ብቤትፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተፀውዐ እንግዶት ድራር ሎሚመዓልቲ ክሳለጥ እዩ።

ኣበርክቶ ክገብሩ ዝደልዩ ውልቀሰባትን ትካላትን ንሓድሕዶም ሓሙሽተ ሚልን ብር በብምውፋይ'ዮም ኣብዚ እንግዶት ድራር ክርከቡ ዝኽእሉ።

ኣብዚ 'ገበታ ለሸገር' ብዝብል ስያመ ዝተዳለወ ገንዘብ መተኣኻኸቢ እንግዶት ድራር፡ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣብይ ኣሕመድን ላዕለዎት ሰብመዚን ዝርከቡ እንትኾኑ፡ ኣብቲ ምድላው ንምርካብ እጃሞም ንዘበርከቱ ኣካላት መዘከርታ ከም ዝዳለወሎም ተገሊፁ።

እዚ ሎሚመዓልቲ ምሸት ዝካየድ እንግዶት ድራር፡ ካብ ድሕሪ ቐትሪ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ዝጅምር እንትኸውን፡ ቅድሚ እንግዶት ድራር ፅገናታትን ህንፀትን ይካየደሉ ኣብ ዘሎ፡ ቤተ-መንግስቲ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዑደት ክካየድ እዩ።

ብኣተኣናጋድነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣብ ዝካየድ ናይ 5 ሚልየን ብር ድራር 'ገበታ ለሸገር' ንምርካብ ካብ ሞንጎ ዝተመዝገቡ፡ ወናኒ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ናይ ዝተዋፈረ 'ቤኪ ግሩፕ' ኣይተ በላይነህ ክንዴ ሓደ እዮም።

"ገበታ ሸገር፡ ናይ ልምዓት ስራሕ እዩ። ከም ሓደ በዓል ሃፍቲ መንበሪ ሕብረት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ንክትፀብቕን ንክትልወጥን ድልየትና እዩ" ዝብሉ ኣይተ በላይነህ ክንዴ፡ ነዚ ዕላማ ብምድጋፍ እቲ ገንዘብ ከምዝኸፈሉ ይዛረቡ።

መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ: ንትግራይ ጸጋ'ዶስ ፈተና?

"መግቢ ክንበልዕ ኣይኮናን እንኸይድ" ዝበሉ ኣይተ በላይነህ፡ "ካልእ ሃፍቲ ዘለዎ ሰብ ብሕብረት እንተድኣ ካልኦት ከተማታት ኣልሚዑ፡ ሃገር ክትዓቢ እያ" ዝብል ሓሳብ ኣለዎም።

ዕላማ እዚ ድራር ንልምዓት ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ዋላ እኳ ዝርዝር መደብ እቲ መርሃግብሪ እንተዘይበፅሖም፤ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9፡00 (3፡00) ንክርከቡ መፀዋዕታ ከምዝበፅሖም ተዛሪቦም።

Image copyright @PMEthiopia
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሮጀክት ወሰናወሰን ሩባታት እንትዛዘም ዝህልዎ መልክዕ

ንኻልኦት ከተማታት ኣፍሪቃ ዝረኣዩ ኣይተ በላይነህ ብፅሬት ዝሐሻ ከምዝኾና ብጣዕሳ ይዛረቡ።

"ብውልቀ ሰባት ኣቢልካ ሃገር ምልማዕ ይከኣል እዩ፤ ከምዚ ሓቢርካ ክተልምዕ ምኽኣል ጠቓሚ እዩ" ኢሎም።

እቲ እንግዶት ድራር ኣብ ውሽጢ ቤተመንግስቲ ኣብ ዝርከብ፡ ናይ ሃፀይ ምኒሊክ ኣዳራሽ እንግዶት ዝካየድ እንትኸውን፡ ዛጊድ ልዕሊ 200 ሽሕ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ኣብቲ ድራር ንምስታፍ ከም ዝተመዝገቡ ተገሊፁ።

ቆጸሮ ድራር ሶፊያ ምስ ኣብይ ኣሕመድ

ከተማ ኣዲስኣበባ ናይ ምልማዕ ትልሚ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተበገሰ ፕሮጀክት ሰለስተ ዓመታት እዩ። ካብ እንጦጦ ክሳብ ኣቃቂ ኣብ ዝርከቡ ሩባታት ወሰናወሰን፡ 56 ኪሎሜትር ንምለማዕ ዝዓለመ ምዃኑ ድማ ካብ ቤትፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

እቲ ናይ ልምዓት ትልሚ ተግባራዊ እንትኸውን፡ ኣብቲ ድራር ናይ ዝተዓደሙ ሰባት ስም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እቲ ፕሮጀክት ተፃሒፉ ክቕመጥ'ዩ።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ እውን ብነፍሲወከፍ ፎቶ ክሰኣሉ እዮም ተባሂሉ።

መልክዕ ከተማ ኣዲስኣበባ ዝቐየሩ ብዝብል ሓደ ጥራዝ ከም ዝዳለው'ውን ሓበሬታ እቲ ቤትፅሕፈት የመልክት።

ኣብ ድራር 'ገበታ ለሸገር' ንምርካብ ገንዘብ ዝኸፈሉ ኣይተ በላይነህ ክንዴ፡ " ከም ውልቀሰብ 5 ሚልየን ብር ስለዝኸፈልኩ፡ ብኣይ ስም ቦታ ክሰየመለይ ኢለ ኣይሓስብን፤ ክኸውን እውን የብሉን፤ ስመይ ንምፍላጥ ኣይኮንኩን ከፊለ" ይብሉ።

''እቲ ሓድሽ ስርዓት ኦህዴድን ብኣዴንን እዮም ዝዝዉርዎ ዘለዉ''

ቤትፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ሎሚመዓልቲ ዝተዳለወ እንግዶት ድራር፡ ሰብ ዋናን ኣመራርሓን ትካላት ንግዲ፣ ዓለምለኸ ዲፕሎማሰኛታትን ኣባላት ማሕበረሰብን ንክርከቡ ዓዲሙ'ዩ።

እዚ ሰለስተ ዓመታት ዝወስድ ፕሮጀክት ብኩባንያ ቫርኔሮ ዝስራሕ እንትኸውን፡ 29 ቢልየን ብር ይጠልብ።

ህንፀት ሩባታትን ወሰናወሰንን ከተማ ኣዲስ ኣባበ እንትዛዘም፡ 4 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝለምዕ እንትኸውን፡ ኣብ ውሽጡ መዘናግዒ፣ መጓዓዝያ፣ ሓምለዎት ቦታታትን ትካላት ንግድን ከም ዝህልውዎ ተገሊፁ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ሶፍያ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዘትያ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ