'መኣዲ ሸገር'፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ድራር ዝበልዑ እንታይ ይብሉ?

ዶ/ር ኣቢ ኣጋይሹ እናተቐበለ Image copyright OFFICE OF THE PRIME MINISTER-ETHIOPIA

ኣቶ ዮሃንስ መኮንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ናይ ስነ-ህንጻን ዕቃበ ቀርስታትን መምህር'ዩ። ናይ ዳግማዊ ሃጸይ ሚኒሊክ ቤተመንግስቲ፡ ናይ ግብሪ ኣዳራሽ፡ ምስ ተሓደሰ፡ ንበጻሕቲ ከም ሓበርቲ ከገልግሉ ብወለንትኦም ካብ ዝተመረጹን ዝተሳተፉን ሸሞንተ ሰብሞያ ሓደ'ዩ።

ኣብቲ 'መኣዲ ሸገር' ዝተሰምየ ናይ ድራር እንግዶት'ውን ተዓዲሙ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መኣዲ ተቐሪቡ'ዩ።

"ሸገር" ኣዲስ ኣበባ ብነበርታ እትጽዋዓሉ ሳጓ'ዩ። ብዘይካ'ዚ ህዝቢ ኦሮሞ "ፊንፊኔ" ኢሉ ከም ዝጽውዓ'ውን ይፍለጥ።

ንዕዱማት ሓበሬታ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን፡ ንበይኑ ንልዕሊ 40 ቻይናውያን ከም ዘአንገደን ዝጠቐሰ ኣቶ ዮሃንስ፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሓደ እዋን ን30 ሰባት የአንግድ ከም ዝነበረ ገሊጹ።

ካብቶም በጻሕቲ ድማ፡ ብዘመነ መንግስቱ ሃይለማርያም ነቲ ቤተመንግስቲ ክበጽሑ ዕድል ዝረኸቡ ናይ ወጻኢ ኣጋይሽ ዝነበርዎም ኮይኖም፡ ዝነበሮም ዝኽሪ ብምክፋል ከም ዝደንጸዎም ይዛረብ።

ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝተቐበረሉ ስፍራ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ መቓብር ዝርከብ ናይ 'ጓድ' መንግስቱ ቤት ጽሕፈት፡ እቶም ሱሳ ዝተረሸኑሉ፡ ጀነራላት ዝተኣስርሉ ኩሉ ከም ዘርኣዩ'ውን ሓቢሩና።

Image copyright OFFICE OF THE PRIME MINISTER-ETHIOPIA

"እቲ ቤተ መንግስቲ ኣብ 40 ሄክታር ተዘርጊሑ ይርከብ" ዝበለ እቲ በዓል ሞያ፡ ካብዚ ኩሉ እቲ ትማሊ ንበጻሕቲ ክፉት ክኸውን ዕድል ዝረኸበ ግና ሓደ ርብዒ'ዩ ክብል ግምቱ ሂቡ።

ኣቶ ይትባረክ ዘገዬ፡ ወናኒ ዋርካ ትሬዲንግ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ውልቂ ማሕበር ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ድራር እንግዶት 'መኣዲ ሸገር' ካብ ዝተሳተፉ ሓደ'ዩ።

ነቲ ፕሮጀክት ክድግፎ ኣለኒ፡ ክስራሕ ኣለዎ ብምባል 5 ሚልዮን ብር ከፊሉ ኣብቲ 'መኣዲ ሸገር' ክዕደም ኪኢሉ።

"ቀንዲ እቲ ድራር ዘይኮነስ፡ ዕላምኡ'ዩ፡ እቲ ድራር'ውን ጽቡቕ'ዩ ነይሩ" ዝበለ ኣቶ ይትባረክ 'መኣዲ ሸገር' ካብቲ ዝተጸበዮ ንላዕሊ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ቤተመንግስቲ እትዉ ምስ በለ፡ ተዘዋዊሩ ከም ዝተዓዘበን፡ ታሪኹ ብምፍላጡ ዕግበት ከም ዝተሰምዖ ድማ ይገልጽ።

እቲ ኣብ መጻኢ ፊልም ክስረሓሉ ዝተባህለን፡ ካብ ዝመጽእ መስከረም ጀሚሩ ንበጻሕቲ ክፉት ክኸውን ዝተባህለን ቤተመንግስቲ'ውን ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ'ዩ።

Image copyright OFFICE OF THE PRIME MINISTER-ETHIOPIA

ንሱ ንመጀመርታ ግዚኡ ኣብቲ ቤተመንግስቲ በጺሑ። ስለዚ ድማ፡ ካብ ሃጸይ ሚኒሊክ ጀሚሩ፡ ሃጸይ ሃይለስለሴ፡ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስትራትን ፕረዚደንታትን ዝነብርሉ ዝነበሩ ቦታ ብምርኣዩ ሓጎስ ተሰሚዕዎ።

እቲ ቤተመንግስቲ፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ደርግ ብዙሕ ታሪኽ ዝተሰርሓሉ ብምዃኑ፡ ከይዱ ምብጽሑ ዕግበት ከም ዝፈጠረሉ ይግልጽ። ንዝስዕብ ወለዶ ክመሓላለፍ ዘለዎ ታሪኽ ምዃኑ'ውን የረድእ።

ካብቶም 300 ዝኣኽሉ ዕዱማት ፍርቆም ኢትዮጵያውያን ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ካልኦት ፍርቂ ድማ ወጻእተኛታት ምዃኖም፡ በዓል ሞያ ስነ-ህንጻ ኣቶ ዮሃንስ ሓቢሩና።

እቶም ዕዱማት ኣብ ሓደ እዋን ስለዘይመጹ፡ እቶም ቀዲሞም ዝመጹ ቤተመንግስቲ ሃጸይ ሚኒሊክን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ቅርስታትን ምስ ተዓዘቡ ናይ ኮክቴል ግብጃ ከም ዝተገብረሎም'ውን ጠቒሱ።

ዕዱማት፡ ብወልቅን እኩብን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ቅድሚ ኣዳራሽ ግብሪ ክሳኣሉ ይረኣዩ ነይሮም።

እቲ ውራይ ብሸራተን ሆቴል ከም ዝቐረበ'ውን ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣጋይሽ ተኣኪቦም ኣብ ዝመጽሉ እዋን ድማ፡ ብናይ ጥንቲ ባህሊ መሰረት ነጋሪት እናተሃርመ፡ ኣብ የማንን ጸጋምን መለኸት ይነፍሑ ነይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ድማ፡ ኣብ ኣፍደገ ኮይኑ ድንን እናበለ ኣጋይሹ ይቕበል ከም ዝነበረ ኣቶ ዮሃንስ ይዛረብ።

ደሓር'ውን ኣብቲ ኣጋይሽ ኮፍ ዝበልሉ እናኸደ፡ ዕዱማት መን ምዃኖምን ካበየናይ ትካል ከም ዝመጹን ይሓትት ምንባሩ ካብ ኣጋይሹ ኣድኛቖት ረኺቡ'ዩ።

ኣብቲ ድግስ፡ 'የባላገሩ የባህል ኦርኬስትራ'ን ማሕሙድ ኣሕመድን ዝርከብዎም ሙዚቀኛታት ንዕዱማት ኣዘናጊዖም።

ብዘይካ'ቲ ንሸገር (ኣዲስ ኣባባ) ንምምዕራግ ዝተወጠነ ፕሮጀክት፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ከባቢ ፓርላማ ክህነጽ ተሓሲቡ ዘሎ ንኣስታት 20 ሽሕ ሰብ ከአንግድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዓቢ ቤተመጽሓፍቲ'ውን መግለጺ ተዋሂቡ። እንታይ ክመስል ከም ዝኽእል ዝሕብር ተንቀሳቓሲ ስእሊ'ውን ቀሪቡ።

ኣብ ርእሲ'ውን ብዛዕባ'ቲ ኣብ ለገሃር ዝተባህለ ከባቢ ናይታ ከተማ ብልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ ፕሮጀክት መብርሂ ከም ዝተዋህበ እቶም ኣብቲ ናይ ድራር እንግዶት ዝተሳተፉ ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ መደርኡ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንዕዱማት ካብ መንበሮም ተሲኦም፡ ኢዶም ዘርጊሐም፡ ኣመልካቲ ጻብዕቶም ኣውጺኦም ኣብቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ መኣዲ ብምንባር "ኣሰረይ ከንብር'የ፡ ሃገራዊ ጉበአይ ክፍጽም'የ" ብምባል ቃል ክኣትዉ ኣገዲድዎም።

Image copyright OFFICE OF THE PRIME MINISTER-ETHIOPIA

ድሕሪ'ዚ ኣብ ዝተገብረ ናይ ድራር እንግዶት፡ 'ቁርጥ ስጋ' (ዘይበሰለ ስጋ)ን ሜስ ብብረሌን እናዞረ፡ ንወጻእተኛታት ድማ ዝሰማምዖም ናይ ወጻኢ መግቢ ከም ዝተዳለወሎምን፡ ብላዕ ዎስተ ከም ዝነበረን እቶም ተሳተፍቲ ገሊጾም።

"ኣብ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ከም ዘንበብክዎ፡ ናይ መሳፍንቲ እንግዶት'ዩ ተጌሩልና" ክብል ኣቶ ዮሃንስ ነቲ ዝነበረ እንግዶት ገሊጽዎ።

ቻይናውያን ጥራይ ን65 ሰባት ከም ዝኸፈሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝተዛረበ ዝሓበረ ኣቶ ዮሃንስ፡ ካብ ወጻእተኛታት እቶም ዝበዝሑ ንሶም'ዮም ነይሮም ኢሉ።

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝኾነት ወይዘሮ መዓዛ ኣሸናፊን፡ መስራቲትን ወናኒትን ሸገር ሬድዮ ዝኾነት መዓዛ ብሩን'ውን ካብቲ መኣዲ ከም ዝተቛደሳ ተፈሊጡ።

ካልእ ጊዜ ብ5 ሚልዮን ድራር እንተ ተዓዲሙ ክሳተፍ ይኽእል እንተኾይኑ፡ ምስ ሓተትናዮ፡ ኣቶ ይትባረክ "ዓቕመይ ብዘፍቅዶ፡ ዓሰርተ ግዜ እንተኾነ'ውን ክሳተፍ'የ" ክብል መሊሱ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት