ዩክሬን፡ ኮመድያን ፕረዚደንት ንሃገራዊ ባይቶ ብምፍራስ ምርጫ ክካየድ ኣዚዙ

ሓድሽ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ምስ ደገፍቱ 'ሰልፊ' እናተሳእለ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓድሽ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ምስ ደገፍቱ 'ሰልፊ' እናተሳእለ

ኮመድያን ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ህጹጽ ባይቶኣዊ ምርጫ ክካየድ ምዃኑ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት እታ ሃገር ብምዃን ቃለማሕላ ኣብ ዝፈጸመሉ ኣጋጣሚ ኣፍሊጡ።

እቲ ባይቶኣዊ ምርጫ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ክካየድ እኳ ተመዲቡ እንተነበረ፡ ኣብቲ ስነስርዓት ቃለማሕላ ኣብ ዘስምዖ መደረ ግን "ንቨርከሆቨና ራዳ [ፓርላማ] ኣፍሪሰዮ ኣለኹ" ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ኣብ መደሩኡ፡ ነቲ ምስቶም ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዘለዉ ብሩስያ ዝድገፎ ተቓውምቲ ዘሎ ግጭት ንምዕራፍ ቀዳምነት ዝህቦ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ዝኾነ ፓለቲካዊ ተመክሮ ዘይነበሮ ተዋዛያይ ኣንጻር ብልሽውና ብዘስምዖ ተሪር ነቔፌታ'ዩ ክዕወት ኪኢሉ።

"ንህዝቢ ዘገልግሉ'ዮም ናብ ስልጣን ክመጹ ዘለዎም" ክብል ኣብቲ ሰኑይ መደሩኡ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብወገኑ፡ ነቲ ኣብ መንበር ስልጣን ዝደየበ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ዮሃናኡ ከም ዘይገልጸሉ ብምግላጽ፡ ነቲ ምብራቓዊ ዩክሬን ዘሎ ግጭት ብምፍታሕ ምስ ሩስያ ዝህሉ ርክብ ክሳብ ዘመሓይሾ ክጽበ ከም ዝመርጽ ጠቒሱ።

እንተኾነ ግን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2015 ዝተበጽን ስምምዕ ሚንስክ ከኽብርን፡ "ምሉእ ናይ ምሩኻት ምልውዋጥ" ክግበር ጸዊዑ።

ቅድሚ ምምራጹ፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ተለቭዥን ዝቐርብ ድራማ፡ ናይ ፕረዚደንት ገጸ-ባህሪ ለቢሱ ዝዋሳእ ዝነበረ ምዃኑ ይፍለጥ። ፕረዚደንት ክኸውን ምምራጹ ድማ ንዓለም ዘዛረበ ፍጸመ ኮይኑ'ዩ።

"ብኹዕሶ ኣይስላንዳውያን፡ ሃገርና ብምክልኻል እስራኤላውያን፡ ብቴክኖሎጂ ጃፓናውያን ክንከውን ኣለና" ኣብቲ ስነስርዓት ቃለማሕላኡ ተዛሪቡ።

ብዘይካዚ፡ "ምስ ኩሉ ፍልልያትና፡ ንሓድሕና ብሓጎስ ኣብ ምንባር ድማ ከም ስዊስ ክንከውን ኣሎና" ክብል'ውን ንህዚ ዩክሬን ተማሕጺኑ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት