ሰሜን ኮርያውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ቻይና 'ንምንዝርና ጊልያነት ይግደዳ' ከምዘለዋ ተገሊፁ

ኣብ ሻንጋይ ነብሰን ሸይጠን ዝሓድራ ደቂኣንስትዮ Image copyright Korea Future Initiative
ናይ ምስሊ መግለጺ እዚ ንግዲ ምንዝርና ሰሜን ኮርያውያን ደቂኣንስትዮ ገበነኛታት ትካላት ኣብ ዓመት 100 ሚልየን ዶላር ኣታዊ ንክረኽቡ ዝገብር እዩ

ብኣሽሓት ዝቑፀራ ሰሜን ኮርያውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ቻይና ኣብ ምንዝርና ክሰርሓ ይግደዳ ከምዘለዋ ሓድሽ ፀብፃብ፡ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ተጣባቒ ጉጅለ ሓቢሩ።

ዝበዝሕ ግዜ እዘን ደቂኣንስትዮ ተጨውየን ነብሰን ንክሸጣ (ንክምንዝራ) ወይ ድማ ንቻይናወያን ደቂተባዕትዮ ንክምርዐዋ ይግደዳ ኢሉ እቲ መፅናዕቲ።

እዚ ንግዲ ምንዝርና፡ ገበነኛታት ትካላት ኣብ ዓመት 100 ሚልየን ዶላር ኣታዊ ንክረኽቡ ዝገብር እዩ።

እዘን ደቂኣንስትዮ ኩሉግዜ ኣብ መፃወድያ ምስተዓገታ እየን፡ ናይዚ ምኽንያት ድማ ቻይና ብርክት ዝበሉ ሰሜን ኮርያውያን ናብ ሃገሮም ስለ እትሰጉግን ናብ ሃገሮም ምስ ተመለሱ ስለዘሳቕዮምን እዩ።

"ግዳያት ብውሑድ ዋጋ ማለት ብ 30 ዩዋን (4.30 ዶላር) እየን ዘመንዝራ፣ ንቻይናዊ ሰብኣይ ሰበይቲ ንክኾና ከኣ ብ 1,000 ዩዋን ይሽየጣ፣ ካብ ዓለም ለኸ ተመልካቲ ኣታዊ ንምርካብ ድማ፡ ካብ 12 ክሳብ 29 ዝዕድሚአን ደቂኣንሰትዮ ኣብ ቅድሚ ዌብካም [ኣብ ኮምፕዩተር ዝግጠም ካሜራ] ፆታዊ ርክብ ንክፍፅማ (ሳይበርሴክስ ዴንስ) ይግበር" ክብል ነዚ ፀብፃብ ዘዳለወ ዮን ሂ-ሱን ተዛሪቡ።

መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ተግባር ንክፍፅማ ዝግደዳ ደቂኣንስትዮ ካብ 12 ክሳብ 29 ዝዕድሚአን እንትኾና፡ ሓደሓደ ግዜ ድማ ካብዚ ዝነኣሳ ክኾና ይኽእላ፡ ይብል እቲ ፀብፃብ።

ኣብ ቻይና ስልጠና ዝወሰዳ፣ ዝተሸጣን ዝተጨወያን ወይ ድማ ብቀጥታ ካብ ሰሜን ኮርያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንክመፃ ዝተገደዳ እየን።

እዘን ሰሜን ኮርያውያን ካብ ሃገረን ምስመፅኣ ኣብ ሓደ ዓመት ጥራሕ ንምንዝርና ልዕሊ ሓደ ግዘ ዝተሸጣ ከምዝኾና እውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ዝበዝሓ ኣእላፍ ስደተኛታት ሸቃሎ ናብ ዝርከብሉ ምብራቓዊ ቻይና፡ ናብ ኣመንዝራነት ብጊልያነት ዝሽየጣ እየን።

ካብ ሞንጎ እዘን ደቂኣንስትዮ ደቂ 9 ዓመት ህፃናት ከምዝርከብአን ዘቃልሐ እዚ ፀብፃብ፡ ደቂኣንስትዯ ኣብ ቅድሚ ዌብ ካም ፆታዊ ርክብ ንክፍፅማ ይግደዳ።

ነዚ ብኢንተርነት ዝግበር ፆታዊ ርክብ ዝጠልቡ (ሰብስክራይበርስ) ዝበዝሑ ዓማዊል ድማ ደቡብ ኮርያውያን ከምዝኾኑ ይግመት።

ኣብ ከባብታት ገጠር፡ ንቻይናዊ ሰብኣይ ንክምርዐዋ ዝግደዳ ሰሜን ኮርያዊያን ደቂኣንስትዮ፡ ካብ 1000 ክሳብ 50 ሽሕ ዩዋን ይሽየጣ ከምዘለዋን፡ ብሰብኡተን ድማ ከምዝዕመፃን እቲ ፀብፃብ ኣቃሊሑ።

እዚ ሓበሬታ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከባ ግዳያትን ኣምሊጠን ኣብ ደቡብ ኮርያ ካብ ዝርከባ ስደተኛታትን ከምዝኣከቦ እቲ ተሓላቒ ጉጅለ ገሊፁ።

ካብ ሰሜን ኮርያ ከተማ ቾንግጂን ዝመፅአት ፕዮን፡ "ምስ ካልኦት ሽድሽተ ሰሜን ኮርያውያን ናብ እንዳ ኣመንዝራ ተሸይጠ ነይረ። እኹል ምግቢ ኣይህቡናን፡ ብሕማቕ እዮም ዝሕዙና ነይሮም፤ ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ ፍርቅና፡ እንደገና ተሸይጥና። እቲ ደላሊ ሕማቕ ነገር እዩ ኣባይ ፈፂሙ"

"ኣብቲ ሓድሽ እንዳ ኣመንዝራ ምስ በፃሕኩ እውን፡ እቲ ደላሊ ይወቕዐና ስለዝነበረ፡ ሕብሪ ቆርበተይ ተቐይሩ፤ ካልኦት ጉጅለ እቶም ደለልቲ እውን ብበሊሕ ነገር እግርና ይቖርፁና ነይሮም" ብምባል እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈፀመ ትዛረብ።

ካሊእ ኪም ትበሃል ሰሜን ኮርያዊት ድማ፡ ኣብ ቻይና ዳልያን ብዙሓት ሰሜን ኮርያውያን ኣለዋ። ኣብ ኣፍደገ ናይ ሆቴላት ድማ መላለዪ ቢዝነስ ካርድ ነቐምጥ፥ እቲ ካርድ ብቋንቋ ኮርያ ዝተፅሓፈ እንትኸውን፡ እንህቦ ኣገልግሎት ዝተፅሓፎ እዩ። መብዛህትኡ ግዘ ናብ እናዳ ኣብያተ መስተ እዮም ዝወስዱና" ኢላ።

"ትካላት ደቡብ ኮርያ፡ ንሰራሕተኛታቶም ሰሜን ኮርያውያንያን ጊልያታት ፆታዊ ርክብ እዮም ዝደልዩ፣ ምስ ሓደ ደቡብ ኮርያዊ እየ ንግዲ ምንዝርና ተለማሚደ" ክትብል እቲ መሪር ተሞክርኣ ኣካፊላ።

ተወሳኺ ዛንታ