ኤርትራ፡ ሽገይ ሃቡኒ ሃገራዊት ሰንደቕ - ብመምህር ተወልደ ረዳ!

ተወልደ ረዳ Image copyright TEWELDE

ኣብ መፋርቕ ስሳታት፡ ርእሰ ከተማ ኤርትራ - ኣስመራ ፡ "ሽገይ ሃቡኒ!" ብእትብል ህብብቲ ሃገራዊት ደርፊ ተወዓዊዓ ነይራ። ንግሆ ርፍድፍድ ክብል ኣብ እንዳ ሻሂታት፡ ምሸት ጽልምትምት ክብል ኣብ ኣብያተ መስተን መዘናግዒታትን "ሽገይ ሃቡኒ" ዝብል ሙዚቃዊ መቓልሕ እዩ ዝስማዕ።

ኣብ ዝተፈላለየ ጎደናታት እታ ከተማ ዝርከባ ንግዳዊ ትካላት ከኣ ነዛ ብመምህር ተወልደ ረዳ ዝተደርፈት "ሽገይ ሃቡኒ!" ዘርእስታ ሰንደቕ ኣብያ እየን ዘድርፋ።

ኣይደንጎየትን፡ ሽገይ ሃቡኒ ብምሒር ምድግጋም ናብ ሃገራዊ መዝሙር ዓብያ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ፡ ኣርማ መኸተን እምቢታን ኤርትራውያን ኮይና።

ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ፡ ዓቢኡ ንእሽትኡ፡ ገባሩ ምሁሩ፡ ንጉስ ሃይለስላሰ፡ ፈደራላዊ ውዑል ኣፍሪሱ ባንዴራ ኤርትራ ብሓይሊ ኣውሪዱ፡ ንዝፈጸሞ ጎቦጣ ብምኹናን "ሽገይ ሃቡኒ" ብእትብል ዜማ፡ "እምቢ ንመግዛእቲ" ዝበለሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ልኡኽ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ካብቲ ቀንዲ ዋና፡ ካብቲ ዘያምን ደራስን፡ ሙዚቀኛን ደራፍን፡ መምህር ተወልደ ረዳ፡ ብዛዕባ እታ ሃገራዊት መዝሙርን፡ ሽዑ ዝነበረ ሃዋህውን፡ መዓስን ኣበይን፡ ከመይን ስለምንታይ ንዝብል ሕቶታት መልሲ ንምርካብ፡ ንሃገረ ሆላንድ ከተማ ሮቶረዳም ተጓዒዘ።

ኣቐዲምና ብዝገበርናዮ ቆጸራ ከኣ ምስ መምህር ተወልደ፡ ካብቲ ቀንዲ መዓርፎ ባቡር ሮተርዳም ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ባር ኢንግሊዝ ተራኺብና።

ከም ውላዱ ምስ ዝርእዮ፡ ኣቐዲመ ምስ ዝፈልጦ መንእሰይ እዩ ጸኒሑኒ መምህር - ንኣኽብሮት ከኣ ካብ መንበሩ ተንሲኡ ተቐቢሉኒ። ሰላምታ ተለዋዊጥና።

ወዲ 78 ዓመት ክነሱ ገና ድልዱል ሽማግለ ኣቦ እዩ። ድልዳለ ኣካላቱ ኣይከምቲ ብወረ ክሰምዖ ዝጸናሕኩን ዝፈራሕኩዎን። ሻሂ ሒዝና፡ ንጉዕዞይ ዝምልከትን ደሃይ ጥዕናን ሓፈሻዊ ዕላል ጀሚርና። እቲ ቀንዲ ዘገደስኒ ጉዳይ ግን ዕላል እቲ ሃገራዊ ሰንደቕ ወላዲ "ሽገይ ሃቡኒ!" መምህር ሙዚቃን ድርሰትን ዕላል ተወልደ ረዳ እዩ።

መስዩ ስለዝነበረ ብሓንሳብ ተደሪርና ንጽባሒቱ ክንራኸብ ብቖጸራ ተፈላሊና። ተወልደ ንገዝኡ ክኸይድ፡ ነታ ከም መሐለውታ ዝጥቀመላ በትሪ ዓይነ ስውራን እናምረሐ፡ ነቲ ምድሪ ብድልዱል ስጉምቲ ክረግጾ ምስ ረኣኹ፡ እዚ ሰብኣይ ሓቛፉዎ ዘሎ ታሪኽን ዝኽርን ናብ ቀጻሊ ወለዶ ንከስግር ዕድመን ጥዕናን ግዲ ይረክብ ይኸውን በልኩ ብልበይ።

ተወልደ፡ ኣቐዲሙ፡ "ምስ ሓደ ግዱስ ሃገራዊ፡ ታሪኽይ ብዝርዝር ንምስናድ መደብ ሒዘ ስለዘለኹ፡ ብዛዕባ ሽገይ ሃቡኒ ጥራሕ ኢና ከነዕልል" ክብል ኣጠንቂቑኒ ስለዝነበረ፡ ባዕሉ እንተዘይፈቒዱ ዕላልና ኣብ " ሽገይ ሃቡኒ" ዝተሓጽረ እዩ ክኸውን። ግን ሽገይ ሃቡኒ ንባዕላ መጽሓፍ እያ።

ኣብ ዘዕረፍኩሉ ቤት ኣትየ ኣብ መዳቕሶይ ምስተጎንበኹ፡ ክሳብ ድቃስ ዝወስደኒ፡ ብዛዕባ እቲ ኣዳልየዮ ዝመጻእኩ ሕቶታትን ኣብ ዕላልና ዝፍጠር ዛንታን ከሰላስል ኣምሰኹ። ንጽባሒቱ ምስ ተወልደ ኣብታ ዝተራኸብናላ ባር ተራኸብና።

መቕረጺ ማይ ክሮፎን ኣዋዲደ፡ "ተወልደ መን እዩ!" እስከ ንገረና ክብል ምስ ሓተትኩዎ?

"ተወልደ ደኣ፡ ከምቲ ንስኻን ካልኦትን ዝፈልጡዎ ሰብ እዩ" ክብል ብሓጺር መለሰለይ። ክቕጽል እናተጸበኹዎ፡ "እቲ ሕቶኻ ደሪቑ-ኖ፡ ትኽክል ሕቶ ኣይኮነን" በለኒ ሓውሲ ቁጥዕ ኢሉ።

"ሕራይ … እሞ ዘይንቕይሮ፡ ተወልደ፡ መን ምዃንካ ድሕረ ባይታኻ ዘይትነግረና" በልኩዎ ሰሓቐይ ተቖጻጺረ።

ኣብ ጸጸራት እየ ተወሊደ፡ ኣብ ኣስመራ ከኣ ዓብየን ተማሂረን። ቅድሚ ኣብ ደርፍን ሙዚቃን ምእታወይ እስፖርታዊ እየ ነይረ። ብሓጺሩ ንእስነተይ ኣብ እስፓርትን ሙዚቃን አሕሊፈዮ" በለኒ ተወልደ። ካብ ኣፉደልየዮ እምበር፡ ኣቐዲመ ካብ ብዙሓት ሰባት ብዛዕብኡ ሓበሬታ ኣኻኺበ እየ ከይደዮ።

Image copyright TEWELDE
ናይ ምስሊ መግለጺ ተወልደ (ጸጋም) ምስ መሓዝኡ

ተወልደ ተማሃራይ ኣስኮላ ቪተርዮ እንከሎ፡ ዳሕራይ ጠበቓ ዝኾኑ መምህሩ ጸጋይ እያሱ፡ "ንኺድ ናብ ትምህርቲ፡ ንሳ እያ ዓባይ ሃብቲ" እትብል መዝሙር ክዝምር እንከሎ ጽቡቕ ድምጺ ከምዘለዎ ስለዘቕለቡሉ ኣብ ቅድሚት ይሰርዑዎ ነይሮም።

ኣብ 1957 ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ውድድር ደርፊ ይካየድ'ሞ፡ ብፍቕሪ ጥበብ ዝተዓራረኾ ብዕድመ ግን ኣጸቢቑ ዝዓብዮ፡ ስሙይ ኤርትራዊ ድምጻዊ ነፍሲ ሄር ትካቦ ወልደማርያም፡ "ክትደርፍ ትኽእል ኢኻ ኣጆኻ!' ኢሉ ለማሚኑን ኣተባቢዑን ንተወልደ ኣመዝጊቡዎ።

ካብተን ተጻርየን ዝሓለፋ 13 ደርፍታት ከኣ፡ "ኣስመረተይ መዓረይ ተኽሊ ወይኒ!" እትብል ናይቲ ተለሚኑ ዝተወዳደረ፡ ዝነኣሰን ድምጻዊ ተወልደ ረዳ ደርፊ ቀዳመይቲ ወጺኣ። ተወልደ ነቲ ፍጻሜ ኣይርስዖን'ዩ።

እቲ ዕዉት ምስተሮቐሐ ህዝቢ ነቲ መድረኽ ብጣቕዒት ኣንጎድጒዱዎ። ተወልደ ንኹሎም ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፉ ገዳይም ድምጻውያን በሊጹ ጸብለል ክብል ኣይተጸበየን። ግን ከኣ ነብሱ ኣየተዓባበየን " ምናልባት ዕድመይ ርእዮም ንከተባብዑኒ ኢሎም ዝገበሩዎ'ዩ ይመስለኒ" ክብል ከኣ ነቲ ፍጻሜ ኣቕልል ኣቢሉ ይገልጾ።

ኮይኑ ግን እቲ ቐዳማይ ዝወጽአ ተወልደን፡ ካልአይቲ ዝወጽኣ መምህረ ለምለም ገብረእግዚኣብሄርን፡ ኣብ ሳልሳይ ተርታ ዝተሰርዐ፡ " ከም ኮኾብ ኣብ ሰማይ ተሰቒላ፡ መብራህቲ ተብርህ ብጩራ፡ ልበይ ደም ሰሪቡ ብፍቕራ!" ብእትብል ውርይቲ ደርፉ ዝፍለጥ ነፍሲ ሄር ድምጻዊ ትካቦ ወልደማርያም ኣብ መድረኽ ቀሪቦም ሽልማቶም ወሲዶም።

ብድሕሪኡ ተወልደ፡ ካብ መደበር ብሰለስተ ቕርሺ ጊታር ዓዲጉ፡ በቲ ኣብ ውሽጡ ዝሰረጸ ፍቕሪ ሙዚቃ ተደሪኹ፡ ደርፍታትን ኣጸዋውታን ምስራዊ ሙዚቀኛ ፈሊደር ኣል-ጠረሽ እናሰምዐ ነብሱ ክምህርን ክለማመድን ጀሚሩ።

ዳሕራይ እምበርቶ ባርቦይ ምስ ካብ ዝተባህለ ውሩይ ዓይኒ-ስውር ሙዚቀኛ፡ ትምህርቲ ሙዚቃ ቀሲሙ፡ ኣብ ኤርትራ ካብቶም ንጊታር ዘዛርቡዋ ፍሉጣት ሙዚቀኛታት ኮይኑ።

ንተወልደ ረዳን መሰልቱን፡ ዘበናዊ ሙዚቃ ዝመሃረ: ልዑል ተውህቦ ሙዚቃ ዝነበሮ፡ ኢጣልያዊ ዓይነ ስውር እምበርቶ ባርቡይ ንኹሉ ዓይነት መሳርሒታት ዝመልኽ ሊቅ-ሙዚቃ እዩ ነይሩ። ተወልደ ብኽእለትን ፍልጠትን ሙዚቃ ባርቡይ አዕሊሉ ኣይጸግብን እዩ።

ክልቲኦም ብሓባር ኮይኖም፡ ነታ ሓሙሽተ ኣውታር ዘለዋ ክራር፡ ንመዳመቒ ዝኸውን ሻድሸይቲ ገመድ ወሲኾም ከምዝሰርሑዋን ኣብ ሙዚቃ ትግርኛ ሓባራዊ ኣበርክቶ ከምዝገበሩን ይዝክር።

ተመራማሪ ታሪኽን ጸሓፍን ዳዊት መስፍን፡ " ህርመት ጊታር ተወልደ ካብቲ ፍቕሪ ሙዚቃ ዘሕደረይን እናኽሰምዖ ክሳብ ሕጂ ፍለይ ባህታ ዝፈጠረለይን እዩ" ክብል ንክእለት ተወልደ ረዳ ብኣድናቖት ይገልጾ። ዳዊት ግን ብህርመት ጊታሩ ጥራሕ ኣይኮነን ዘድንቖ።

ኣብ ስሳታት ንዓይን መዛኖይን "ሽገይ ሃቡኒ!' ብእትብል ታሪኻዊት ደርፉ፡ ሃገራዊ ፍቕሪ ዘሕደረለይ መምህር እዩ!" ብምባል እውን እዩ ዘድንቖ።

ተወልደ፡ ኣብ አእሙሮ ዳዊት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ልቢ መላእ ኤርትራዊ ዝሰፈረ ሃገራዊ ሰንደቕ እዩ።

ብሃለዋት ኣስመራ ስሳታት እናኸስተንትን ንተወልደን ሽገይ ውላዱን ብኣድናቖት ዝዝክር፡ ተኸታተሊ ድሕነት ሕጻናት ኣብ ለንደን ኣሰፋው ገብረኺዳን፡ ሽገይ፡ ብፈኲስ ቃላትን ንቡር ዜማን ዓሚቚ መልእኽቲ እተመሓላልፍ ደርፊ ብምንባራ፡ መላእ ኣብያተ ቑርስን መዘናግዒታትን ከተማ ኣስመራ "ሽገይ ሃቡኒ!" የድርፋ ምንባረን ይዝክር።

ሽገይ ሃቡኒ ዝተደርፈትሉ ምሸት ከመይ ነይሩ?

1965- እዩ። ማሕበር ትያትር ኣስመራ ኣብ ሲነማ ኦድዮን ቆጺራ ምርኢት ሒዛ ኣድነቕታን ሰዓብታን ንምሕጓስ ተዳልያ ነበረት።

ህዝቢ ከኣ ነታ ኣብቲ እዋን ልዑል ተቐባልነት አሕዲራ ዝነበረት ከም ሰንደቕ ሃገራውነት እትረአ ጉጅለ ባህሊ ንምርኣይ ብእዋኑ ሰስፍርኡ ሒዙ መደባታ ክሰምዕ ተቐረበ።

ሓደ ካብቶም ድምጻውያን፡ ተወልደ ረዳ ምስ መዘናታቱ መንእሰያት ኣስመራ፡ ኣብ ዓመታዊ ንግደት ገዳም እንዳ ኣቡነ ፍሊጾስ "ቢዘን" ውዒሉ፡ ኣማስይኡ ኣብ ሲነማ ኦዴን ስርሑ ከቕርብ ይጎዩ ነበረ። ቅድሚ ናብ ደርፍን ሙዚቃን ምዝንባሉ ንፉዕ እስፖርታዊ ብምንባሩ ንእምባ ቢዘን ብ32 ደቓይቕ ከምዝደየቦ ይዝክር ተወልደ።

Image copyright TEWELDE
ናይ ምስሊ መግለጺ ተወልደ ስፖርታዊ'ውን እዩ ነይሩ

መራሕ መደብ ማሕበር ትያትር ኣስመራ ኣርኣያ በላይ "ተወልደ ረዳ፡ ደራፋይ ጥራይ ኣይኮነን መንፈሳዊ'ውን ኢዩ። ኣብ ንግደት ቢዘን ውዒሉ እዩ መጺኡ። ሕጂ ኸኣ "ሽገይ ሃቡኒ!" እትብል ደርፉ ከስምዓና እዩ" ኢሉ ምስ ሰማዕቲ ኣላለዮ።

እቲ ኣቦ ጊታር ድምጻዊ ናብ መድርኽ መጺኡ፡ በታ ከም ሰብ ዘዛርባ ጊታሩ ገይሩ ንመእተዊ ሜሎዲ ናይታ ደርፊ ንህዝቢ ኣቕረበሉ። " ክሳብ ሕጂ ድምጺ ህርመት ጊታር ተወልደ ረዳ ክሰምዕ እንከለኹ ዝኾነ ነገር እየ ዝሰምዕ" ዝብለ ኣድናቒኡ መጎስ ብርሃነ፡ ሽዑ እውን እቲ ህዝቢ ጸጥ ኢሉ ከምዝኸውን ይግምት።

ተወልደ እውን ከምኡ እዩ ዝብል፡ እቲ ክሳብ ዓንቀሩ መሊኡ ዝነበረ ኣደራሽ ብዘይካ ህርመት ጊታር ተወልደ ሕሹኽሹኽ እውን ኣቋሪጹ ጸጥ በለ።

"ሽገይ ሃቡኒ …..ሽገይ ሃቡኒ፡ ሽገይ ሃቡኒ …. ኣይተታልሉኒ!" ነጎድጎዳዊ ድምጹ ኣቃለሐ ተወልደ። ሙዚቀኛታት በብዝሓዙዎ መሳርሒ ሙዚቃ ዓጀብዎ። ተዓዛቢ ብሓጎስ ተመሲጡ አእዛኑ ጸልዩ ጸጥ በለ።

ተወልደ ድምጺ ሕራነኡ ቀጸለ፡ "ሽገይ ሃቡኒ ….ኣይተጸብዩኒ፡ ወረ ምሳኻትኩም ዘረባ ኔሩኒ ….. ሓደ ዓርከይ ኔሩ ሽገይ ከሊኡኒ፡ ትኽእሉ እንተ ዀይንኩም ሃየ ሓግዙኒ ….. ኣመስኪረ እየ ንሓመድ ንእምኒ" እናበለ፡ ምስ ጊታሩ እናተቖጻጸየ በቲ ሓፊስ ጎረርኡ "መሰለይ" ምስ በለ፡ እቲ ህዝቢ ከም መግለጺ ሓጎሱ ዘዘለዎ ውህብቶ ክስልም ናብ ኣደራሽ ወሓዘ።

Image copyright TEWELDE

እታ ደርፊ ምስተወደአት መላእ ኣደራሽ ብናይ ይደገም ድምጺ ተናወጸ።

ተወልደ ንሰማዕቱ ንምዕጋብ ደርፊ ቀጸለ። ሰማዕቲ ግን ኣይዓገቡን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዝዛም እታ ደርፊ፡ ብፊስካን ጣቕዒትን ትደገም እናበሉ ስለዝጠለቡ፡ "ሽገይ" ንሳልሳይ፡ ራብዓይ ሓምሻይ ሳዕ ተደግመት።

ብድሕሪኡ፡ መራሕ መድርኽ ኣርኣያ በላይ፡ ካልእ ደርፍታት እውን ስለዘሎና ሕጂ ይኣኽለኩም ናብ ካልእ ክንሓልፍ ኢና ብምባል፡ ናይ ድምጻዊ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ፡ "ሓልፍ ኣቤት ኣዱንያ" ትብል ደርፊ ቀጺላ።

እቲ ነጎድጎዳዊ ድምጺ ሓጎስ ሰማዕቲ፡ ኪኖ ኣደራሽ ንግዳም ስለዝወጽአ፡ ኣብ ሲነማ ኦድየን ገለ ተረኺቡ ኣሎ ዝበሉ ፖሊስ እታ ከተማ ኣብ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም መጽኡ። እቲ ኹሉ ፊስካን ጣቕዒትን ነጎዳዊ ድምጽን ግን፡ ልባዊ ሓጎስ ዘንቀሎ እምበር ናይ ረበሻ ወይ ዕግርግር ስለዘይነበረ፡ ምኽንያት እቲ ድምጺ ሓታቲቶም ንቦተኦም ተመልሱ።

ግን ስለምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ ከጻርዩ ኣይደቀሱን። እቲ ምርኢት ምስ ተወደአ፡ እቶም መንእሰያት " ሽገይ ሃቡኒ - ሽገይ ሃቡኒ፡ ሽገይ ሃቡኒ ኣይተታልሉኒ!" ኢሎም እናደረፉ ነናብ ቤቶም ኣብያት መዘናግዒታትን ተበተኑ። መላእ ኣስመራ ብሓደ እዋን "ሽገይ ሃቡኒ!" ብዝብል ድምጺ ህዝቢ ተዓብለለ።

ንጽባሒቱ ከኣ ተወልደ ኣብ ክፍሊ መርመራ ፖሊስ ኣጂፕ ቀሪቡ ስለምንታይ ነታ ደርፊ ከምዝደረፋ ተሓተተ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ምሕደራ ንጉስ ሃይለስላሴ ይወዓዋዕ ስለዝነበረ፡ እቲ ስርዓት ህድእ ኢሉ ስርሑ ይሰርሕ ምንባሩ ይዝክር ተወልደ።

እታ ደርፊ ኣቐዲማ ሳንሱር ሓሊፋ'ኳ እንተነበረት ተወልደ ግን ስምዒት ህዝቢ ክትቅስቅስ ሰለእትኽእል፤ እንዳ ፖሊሰ ክጽዋዕ ይኽእል እየ ዝብል ግምት ስለዝነበሮ ኣብ ቅድሚ ፖሊሰ ምስ ቀረበ እንታይ ከምዝብል ተዳልዩ እዩ ነይሩ።

ስለምንታይ ነታ ደርፊ ከምዝደረፋ ምስ ተሓተተ ከኣ፡ ኣብ በዓላት ቅዱስ ዮሃንስ ሓደ መንእሰይ ሽግ ሓደ ቖልዓ ኣሕዲጉ፡ ሆየ ክብል እቲ ቖልዓ ከኣ ደድሕሪ እናኸደ፡ 'በጃኻ ሽገይ' ሃበኒ ክብል ምስ ሰማዕኩዎ እየ፡ " ናቱስ ኣይትኽልኣዮ ደኣ - ኣይትዓምጾ!" ንምባል ደሪፈያ ክብል መለሰ።

ይኹን እምበር ፖሊስ ብመልሱ ስለዘይዓገቡ ናብ ኣስራተ ካሳ ኣመሓላሊፎሙዎ።

ተወልደ ኣብ ቅድሚ ኣስራተ ከሳ ቐሪቡ እንደገና ተሓተተ። ተመሳሳሊ ምላሽ ብምሃብ ብክፍሊ ሳንሱር ከምእተፈቕዶ ንኣስራተ ካሳ ሓበሮም። ኣስራት ካሳ ግን ዋላ'ኳ ብመልሱ እንተዘይዓገቡ፤ ንክደርፋ ስለዝተፈቕዶ ከኣ፤ ካብ ምእሳሩ ምቕጽዑ ይሓይሽ ግዲ ኢሎም፤ ጸጉሩ ክላጸ ኣዚዞም።

ኣብ ስእሊ ከምዝርእዮ፡ ጸጉሩ ርእሲ ተወልደ ኣዚዩ ነዊሕ ብምንባሩ ተሰሚዑዎ ክኸውን ከምዝኽእል ብምግማት፡ "ምስተላጸኻ'ሞ እንታይ ተሰሚዑካ?" ክብል ሓተትኩዎ፡ "ተወልደ ምንም ኣይተሰመዓንን ግዳ ብትእዛዝ ኣስራተ ምስተላጸኹ፡ ንመዘከርታ ስእሊ ኣትረፈ። እታ ስእሊ ከኣ ክሳብ ሕጂ ግርም መዘከርታ እቲ ፍጻሜ ኮይናትኒ ኣላ" በለኒ።

ዳሕራይ ከምዝሰምዖ ግን ተወልደ፡ ኣስራተ ካሳ " ደሓን ግደፉዎም፡ ኣብ ዝበጽሑዎ የብሎምን ደኺሞም ክገድፉዎ እዮም" ብምለት ከምዘይኣሰሩዎ ፈሊጡ።

ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ብዓመጽ ዝተጋህሰ መሰሉ ንምምላስ ደኺሙ ኣይገዶፎን።

ፈለማ ብጽሑፍን ቃልን ናብ ንጉስ ሃይለስላሰን ማሕበረ ሰብ ዓለምን "ፈደራላዊ መሰልና ተጋሂሱ፡ ባይቶና ፈሪሱ፡ ባንዴራና ብሓይሊ ወሪዳ እዝጊ የርእኹም" ኢሉ ጠሪዑ ምላሽ ምስ ሰኣነ ኣብ 1961 ብረታዊ ቓልሲ ጀሚሩ። ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ግፍዕታት ሃይለስላሰ መሪሩ።

እንተኾነ ሽዑ እውን ህዝቢ ኣይተንበርከኸን " ሽገይ ሃቡኒ!" ብዘርእስታ ሃገራዊት መዝሙር ብድምጺን ብተግባርን ናጽነቱ ንምርግጋጽ " ሽገይ ሃቡኒ እናዘመረ ን30 ዓመታት ቃልሱ ቀጺሉ።

ተወልደ ከኣ ኣብቲ ሃገራዊ ቓልሲ ብኹለንትንኡ ተጋዲሉ። ድሕሪ 1965 ዝማዕበለ ኩነታት እምበኣር ኣብ ዝቕጽል ክፋል ክንድህስሶ ኢና - ተኸታተሉና።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት