ሕክምና፡ 'ኤም ኣር ኣይ' እንታይ እዩ?

ምርመራ ካንሰር Image copyright skynesher/Getty Images

ዝተሓላለኹን ቅድም ክብል ንምልላዮም ኣጸገምቲ ዝነበሩን ሕማማት፡ ከምኡ ድማ ኣብ ኣካላትና ዘሎ ኣበር ፈሊኻ ንምርኣይ፤ ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ኤምኣርኣይ ዝተብሃለ መሳርሒ ኣብ ረብሓ ክውዕል ጀሚሩ ኣሎ።

ኤምኣርኣይ ብራድዮዌቭን ማግኔትን ተሰሪሑ ንግልጋሎት ሕክምና ዝውዕል ማሽን እንትኾን ኣብ ኣካላትና ዘሎ ሕማም ብቐሊሉን ብንጹርን ዘርኢ መሳርሒ ሕክምና እዩ።

ኣብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ፡ ራድዮሎጂስት ዝኾነ ዶክተር ሳምሶን ኣሽኔ፡ ጎናዊ ሳዕቤን ብዘይብሉን ዝቐለለን መገዲ ሕማም ንምፍላጥ ዘኽእል መሳርሒ ከምዝኾነ ይዛረብ።

በዚ ምኽንያት ንግልጋሎት ሕክምና ካብ ዝውዕሉ ማሽናት ዝሓሸ እዩ።

ኣብ ከይዲ ሕክምና ዘጋጥሙ ግድፈታት ኣብ ምቅላል ድማ ዓብዪ ተራ ከምዝጻወት ሰብ ሞያ ይገልጹ።

እቲ መሳርሒ፤ ዓበይቲ ብማግኔት ዝሰርሑ ቱቦታት ዘለዎ እንትኾን፡ ስብ ሞያ ሕክምና ብዓይኖም ክርእዩዎም ዘይክእሉ ኣካላት ሰብትን ሕማማትን ብቐሊሉ ክፈልጡ ይሕግዞም።

ኣብ ኣየኖት ምርመራታት ኤምኣርኣይ ንጥቀም?

እዚ መሳርሒ ሕክምና፤ ክንድቲ ዝግበኦ ኣብ ረብሓ ከምዘይወዓለን ብዙሓት መጽናዕቲ ይካየደሉ ከምዘሎን ዶክተር ሳምሶም ይዛረብ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ ኣብ ጸገማት ሓንጎል፣ ዓንዲ ሑቐ፣ ከብዲ፣ ካንሰርን ኣብ መላግቦታትን ንዘጋጥሙ ጸገማት ንምምርማር ዝሕግዝ ናይዚ ዘመን መሳርሒ እዩ።

ብፍላይ፤ ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ዝኽሰቱ ሕማማትን ሕበጣትን ምፍላጥ ኣዝዩ ከቢድ ከምዝነበረ ዝገልጽ እቶም በዓልሞያ፤ ቅድሚ ሕዚ 'ሲቲ ስካን' ዝበሃል መሳርሒ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ነይሩ።

ኤምኣርካይ፡ ንሲቲ ስካን ስዒቡ ዝመጸ መሳርሒ እዩ።

''ንኣብነት፤ እዚ መሳርሒ፡ ኣብ ሓንጎል ሕበጥ ኣሎ ዶ የለን? ዝብል ይነግረና። ብተወሳኺ እቲ ሕበጥ እንታይ ዓይነት ባህሪ ኣለዎ? ትሕዝቶኡ እንታይ ይመስል? ሕክምንኡ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ'' ይብል ዶክተር ሳምሶን።

''ሕክምና ምስተገበረ እውን እንተኾነ 'እቲ ሕክምና ዕውት ድዩ?' ዝብል ንምፍላጥ እቲ መሳርሒ ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ"

ኣብ ሞንጎ ኤምአርአይን ሲቲስካንን ንዘሎ ኣፈላላያት ከረድእ እንከሎ፤ ሲቲ ስካን ሕማማትን ኣብ ሰብነት ዝተፈጠሩ ኣበራትን ንምልላይ ጨረር እዩ ዝጥቀም። ስለዝኾነ ድማ ልዑል ጥንቃቐ የድልዮ ይብል።

ምርመራ ሲቲስካን ኣብ ዝግበረሉ እዋን፤ ብፍላይ ህጻናት ናብ ልዑል መጠን ጨረር ከይቃልዑ ጥንቃቐ ምግባር የድሊ።

''ኤምኣርኣይ ግን ንምርመራ ሓይሊ ማግኔት ጥራይ ስለዝጥቀም፤ ጎድናዊ ሳዕቤን የብሉን። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት፤ ኣብ ሰብነት ናይቲ ተሓካሚ ሓጺናዊ ነገራት እንተልዮም ግን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ንሕና'ውን ግን ኣድላዪ ምጽራይ ድሕሪ ምግባር ኢና ናብ ምርመራ ኤምኣርኣይ እንሰዶም" ይብል።

ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ንዘሎ ነገር ኣጽርዩ ኣብ ምርኣይ፤ ኤምኣርኣይ ካብ ሲቲ ስካን ብልጫ ከምዘለዎ እቲ በዓል ሞያ ይዛረብ። ንሱ ከምዝብሎ፤ ኣፈላላዮም ኣብ መንጎ ናይ ቀደም ካሜራን ዘመናዊ ካሜራን ብዘሎ ኣፈላላይ ምግላጽ ይከኣል።

ኤም ኣር ኣይ ኣብ ሰብነትና ንዝርከቡ ቦታታት፤ ንጹር ብዝኾነ መልክዑን ንውሳነ ብዝቐልል መገድን ዘቕርብ ክኸውን ከሎ፤ ናይ ሲቲ ስካን ንጹርነት ምስሊ ግን፡ ምስ ኤምኣርኣይ ክወዳደር እንከሎ ትሑት እዩ።

ግን ከኣ ይብል እቲ በዓል ሞያ፤ "ኩሎም መሳርሕታት ኤምኣርኣይ ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት የብሎምን። ኣብ ውሽጦም ብዘሎ መጠን ቱቦ ማግኔትን ኣጉልሒካ ናይ ምርኣይ ዓቕምን፤ ኩሎም ነናቶም ኣሰራርሓን ረብሓን ኣለዎም" ይብል።

ኣብ ገለ ኣጋጣምታት ግን፡ ሲቲ ስካን ዝምረጸሉ ኩነታት ከምዘሎ ዶክተር ሳምሶን የረድእ።

ንኣብነት፡ ሓደጋታት ምስ ዘጋጥሙን ተሓከምቲ ህጹጽ ምርመራ ምስ ዘድልዮምን ሲቲስካን ተመራጺ ይኸውን። ምኽንያቱ፤ ሲቲስካን ብቕልጡፍ እዩ ውጽኢት ዝህብ። ኤምኣርኣይ ግን ብውሕዱ 30 ደቒቕ ክወስድ ይኽእል።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት