ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ጃፓን ዝቕበሎ ሽልማት እንታይ እዩ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ Image copyright TORU YAMANAKA
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር፡ ሃይለማርያም ደሳለኝ ጽባሕ ሓሙስ ካብ ጃፓን ሽልማት ክቕበል እዩ።

እዚ 'ንጉሳዊ ሽልማት ሃገረ ጃፓን' ካብ 2003 ኣትሒዙ ዝወሃብ ዘሎ ኮይኑ፤ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ድማ 142 ወጻእተኛታት ክሽለሙ እዮም።

ካብዞም ተሸለምቲ ሓደ ዝኾነ ቀዳማይ ሚስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ፤ ነቲ "ኦርደር ኦፍ ዘ ራይዚንግ ሰን" ዝተብሃለ ኒሻን እዩ ክሽለም።

እቲ ጽባሕ ሓሙስ ዝግበር ጽምብል ሽልማት፤ ኣብ ንጉሳዊ ቤተመንግስቲ ዝካየድ ኮይኑ፡ ሓድሽ ንጉስ ሃገረ ጃፓን ናሩሂቶ፡ ከምኡ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ሺንዞ ኣቤ ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ ክካየድ።

እዚ ሽልማት፡ ዓመታዊ እዩ ዝግበር። ኣብዚ ናይ 2019 ሽልማት፡ ንግስና ናሩሂቶ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ክሳብ ዝፍጸም ድሕሪ ምጽባይ፡ ኣስማት ተሸለምቲ ካብቲ ዝተለመደ እዋን ደንጉዪ እዩ ተረቝሑ።

ካብቶም ነዚ ሽልማት ዝወስዱ ወጻእተኛታት ብተወሳኺ፤ ልዕሊ 4 ሽሕ ጃፓናውያን ነዚ ልዑል ሽልማት ኒሻን ክቕበሉ እዮም። ካብዞም ተሸለምቲ፤ እተን 401 ጥራሕ እየን ደቂ ኣንስትዮ።

ሃይለማርያም ንምንታይ ይሽለም ኣሎ?

እዚ ሽልማት ንወጻእተኛታት ክወሃብ ከሎ፤ እቶም ተሸለምቲ ኣብ መንጎ ሃገሮምን ጃፓንን ኣብ ዝህሉ ርክባት ንዝገበርዎ ልዑል ኣበርክቶ እዩ ኣብ ግምት ዘእቱ።

በዚ መዳይ ድማ፤ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ንክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ጃፓንን ከምዘጠንከረ፤ ከምኡ ድማ ብመገዲ 'ዋዕላ ቶክዮ ንልምዓት ኣፍሪቃ (TICAD)' ኣቢሉ ጃፓን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ግደ ክምዕብል ኣበርክቶ ከምዝገበ መንግስቲ ጃፓን ይገልጽ።

ሃይለማርያም ደሳለኝ፤ ኣብ 2013 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሾንዞ ኣቤ ብምዃን ን 'ዋዕላ ቶክዮ ንልምዓት ኣፍሪቃ (TICAD)' ብኣቦመንበርነት መሪሑ እዩ።

ብተወሳኺ ድማ፤ ግደ ጃፓናውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንክምዕብል ግደ ከምዝነበሮ ይግለጽ።

ነዚ ሽልማት ዝወሰዱ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣለዉ ዶ?

ኣብ 2018፡ ኣርከበ ዑቕባይ (ፒኤችዲ) ነዚ "ኦርደር ኦፍ ዘ ራይዚንግ ሰን" ዝበሃል ኒሻን ተሸሊሙ እዩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ 2015፤ ኣማኻሪ ቁጠባዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣይተ ነዋይ ገብኣረብ ነዚ ስልማት ተቐቢሉ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት