ኣብ ቨርጂንያ መራሒ ታክሲ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ሶማላዊ ገበነኛ ኲናት

እቲ ንታሪኹ ዘቃልዕ ሰነዳዊ ፊልም ምስ ተቓልሐ ዩሱፍ ካብ ካናዳ ናብ ኣሜሪካ ግዒዙ Image copyright CBC
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ንታሪኹ ዘቃልዕ ሰነዳዊ ፊልም ምስ ተቓልሐ ዩሱፍ ካብ ካናዳ ናብ ኣሜሪካ ግዒዙ

ኣብ እዋን ኲናት ሕድሕድ ሶማል ገበን ብምፍጻሙ ክድለይ ዝጸንሐ ሶማላዊ፡ ኣብ ግዝኣት ቨርጂንያ መራሕ ታክሲ (ኡበር) ኮይኑ ይሰርሕ ምንባሩ ሓደ ቤትፍርዲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፋርሃን ጣኒ ዋርፋ ዝተብሃለ ሶማላዊ፡ ኮሎኔል ዩሱፍ ኣብዲ ዓሊ ብጥይት ከም ዝሃረሞን ከምዘሳቐዮን መስኪሩ።

ዩሱፍ ዓሊ ኣብ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ኣዛዚን ደጋፊ ውልቀመላኺ ሙሓመድ ስያድ ባረ ምንባሩ ሰነዳት ቤትፍርዲ የመልክቱ።

እንተኾነ ግና ዓሊ ክሳብ ቀረባ መዓልትታት ከይተፈለጠ ኡበር ኣብ ዝበሃል ኣገልግሎት መጉዓዝያ ኣብ ዝህብ ትካል፡ ክሰርሕ ጸኒሑ።

ዩሱፍ ዓሊ፡ ነቲ ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ፋርሃን ዋርፋ ዝተኻየደ ምስቓይ፡ ተሓታቲ ምዃኑ፡ ብሰሉስ ኣብ ቨርጂንያ ዝወዓለ መጋባእያ ኣረጋጊጹ። በዚ ድማ ፈርሃን 500,000 ዶላር ክከሓስ ኣዚዙ።

እቲ ኣብ 2004 ጥርዓኑ ናብ ቤትፍርዲ ዘቕረበ ፋርሃን ዋርፋ፡ በቲ ብይን ሕጉስ ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"በዚ ውጽኢት ኣዝየ ዕጉብ'የ" ኢሉ።

ንሱ ኣብ 1987 ብወትሃደራት ዩሱፍ ዓሊ፡ ኣብ ሰሜናዊ ሶማል ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ፡ ከም ዝተጨውየ ገሊጹ።

ንኣዋርሕ ድማ፡ ካብ ዩሱፍ ዓሊ ብዝወሃብ መምርሒ፡ ብመርመራ፡ ምቕጥቃጥን ብጥይት ብምህራምን ከም ዝተሳቐየ ተዛሪቡ።

ሞይቱ ኢሎም ንክቕበር ከም ዝገደፍዎ ዝገልጽ ዋርፋ በቶም ቀባሮ ክድሕን ከም ዝኸኣለ ሓቢሩ።

ኣብ እዋን ስያድ ባረ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ዝነበረ ኮሎኔል ዩሱፍ ዓሊ፡ ንብዙሓት ሰባት ከም ዘሳቐየን ዝቐተለን፡ ኣብ 1992 ብመደበር ቴለቪዥን ካናዳ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም እዩ ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ እቲ ፊልም ዝተዘርግሓሉ እዋን ዓሊ ኣብ ቶሮንቶ እዩ ዝቕመጥ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት