ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣደ ምስ ክልተ ደቃ 'ክትቐትል ዝፈተነት' ሰራሕተኛ ገዛ ይሃድን ኣሎ

ኣርማ ኮሚሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ Image copyright ADDIS ABABA POLICE COMMISION/FB

ምኽትል ዳይሬክተር ኢንዶክትሪኒሽንን ህዝባዊ ርክባትን ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካ ፈንታ፡ እቲ ገበን ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ኣቃቂ ቃሊቲ ክፍለ ከተማ ከም ዝተፈጸመ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ተጠርጣሪት መውቀጢ ቡን ተጠቒማ ነታ ደቂሳ ዝነበረት ኣደ [ኣስራሒታ] ብምውቃዕ፡ ንጓል ሰለስተ ዓመት ጓላ ኣብ ክሳዳ ብበሊሕ ነገር ወጊኣታ። ሳልሰይቲ ግዳይ ድማ ቆልዓ ሓደ ዓመት ኮይና ኣብ ኣፋን ኣፍንጨኣን መድመይቲ ኣጋጢምዋ'ያ ተረኺባ" ኢሉ።

እታ ተጥርጣሪት ነቲ ተግባር ብምፍጻም ደሃያ ከም ዘጥፍአት ዝሓበረ ኮማንደር ፋሲካ፡ ፖሊስ፡ ክትርከብ ኣብ እትኽእለሎም ቦታታት ኣባላቱ ብምውፋር ይሃድና ምህላዉ ሓቢሩ።

"ክሳብ ሕዚ መንቀሊ እቲ ገበን ኣይተፈለጠን። ብዝካየድ ምርመራ ዝርከብ ክኸውን'ዩ። ተበዳሊት [ሆስፒታል ዘላ] ነቲ ኩነታት ክትገልጸልና ስለዝኾነት ቅድሚ ሕዚ ዘጓነጸን ነገር ምንባሩን ዘይምንባሩን ክንፈልጥ ንኽእል ኢና" ክብል ኣረዲኡ።

ኩነታት ጥዕና ኣዶን ክልተ ደቃን ኣብ ጽቡቕ ከም ዝርከብ ካብ ሓኻይም ከረጋግጹ ምኽኣሎም'ውን ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት