ኤርትራ፡ ኣብ ምብዓል መበል 28 ዓመት ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት

ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ካርኒቫላ ኣብ ጎደና ሰማእታት ግንቦት 2019 Image copyright MOI

ኣብ 2003 ኣብ ዝተኸበረ መዓልቲ ናጽነት፡ 'ኣፍራዛ' ዝተሰምየት ኮሜዲያዊት ድራማ፡ ደሪሱን ኣልዩን ንዘቕረበ ጸሓፋይ ኣሚር ዮውሃንስ፡ 24 ግንቦት፡ 'እታ ዝዓበየትን ዝኸበረትን' ዕለት'ያ።

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ 24 ግንቦት 1991 ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ዝተቐንጠጠላ መዓልቲ ስለ ዝኾነት ዓባይን ድምቕትን'ያ።

ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ፡ ከም ልብሲ ክማሙቖላ፡ ከም መግቢ ክዕንገለላ፣ እምነቱን መንነቱን ብኹርዓት ዝገልጸላ፣ ሕሉፍ ብድሆታቱ ንሎሚ ተስፋ ክትኸውን ይምነያ።

ጎደናታት ሓርነትን ሰማእታትን ድማ፡ ብመብራህቲ ደሚቐን፣ ብደርፍታት ናጽነትን ዓወትን ዓሚረን፡ ህዝቢ ከካብ ቤቱ እናወጽአ፡ ብሳዕስዒትን ጓይላን መዓልቲ ሃገራዊ ናጽነቱ ዘኽብረለን ዓበይቲ ጎደናታት ስለ ዝኾና፡ ኣብ ታሪኹ ፈጺመን ኣይሃሳን።

ገጠምቲ፡ ጸሓፍቲ፡ ሙዚቀኛታትን ጋዜጠኛታት ድማ፡ ነዛ በብዓመቱ እትጽምበል 'ፍልይቲ ዕለት'፡ ብብዕርዖም ሞጊሶማ፡ መብጽዕኦም ኣሐዲሶሙላ፣ ህዝቢ ኣለዓዒሎምላን ትርጉም ሃገራዊ ናጽነት ኣጉሊሖሙላን።

"ራኢ ዓድና ከመይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ዝክኣለና እነቕርበሉ ዝነበርና መዓልቲ ሓጎስ'ዩ" ዝብል ጸሓፊ ኣሚር፡ እንተኾነ፡ "እዚ በዓል ድሕሪ ምስ ወያነ ዝተኣተወ ኲናትን ምእሳር ዜጋታትን ትርጉሙ እናሃሰሰ መጺኡ'ዩ" ይብል።

"ኲናት፡ ዕንወትን ጥፍኣትን'ዩ" ዝብል እምነት ዘለዋ ውርይቲ ገጣሚት ሩማና ብርሃኑ፡ ኣብ ኩናት ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ ግንባር መረብ ሰቲት ጸጋመይቲ ኢዳ ሰንኪላ'ያ።

ሩማና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ድፋዓት፡ ብዙሕ ደሪፋን ገጢማን። ን24 ግንቦት'ውን በቲ ዘይነጽፍ ብርዓ ሸሊማታ። ሩማና ኣብዛ ዕለት ዘይትርስዖ ኣጋጣሚ እንታይ ይኸውን?

"ብ1999 ኣብ ዝተኸበረ መዓልቲ ናጽነት፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝካ ኢድካ ሓፍ ኣብሎ ክብሃል ከሎ ዝሓደረኒ ስምዒት ዕሙቕ ዝበለ ነይሩ። ጸጋመይቲ ኢደይ ተሃሪመ ስለ ዝነበርኩ ግን፡ ስለ ምንታይ ዘይትሕዘኒ ኢሉ ኣብ ካልእ ስምዒት ዝኣተወ ብጸጋማይ ጎነይ ዝነበረ ሰብ ፈጺመ ኣይርስዖን" ትብል።

ድሕሪ ናጽነት ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ "መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት" ዝብሉ ጽሑፋት ይዳለው ነይሮም።

እዞም ጽሑፋት ብጀግንነት ንሃገር ንዝተበጀው ጀጋኑ ዝዝከርሉ ምንባሩ፡ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ትዳሎ ንዝነበረት ጋዜጣ 'ኤሪትሪያ ፕሮፋይል' ዝጽሕፍ ዝነበረ ጋዜጠኛ ቴድሮስ ኣብርሃም ይዛረብ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ መዳይ ስነ ጽሑፍን ጋዜጠኝነትን ንዝመጽአ ለውጢ ልዑል ክብርን ተዘክሮን ዘለዎ ጋዜጠኛ ኣብርሃም፡ "ጋዜጣ ተሰሪዕና ንገዝኣሉ፣ ደንጒዩ ኢልና እንጽበየሉ እዋን ብዙሕ ነይሩ" ይብል።

Image copyright AFP

ክሳብ መጀመርታ 2001 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፡ ሓደሽቲ ጸሓፍቲ ዓምቢቦም፡ ብሰፊሑ ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ ዝተርኣየሉ፣ ቋንቋ ትግርኛ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ዝበጽሓሉ፤ ብዙሓት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት'ውን ዝተርኣይሉ እዋን'ዩ ነይሩ።

"ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ እቲ ተነፊጉና ዝነበረ ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ ተቐንጢጡ፡ ንዝተርኣዩ ጌጋታት ምንቃፍ ዝተጀመረሉ፣ ዝጽሓፈሉ ግዜ ነይሩ። እቲ ዝበረኸ ናይ ጋዜጠኝነትን ስነ ጽሑፍን ግዜ ነይሩ'ውን ክብል ይደፍር" ኢሉ።

ጋዜጠኛ ቴድሮስ ኣብ ዓመታዊ መዓልቲ ናጽነት፡ ብፍሉይ ክዝክሮ ዝደሊ ግን፡ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናጽነት ኣቢሉ ዘቕረቦ 'ናጽነት ደረስቲ' ዝብል ዓንቀጽ'ዩ።

ነጥቢ እቲ ጽሑፍ፡ ጽሓፍቲ ንመራሕቲ ከይነቐይም ኢሎም ናጽነቶም ኣጉዲሎም ከይጽሕፉ፣ ሃናጺ ነቐፌታ ካብ ምቕራብ ከይቑጠቡ፣ እቶም መራሕትና ድማ፡ ነቲ ናይ ደራሲ ናጽነት ከይግድቡ ዝምሕጸን ዓይነት ጽሑፍ'ዩ ነይሩ ይብል።

"ናጽነትና ተጨውዩ"

24 ግንቦት፡ ዳርጋ ብሙሉኡ ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ዝተወለደላ ዕለት'ያ ኣብ ዝብል ኣምር ብዙሓት ይሰማምዑ።

"መዓልቲ ናጽነት ንዓይ ኤርትራዊ ንክኸውን ዝገበረት ዕለት'ያ" ዝብል ጸሓፊ ኣሚር ዮውሃንስ፡ ምእንቲ እዛ ዕለት ዝሓለፉ፡ ዝወደቑ፣ ዝሰንከሉ መንእሰያትን ኣያታትን ኣለውና ኢሉ።

እንተኾነ፡ እቲ ንብህጎ ዝነበርና ካልእ፤ እቲ ዘጓነፈና ድማ ካልእ ብምኻኑ፡ መዓልቲ ናጽነት፡ ሕጂ ኮይነ ክርእዮ ከለኹ ብጣዕሚ'የ ዝሓዝን ዝብል ጸሓፊ ኣሚር፡ "ናጽነትና ተጨውዩ'ዩ፡ ንዓና ብዘይሓርነት ከም እንተርፍ ተገይሩ። በዚ ብልቢ ይሓዝን" በሃሊ'ዩ።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነተ ኲናት ዘኽትም ስምምዕ ካብ እትገብር ናብዚ፡ ነቶም ኣብ መሓዩር ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ክትፈትሕ፣ ናጽነት ሃይማኖታት ክተረጋግጽ፣ ዲሞክራሲያዊ ስግግር ክግበር ተሓቲቱ'ዩ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታት ኾነ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለው መራሕቲ ሃይማኖት'ውን፡ ምሕረትን ሕድገትን ተገይሩ ሃገራዊ ዕርቂ ክፍጸም፣ ቅዋማዊ መንግስቲ ክምስረትን ካልኦት ለውጢታት ክግበሩን ይሓቱ።

Image copyright Alexis ORAND/Getty Imees

ኣብ 2016 ብመዓልቲ ናጽነት ተደሪኹ 'መርዓት ዘይብሉ ሕጽኖት' ዝብል ጽሑፍ ዝጽሓፈ ገጣሚ ጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ) "I came from a country Whose government is stolen፡ From the people!" ዝብል ኣብ "The Icarus Ajenda" እትብል መጽሓፍ ዘሎ ዘረባ ሓደ ገጸ ባህሪ ጠቒሱ "ልክዕ ከማይ ከምታ ናተይ ሃገር" ክብል'ዩ ኣብቲ ናብ ቢቢሲ ብጽሑፍ ዝለኣኾ ጦብላሕትኡ ዝገልጽ።

"ኤርትራ ሕጂ'ውን መንግስታ ካብ ህዝባ ዝተሓድገ ሃገርና'ያ " ዝብል ጸጋይ መሓሪ፡ በዓል ናጽነት ካብ ግላዊ ናጽነት ተፈልዩ ዝርኣይ ዘይምኻኑ ክስመረሉ ይግባእ ዝብል እምነት ኣለዎ።

ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ጎዳጉዲ ማይስርዋ ዘሕለፈ ጸጋይ መሓሪ "ኩል ግዜ ምእሳረይ ዘይኮነስ ኣታኣሳስራይ'የ ዘስተንትኖ" ይብል።

ሓደ ምሸት፡

ዝጎየሉ ግዜ እናጎየየ

ዳሓን ኩን ኢለዮ ተኾርምየ

ኣይደንገጸለይን! ጎኒጹኒ ተዓዚሩ

ሕብራዊ ክታም ኣብ መመር ህይወተይ ኣቢሩ . . . ዝብል ግጥሚ ጽሓፍኩ" ዝብል ጸጋይ መሓሪ፡ በዛ ግጥሚ ገይረ ግን ናብቶም ኣብ ዘመነ "ናጽነት" ኣብ ዝተሃንጸ ጎዳጉዲ ዘባኸንዎም ዜጋታት ዘኪረ'ዩ ዝብል።

"እንሆ ሕጂ ድማ ኣብዚ "ናጽነት" ደልየ ዝተሰደድኩሉ ሃገር ኮይነ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዘመነ "ናጽነት" ኣብ ሲናይ ዝተሓርዱን ኣካሎም ዝተሸጡን፣ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪን ኣብ ሳሃራን ንቡር ቀብሪ ዘይረኸቡ ሰባት የስተንትን ኣለኹ" ይብል።

ናጽነት፡ በብደረጅኡ ንዘሎ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክንፈግ ዘይግበኦ እዩ፤ ናይ ሕብረተሰብ ማሕበረ-ቑጠባውን ፖለቲካውን ድሌታት፣ ስምዒታት ንዘንጸባርቑ ጸሓፍቲ ድማ ክድረት ከም ዘይብሉ እቶም ጽሓፍቲ ይዛረቡ።

ኣብ ኤርትራ ድሕሪ መስከረም 2001 ዝተርኣየ ምዕጻው ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ምእሳር ኣሰናዳእቲ እተን ጋዜጣታትን ነቲ ኣብ መጀመርታ ዓመታት ተራእዩ ዝነበረ ናጽነት ፕሬስ ብኸቢድ ጸሊዩዎ'ዩ።

ኣሚር ዮውሃንስ "ኣብቲ መጀመርያ ቁሩብ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ርኢና ነይርና ኢና። ኩሉ ነገር ምስ ተዓጸወ ግን፡ ኩሉ ነገር ኣብ ኩሉ መዳይ ንመዓሙቕ ክኣቱ ከሎ ኢና ርኢና። ብዘይ ናጽነት ክስራሕ ዝኽእል ነገር የለን። ናጽነትና ስለ ዝተጓዕጸጸ፥ ስለ ዝተሰርቀ፣ ስለ ዝተጨውየ፡ ከምቲ ኩሉ ነገር ዝጠፈአ፡ ኣብ ሃገርና ስነ ጥበብ'ውን ጠፊኡ'ዩ" ይብል።

መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ኣብ ጋዜጣታት ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ልሳን ናይ መንግስቲ ዝኾና ጥራይ ስለ ዝተረፋ "በቲ ዝድለ ብቕዓት ጋዜጠኝነት እተርእየሉ፣ ሓሳብካ ብናጻ እትገልጸሉ ኣይኮነን" ይብል ጋዜጠኛ ቴድሮስ ኣብርሃም።

ካብቲ ኣፈጣጥራና ዘይንጸል፡ መሰል ሓሳብካ ብናጸ ምግላጽ'ዩ ዝብል እዚ ጋዜጠኛ፡ ዝሓስብ ሰብ ክጽሕፍ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ንሰብ ኣይትሕሰብ ክትብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ'ዩ ዝብል።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብብዙሓት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ብተደጋጋሚ ኽሲ ዝቐርበሉ ዘሎ ስርዓት'ዩ።

ኣብ ዝተፈላላያ ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዘለው ብዙሓት ኤርትራውያን ድማ፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ብዝጀመሩዎ ምንቅስቓስ 'ይኣክል' መዓልቲ ናጽነት እዚ ዓመት፡ ኣብ ሃገርና የለን ንዝብሉዎ ዲሞክራሲ፣ ናጽነትን ምልካዊ ምሕደራን ይኣክል እናበሉ ከም ዘኽብሩዎ ይዛረቡ።

ልኡላውነት ሃገር ካብ ዝረጋገጽ ሰላሳ ዓመት ቐሪቡ'ኳ እንተሃለወ፡ ዲሞክራሲያዊ ዝኾነ ስርዓት ግን ኣብ ሃገርና ኣይተሃነጸን ዘሎ ዝብል ኣብርሃም፡ "እዚ ሕጂ ክንዛረበሉ ጀሚርና ዘለና ንኹልና ብማዕረ ዘሳትፍ ሃገራዊ ስርዓት ክህልወና'ዩ እቲ ጠለብ" ኢሉ።

ኤርትራዊ፡ ጉዳይ ሓርነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ'ዩ ዝበለት ገጣሚት ሩማና ብርሃኑ ብወገና፡ መዓልቲ ናጽነትና ብጓይላ ዘይኮነ ነቶም ንናጽነት ዝሓለፉልና ዝሰንከሉልና ሞሳ እናኸፈልና፡ ምዕባለ እንዳርኣና እምበር ሕብራዊ ጨርቂ እናቐየርና ባንዴራ እናተኸደንና ምብዓል ኣይኮነን ትርጉም ዝህልዎ ትብል።

"ህዝቢ ኤርትራ ወጽዕኡ፣ እቲ ዝተኾልፈ ዕድላቱ ገሚቱ፡ እዛ ዕለት እዚኣ ሓርነቱ ዘረጋግጸላ ክኸውን ይምነ። ተገዲድኻ ንዘይትኣምነሉ ነገር ክትገብር ስቕታ ድማ ይኣክል" ይብል ኣሚር።

ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን፡ እዚ ብዓል'ዚ ክኽበር እደልዮ'የ ዝበለት ሩማና ግና፡ "ኤርትራ ማንም ሰብ ከሕድጋ ዘይኽእል ነጻን ሉኣላዊትን ሃገር ዝኾነትሉ ዕለት'ዩ። እዚ ከኣ ሶማል ናጽነት ዘይብሎም ክንሶም ኣብ ወርሒ ሽዱሽተ መዓልቲ ናጽነቶም የብዕሉዎ'ዮም፣ ሽወደን ተኽብሮ ካልእ ሃገር'ውን ተብዕሎ" ኢላ።

ብኣውርኡ እቲ ሕጂ ኣብ ጣውላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተወዲኡ ዘሎ ናይ ሰላም ኩነታት፡ ቅድሚ'ቲ ንሕና ምጥፋእና ተወዲኡ ነይሩ እንተዝኸውን ናይ ብዙሓት ህይወት ምተዓራረየ ኢለ ይሓስብ ዝበለት ሩማና፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ካልኦት ሰባት ህይወት ከይጠፍእ ንኹሉ ትምህርቲ ክኾኖ ኣለዎ'ያ ትብል።

እዚ ኮይኑ ግን፡ መሪሕነት ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መዝነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ጀሚሩዎ ዘሎ ዕርቀ ሰላም እዘን ክልተ ሃገራት፡ ዳግማይ ንሉኣላውነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ዘውድቕ ከይኸውን ብዙሓት ስግኣቶም ይገልጹ።

ተወሳኺ ዛንታ