“ዕብየት ከተማታት ንብዝሐ-ህይወት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ኣሎ” ዶ/ር መለሰ ማርዮ

ንህቢ ዕንባባ እናመጸየ Image copyright Sean Gallup

ሎሚ ዓለማዊ መዓልቲ ብዝሐ-ህይወት 'Our Biodiversity, Our food, Our Health' ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ተዘኪሩ ይውዕል ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ'ውን 'ብዝሐ-ህይወት ሃብትና፡ ምግብና ጥዕናና' ብዝብል ይኽበር ኣሎ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ "መሰረት ህይወት ደቂ ሰብ ንዝኾነ ብዝሐ-ህይወት ንሓልው ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ብዝሐ-ህይወት ናይ ደቂ ሰብ መግቢ፡ ጥዕና ብዓቢኡ ድማ ናይ ህልውና መሰረት ብምዃኑ ልዑል ሓለዋ ክግበረሉ ከም ዝግባእ ክኢላታት ይዛረቡ።

ብፍላይ ብከላ ኣየርን ክሊማዊ ለውጥን ስግኣት መላእ ዓለም ድሕሪ ምዃኖም፡ ሓለዋ ብዝሐ-ህይወት መዘራረቢ ዛዕባ መራሕቲ ሃገራት ኮይኑ ኣሎ።

ሃብቲ ብዝሐ-ህይወት ኢትዮጵያ ገጢምዎ ዘሎ ፈተና እንታይ'ዩ? ክንብል ንዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ብዝሐ-ህይወት ኢትዮጵያ ዶክተር መለሰ ማርዮን ተወኪስናዮ።

Image copyright Eric Lafforgue/Art in All of Us

1. ናይ ከተማ ምስፋሕ

ዶክተር መለስ ከም ዝብሎ፡ እቲ ቀንዲ ኣብ ብዝሐ-ህይወት ኢትዮጵያ ጸቕጢ ዝፈጥር ዘሎ፡ ናይ ከተማታት ምስፋሕ እዩ።

ምስፋሕ ከተማ፡ ብዝሐ-ህይወት ንዝርከብሎም ከባቢታት ኪንዮ ምዕናው፤ ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ'ውን ንምውሓድ ዕጸዋት ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።

"ሰባት ዝምገብዎም ዕጸዋት ዝርከቡሉ ከባቢታት ኣዝዮም እናወሓዱ እዮም" ዝበለ እቲ ዋና ዳይሬክተር፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 92ሽሕ ሄክታር ጫካ ከም ዝበርስ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝተካየደ መጽናዕቲ ከም ዘርእይ ጠቒሱ።

ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕዛእትታት ንዝኽሰቱ ባርዕ ጫካ ምኽንያት እዮም። ካብዚ ብዘይፍለ ምስፋሕ ከተማታት ንዕጸዋትን እንስሳታትን ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ኣሎ ኢሉ።

2. መበቆላውያን ዘይኮኑ ጅር

'ወረርቲ' ዝበሃሉ ጅር (ስፒሺስ) ሃብቲ ብዝሐ-ህይወት ኢትዮጵያ ከንቆልቁል ምኽንያት ኮይኖም እዮም።

"ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ሃጓፍ ስንጭሮ፡ 1.8 ሚልዮን ሄክታር ዝኸውን ስፍራ ሒዞም ኣለው። ከም ኣብነት ነቲ ንሃብቲ ማይ የብርስ ዘሎ ናይ 'እምቦጭ' ጻሕያይ ምጥቃስ ይከኣል" ኢሉ ዶክተር መለሰ።

መበቆላውያን ዘይኮኑ ጅር፡ ዕጸዋትን ኣዝርእትን ንዝፈርየሉ ናይ ሕርሻ መሬት ብምቁጽጻሮም፡ እቶም መበቆላውያን ይጠፍኡ ኣለው።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዝነበሩ ንፈውሲ ዘገልግሉ መግብታት ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ኣሎ። ንኣብነት እቲ ኣሚኖኣሲድ ዘለዎ ናይ ስገም ኣይነት ላይዚን ክጥቀስ ይከኣል።

ካብ 70 ክሳብ 90 ዝኾኑ መበቆላውያን ጅር ጠፊኦም ምህላዎም ገሊጹ።

3. ክሊማዊ ለውጢ

ንመላእ ዓለም ኣሻቒሉ ዘሎ ክሊማዊ ለውጢ፡ ናይ ኢትዮጵያ'ውን ሽግር እዩ።

ሎሚ ቆላታት ናብ ምድረበዳ ይቕየሩ ብምህላዎም፡ ቀደም ዝቦቕሉ ዝነበሩ ዕጸዋት እናጠፍኡ ምምጽኦም ዶክተር መለሰ ይዛረብ።

ክሊማዊ ለውጢ ኣብ እንስሳታት ዘቤትን ዘገዳምን እውን ጸቕጢ ይገብር እዩ።

4. ብከላ

ብከላ ክንብል ከሎና፡ ንማያትን ንንቑጽ ምድርን ዘጠቓለለ እዩ።

ጸረ ባልዕን ጸረ ጻህያይን ኬሚካላት፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን እንስሳታትን ጸቕጢ ይፈጥሩ ኣለው።

ዶክተር መለስ ከም ዝብሎ፡ ንህብታትን ዘርኢ ዘሰጋግሩ በረርቲ (ፖሊኔተርስ) ይጠፍኡ ኣለው። እዚ ድማ ድርቂ ዝጻወሩን ቀልጢፎም ዝቦቕሉን ኣዝርእቲ ከስፋሕፍሑ ይገብር።

ማያት ካብ ፋብሪካታት ብዝወጽእ ፈሳሲ ይብከሉ ምህላዎም'ውን ካልእ ሽግር እዩ።

እንታይ ይገበር?

ናይ ኢትዮጵያ ብዝሐ-ህይወት ንምድሓን ብፖሊሲ ትኩረት ክግበረሉ ከም ዝግባእ ዶክተር መለስ ይገልጽ። ንናይ ዕጸዋት፡ እንስሳታት፡ ማይን ካልኦት ናይ ተፈጥሮ ሃብትን ዘመሓድሩ ትካላት ውሳነታት ቅድሚ ምሕላፎም ክዘራረቡ ይግባእ።

"ንብዝሐ-ህይወት ኢትዮጵያ ዝሕልው እቲ ትካል ጥራይ ዘይኮነ እቲ ሕብረተሰብ እንኮላይ እዩ። ንጸቕጢ ክሊማዊ ለውጢ ክንጻወር እንኽእል ንብዝሐ-ህይወት ብምሕላው እዩ" ይብል እቲ ዋና ዳይሬክተር።

ንሕማማት ዝጻወሩ፡ ዝያዳ ምሕርቲ ዝህቡን ድርቂ ዝጻወሩን ጅር ካብ ባንክ ጂን ኢንስቲትዩት ብዝሐ-ህይወት ኢትዮጵያ ምውሳድ ከም ዝከኣል ይሕብር።

ምስ ዘመናውነት ተተሓሒዞም ዝመጹ መግብታት፡ ከም ካንሰር፡ ሽኮርን ጸቕጢ ደምን ዝኣመሰሉ ሕማማት ምኽንያት ብምዃኖም፤ ተፈጥሮኣዊ መግብታት ምዝውታር ድማ ይመክር።

ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ፡ ንዘምጽኦ ሕጽረት መግቢ ንምፍታሕ 'ኣግሮፎረስትሪ' ዝተብሃለ ኣገባብ ምጥቃም ከም ኣማራጺ የቐምጥ።