መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ “ለብዘበንሲ ብስራት ምሕረትን ሕድገትን ንሰምዕ ንኸውን”

ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቒ 2014 Image copyright Hadas Ertra
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቒ 2014

ኣብዚ ሰሙን'ዚ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ከም ልሙድ መበል 28 ዓመት ናጽነቶም ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ይጽምብሉ ኣለው።

እዚ ናይ ለብዘበን ናጽነት ድሕሪ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዕርቀ ሰላም ይካየድ ብምህላውን፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር፡ ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ክፍትሑ፡ ንዓመታት ዝተኣገዳ ጋዜጣታት ብሕቲ ክኽፈታ፡ ሃገራዊ ቅዋም ክትግበርን ደሞክራሲያዊ ሰላማዊ መስርሕ ምስግጋር ክካየድ፡ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝፈላለዩ ኩሎም ሃገራውያን ዝሳተፉዎ ሃገራዊ ዕርቂ ክፍጸም ትጸቢት ዝነበሮም እሞ፡ ዘተስፉ ምልክት ለውጢ ብዘይምርኣዮም፡ "ይኣክል!" ዝብል ውዕዉዕ ተቓውሞ ካብ ዘስምዑ ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ "ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ጽምብል ናጽነት የካይድ ኣሎ። እዛ ናይ ለብዘበን ናጽነት ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ትበዓል ብምህላዋን፡ ምስ ኤርትራ ዕርቀ ሰላም ዝገበረ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ብዙሕ ለውጢ ስለዝገበረ፤ ካብ ጎረቤትና ክንመሃር ተስፋ ዝገበሩ ሓያሎ ኤርትራውያን 'ለብዘበንሲ፡ ገለ ብስራት ግዲ ንሰምዕ ንኸውን' ዝብል ትጽቢት ኣሕዲሮም ምህላዎም ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዘካየዱዎ ዕላል ኣረዲኦም።

ንሎሚ እምበኣር፡ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምን በዓላት ናጽነትን ካብ ዘስመዖ ዘረባ ቆንጪልና ብምቕራብ፡ "ለብዘበን'ከ እንታይ ኮን ይብል ይኸውን?" ንዝብል ሕቶና ርእይቶኹም ከተካፍሉና ንዕድም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ 1993 ረፈረንዶም ምስ ኣድመጸ ብተለቪዠን ኤርትራ ስምዒቱ ንኸካፍል ምስ ተሓተተ፡ "ከም ኩሎም ኤርትራውያን፡ [እቲ ዝሓለፈ] ሕጂ ኣብዚ ዘለናዮ ቦታ ኬንካ ክትርእዮ ቀሊል ይመስል ይኸውን።

"ንድሕሪት ተመሊስካ ክትሪኦ እንከለኻ ግን፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ነዊሕ ዓመታት ነብሲ ወከፍና ክፍጽሞ ዝደሊ ተልእኾ ነይሩ፡ እዚ ተልእኾ እዚ ከኣ ናይ መወዳእታ ተልእኾ መዛዘሚኡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ንነብሲ ወከፍና ብሩህ ነይሩ - ኣውራ ከኣ ንኣባላት ህዝባዊ ግንባር።

Image copyright Eri tV
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ 1993

"ኣብዚ ክንበጽሕ እዚ ኩሉ መስዋእቲ ተኸፊሉ፡ ሓርነት ናይ ሃገርና ጨቢጥና፤ ቅድሚ ዓመት ዓወትና ተዛዚሙ እዩ፡ ተልእኾና ፈጺምና ኢና ግን ኣይተባህለን። ክልተ ዓመት ተወሲኹ፡ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ረፈረንዱም ንዓይን ንኹላቶም ምእንቲ ናይዛ ሃገር ንጽነትን ሓርነትን ዝተቓለሱ ሰባት ናይ ተልእኾ ፍጻመ እዩ" ብምባል፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝተኸፍለ መስዋእትን ቀሊል ከምዘይነበረ ሓቢሩ።

ድሕሪ ረፈረንደም፡ ህዝቢ፡ ብኵናት ንዝዓነወት ሃገርን ቁጠባን ክሃንጽ ብልዑል ተስፋ ተንቀሳቒሱ ኣብ ልምዓት ሃገር ተነጣጢፉ።

መንግስቲ ብወገኑ፡ ሃገራዊ ቅዋም እትነድፍ ኮሚሽን ኣቚሙ፡ እታ ኮሚሽን ንሓሙሽተ ዓመታት ክትዓት ህዝቢ ኣካይዳ ረቂቕ ኣዳልያ፡ ብ1997 ብሃገራዊ ባይቶ ጸዲቑ፡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ኣብ ተስፋ እንከሎ ኣብ ግንቦት 1998 ኵናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ኣጋጢሙ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኩናት ዶባት 1998፡ "ናትና ኣይንህብን ናይ እንዳ ኣማንትና ኣይንደልን፡ ፍትሕን ሓቅን ብሓይልን ብሸፈጥን ስለ ዘይረጋገጻ ኣብ ጉዳይ ዶባት ይኹን ካልእ ንልኡላውነትናን ህላዌናን ክብረትናን ዝትንክፍ ጉዳያት እውን ብዓቕልን ትዕግስትን ሰላማውን ሕጋውን ፍታሓት ካብ ምንዳይ ኣይክንስልከን ኢና።

"ሓቅን ፍትሕን ምእንቲ ረብሓታት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝዕወታ ዝበለጸን ዘተኣማምንን ሰላም ክሰፍን ከም ዝኾነ ከኣ ኣየጠራጥርን" ኢሉ።

እንተኾነ፡ እቲ ክልቲኦም መራሕቲ- መለስን ኢሳይያስን ዝንቀፍሉ፡ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ዝነበሮ ኣስታት 100ሽሕ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ዘህለቐ ኵናት፡ ኣብ ታሪኽ ከም ጸሊም ነጥቢ ከምዝረአ ፖለቲከኛታት ዞባና ብዙሕ ግዜ ጽሒፎሙሉ እዮም።

ድሕሪ ምዝዛም ኩናት ኢትዮ ኤርትራ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን፡ ኣተሓሕዛ እቲ ኩናት ክግምገምን ብሰንኪ ኩናት ዝተወንዘፈ ሃገራዊ ቅዋም ክትግበርን ሓቲቶም።

እንተኾነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ትጋገዩ ኣለኹም!" ብምባል ምስኦም ክዝቲ ፍቓደኛ ኣይነበረን። እኳ ደኣ ምስ ጸላኢ ተሻሪኾም ብምባል ብኽሕደትን ጥልመትን ከሲሱ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ፍርዲ ከየቕረበ ኣሲሩ ሰዊሩዎም ይርከብ።

ድሕሪ እዚ ፍጻሜ እዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ። ገለ ነቲ መንግስቲ ዝበሎ ሰሚዑ ክድግፍ እንከሎ፡ ዝተረፈ ከኣ ስለምንታይ ኣብ ቤት-ፍርዲ ዘይቀርቡ፡ ጉዳዮም ብናጻ ቤት ፍርዲ ዘይረአ ብዝብል ቅሬታን ተቓውሞን ኣሕዲሩ ንህግደፍ ብግልጺ ክቃወሞ ጀሚሩ።

ኣብ 2013 ከኣ፡ ገለ ክፋል ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንምኒስትሪ ዜና ተቖጻጺሮም ቅዋም ክትግበርን እሱራት ክፍትሑን ጠሊቦም። እንተኾነ እቲ ብሓይሊ ብረት ከተግብሩዎ ዝፈተኑዎ ጠለብ ብመንግሰቲ ተቖጽዩ ተሪፉ።

ብህወሓት ዝምራሕ ኢሂወደግ ነቲ ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ ዝወሰኖ ይግባይ ዘይበሃሎ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ተሓሲሙ ንወጥሪ ዶባት ን20 ዓመታት መጢጡዎ።

ጽምብል ናጽነት 2013 "መኸተ ድርዕና ስራሕ ክብርና" ብዝብል ቴማ እዩ ተባዒሉ። ሽዑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡

"ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኹሎም ዝተበራረዩ ዘራያት ናይ ዓለማዊ ስርዓት ዝሑል ኲናት ሓያላን መኪቱ፣ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ፡ ናጽነቱ ኣብ 1991 ምስ ጨበጠን፡ ልዑላዊነት ብሕጋዊ መስርሕ ምስ ኣረጋገጸን፣ እቲ ድሕሪ ቊርቁስ "ዝሑል ኲናት" ዝተቐልቀለ "ዓለማዊ ስርዓት" እንኮ ሓያል ኣመሪካ፡ ንናጻን ልዑላዊትን ኤርትራ፡ ናይ ሩፍታ ዕድል ኪገድፍ ኣይደለየን" ብምባል፡ ሰባትን ውድባትን ዓሲቦም ንህዝቢ ንቑልቁል ኣተፉኒኖም ብምንቛት ርግኣትን ውህደትን ብምዝራግ መኸተን ዓቕምን ንምድኻም ይሰርሑ ምህላዎም ተዛሪቡ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ቀይዱዎም ዘሎ እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ክፈትሕን ናይ እምነት መሰላት ከኽብርን ካብ ምዝኽኻር ዓዲ ከምዘይወዓላ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብራ።

Image copyright Hadas Ertra
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሚኒስተራትን ኣብ ጽንብል ምዓልቲ ናጽነት

ቴማ መዓልቲ ናጽነት 2014 "ንርሁው ጽባሕ፡ ሎሚ ንስራሕ" ዝብል ኮይኑ፡ ፕረዝደንተ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብቲ ጽንብል፡ "…. ህዝቢ ኤርትራ ናይ ናጽነት ሩፍታ ረኺቡ ንህንጸት ሃገር ኣብ ዝተበገሰሉ ውሑዳት ዓመታት ከይሶጎመ ህውከትን ቅልውላዋትን ኣሳዊርካ ቅሳነትን ዕብየትን ኮሊፍካ ጅሆ ንምሓዙ ግጭት ባሕራዊ ዶብ ምስ የመን፡ ስዒቡ ግጭት ዶብ ኣብ ባድመ፡ ክልትኡ እዚ ፍርዳዊ መዕለቢ ምስ ተገበረሉ ምህዞ ምስሕሓብ ዶብ ምስ ጅቡቲ ተኸታቲሉ፡ ኩሉ ሸውሃት ገበትቲ ከዕግብ ኣይክኣለን" ብምባል ንስርዓት ዋሺንግተን ድሕሪ ምውቃስ።

"ኣብ መቃን ናይ ሃገራዊ ህንጸት ዕማማትና፡ ፖሎቲካዊ ህንጸት ከም መብጽሒ ኣገዳሲ እጃም ስለ ዘለዎ ምስናይ እቲ ጉዕዞና ንምስንኻል ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ተጻባኢ ግዳማዊ ሓንካሪ ህቀናታት ብዙሕ ተማሂርን ተሞኪርና ስለዘለና፡ ንመጻኢ መንግስታዊ ሰርዓት መርሓ ፖሎቲካዊ ጎደና ዝቕይስ ቅዋም ምንዳፍ ክጅመር ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ክሕብር እፈቱ" ክብል ሓዲሽ ቅዋም ከምዝነድፍ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ እቲ ብ1997 ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ቅዋምከ እንታይ ኪኸውን እዩ? ፕረዚደንት ሃገራዊ ባይቶ ንዘጽደቖ ቅዋም ክስርዝን ክቕይርን ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ ኣለዓዒሉ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ብዛዕባ ቅዋም ብዝምልከት ሕቶ ምስቀረበሉ ከኣ፡ "…. ናይ ቀደም ቅዋም ነይሩ ተንሲኡ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ጉዕዞን ብዙሓት ዕንቅፋታት ከጋጥሙና ስለ ዝጸንሑ ቅዋም ከይተኣወጀ ሞይቱ እዩ። የድሊ ነይሩ ድዩ ኣየድልን ኣብ ዝብል ትርኪ ምርኪ ኣቲና ኣይንዛረብን ኢና።

"ንሕና ኪንኡ ኢና፡ መን ነዲፍዎ? ብኸመይ ተነዲፉ? እንታይ'ዩ ትሕዝትኡ፡ ናበይ ገጹ'ዩ ዘምርሕ እንድሕር ኢልና ብዙሕ ነገር ተማሂርና ኢና። ሽዕኡ ዝነበረና ንቕሓትን ሕጂ ዘለና ንቕሓትን እንተተራእዩ ሕጂ ዝያዳ በሲልና ኢና። ንዝኾነ ዓይነት ጋግ ዘጽብብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ጋግ'ውን ከይፍጠር ምእንቲ ዘረጋግጽ ስርዓተ መንግስቲ ክህሉ ክኽእል ኣለዎ፡ ንዕኡ ዝቖመ ሓደ ኣካል ኣሎ፡ ዓው ዓው ከይበልና ኢና ንሰርሕ" ብምባል፡ ቁርጺ መልእኽቱ ሓቢሩ።

'ልምዓት ብጽንዓት' ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተባዕለ ጽምብል ናጽነት ከኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ "ናጽነት ትርጉሙን ክብሩን፡ በቲ ዝተኻየደ ሓርነታዊ ቃልሲን ዝተኸፈሎ ክቡር መስዋእትን ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ንምሕላውን ንምህናጹን ዝካየድ ቃልስን መስዋእትን'ዩ ዝትመን። ናጻ ሃገር ምህናጽን ናጻ ሃገር ምምጻእን ተማላላእቲ ስለ ዝኾኑ፡ ሓቐኛ ሃገር ተዘይተሃኒጹ ቃልስናን መስዋእቲ ጀጋኑን ዛንታ ኮይኑ ክተርፍ እዩ።

"ብጉልባብን ጊላነትን ወያነ ትርጉም ዘይብሉ ጉዳይ ዶብን ባድመን ኣሳዊርካ፡ እቲ ጉዳይ መዕለቢ ረኺቡ ከይዕጾ፡ ንናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ከይትግበር ከቲርካ፡ ብቅሉዕ ርግጸት ሕግን ወራር ምንህሃርን፡… ናይ ጠቀነ እገዳ ከም ዝብየን ምስግዳድ፡ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ባብ-ኤል መንደብን መሰረት ዘይብሉ ናይ ፈጠራ ግጭት ኣሳዊርካ ጅሆ ንምሓዝና ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ናይ ከንቱ ሽርሕታት ሕላገታት ንናጽነትናን ልዑላውነትናን ዝመከትናሎም ተጻብኦታት እዮም" ብምባል ሓይልታት ምዕራብን ኣመሪካን ንኤርትራ ብቐጻሊ ከምዝጻብኣኣ ሓቢሩ።

ኣብ 2016 መበል 25 ጽንብል መዓልቲ ናጽነት 'ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ርብዒ ዘመን ኣብ መኸተን ልምዓትን' ዝብል ቴማ እዩ ተባዒሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ቅሉዕ ወራር ዓባቢጥካ ንምህሳስ ንኤርትራ ከኣ ካልእ ወጣጢ ግንባር ከፊትካ ኣብ ቀጻሊ ቅልውላው ንምቕርቓር ምእንቲ ክጥዕም፡ ንዕብየት ወተሃደራዊ ናይ ርእሰ ምክልኻል ዓቕሚ ኤርትራ ቀይድካ ምስናፍ እካ እንተኾነ፡ ንዝያዳ ፖሎቲካውን ዲፕሎማስያውን ምንጻል ባይታ ከስፍሕ እነተሓገዘ'ውን ተባሂሉ እዩ" ድሕሪ ምባል "ኣብ ወርቃዊ እዮበልዩ የራኽበና" ብምባል እዩ መደረኡ ዛዚሙ።

"ብርሃን ንደርማስ ምዕባለ" ብዝብል ቴማ ኣብ 2017 ዝተባዕለ ጽምብል ናጽነት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ናይ ሓርነትን ልኡላውነትን ፍሉይ ቅያ ኣብ 1991 ኣይተዛዘመን፡ ናይ ዕብለላን ግዝኣተ ጫካን ሓይልታት ዓለማውን ዞባውን ምልከቶም ንምንጋስ ህዝቢ ኤርትራ ሩፉታ ረኺቡ ንሳቶም ንዘዕነውዎ መሬቱ ምእንቲ ከይሃንጽ ኣብ ዕንክሊል የእቲኻ ጅሆ ንምሓዙ ካብ ሓንሽ ናብ ባድመ፡ ናብ ዱሜራ ዘካየድዎ ሽርሕታት ብሓይልን ብሕግን መኪቱ ስዒርዎ እዩ" ብምባል ሓይልታት ምዕራብ ድሕሪ ናጽነት ጥራሕ ን27 ዓመታት ከምዝተጻብእዎ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ብዙሓት ናይ ቀረባ መሳርሕቲ ፕረዚደንት፡ ገዳይም ተጋደልቲ ሰበስልጣን እታ ሃገር ነበር፡ እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ ምዕራብን ኣመሪካን ዝብሎ፡ ካብ ግጉይ ዲፕሎማሲያዊ ፖሊሲኡ ዝምንጩ፡ ብድኽመታቱ ንከይእመን ዝገብሮ ጉልባብ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

ፕረዚደንት ኢሳየያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ "ራኢ ብዕዮ!" ብዝብል ቴማ፡ ዓሚ ግንቦት ዝተባዕለ መበል 27 ዓመተ ናጽነት፡ " ዓለማውን ዞባውን ኣጀንዳታት ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዕዞና መጠናዊ ጽልዋ ዘለዎም ሮቛሒታት እዮም። ልምዓታዊ መኸተና ብዝዓበየ ጉልበትን ዝያዳ ናህርን ደርማስ ፕሮግራማት ከነተግበር ኢና" ብምባል፡ መንግስቲ፡ ኩሉ መዳያት ትሕተ ቕርጺ ብኣድማዕነት ንምህናጽ ከምዝሰርሕ ሓቢሩ።

ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ መበል 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ እቲ ን20 ዓመታት ዝጸንዐ ወጥሪ ብዕርቀ ሰላም ምስተፈትሐ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ቆጽሊ ሰላም ሒዙ ዝተቐልቀለ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ክቕበል ግልብጥ ኢሉ ወጺኡ።

እቲ ኤርትራ ንኣልሸባብ ትድግፍ ኣላ ተባሂሉ ብጸለመ ዝተስገደደ እገዳ ከኣ፡ ዳሕራይ ተቖጻጻሪ ጉጀለ ኤርትራ ምስ ኣልሸባብ ምትሕብባራ ዘረጋግጽ ዝኾነ ይኹን መርትዖ ኣይተረኽቦን ብምባል፡ ነቲ ብዙሕ ዝተዘርበሉ ክሲ ኣፍሺሉዎ። ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ከኣ እቲ ካብ 2009 ኣትሒዙ ዝጸንዐ እገዳ ተላዒሉ።

ዶባት ተኸፊቱ ተነፋፊቑ ዝነበረ ህዝቢ ተሓቛቒፉ ዕዳጋታት ኤርትራ ተረጋጊኡ፡ ምስ ቀረባና ጎረቤት ትግራይ ዘተስፉ ናይ ንግድ ልውውጥ ተጀሚሩ። እንተኾነ፡ እቲ ዕርቀ ሰላም ንምትርናዕ፡ ኣባል ኣመራርሓ ህወሓትን ኢሂወደግን ነበር ገዲም በዓል ስልጣን፡ "ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ዝሓለፈ ቂም ይረስዕዎ እንዶ - ንተዓረቕ!" እውን እንተበለ፡ ሰበስልጣን ኤርትራ ግን፡ "ወያነ-ገይም ኦቨር" ካብ ምባል ሓሊፎም ምእንቲ ምሉእ ዕርቂ ሰኸኽ ኣይበሉን።

ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ኣርባዕቲኡ መስመራት ተዓጽዩ ኣስመራ ካብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዝጸንከረን ዝተረረን ሓለዋ መበል 28 ዓመት ጽንብል ናጽነታ ተብዕል ኣላ።

ኣብዚ፡ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራን ድሕሪ ምልዓል እገዳ ባይቶ ጸጥታን "ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት" ብዝብል ቴማ፡ ንመበል 28 ዓመት ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እንታይ ዓይነት ብስራት የስምዕ ይኸውን" ዓርቢ ምሸት ዝምልሶ ሕቶ ክኸውን እዩ።