ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝበለ ሃዋህው'ያ ናጽነታ ትጽምብል ዘላ?

ናጽነት Image copyright Eritrea MOI

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቅንያት'ዚ፡ ኣንጻር ዘውድን ደርግን ን30 ዓመታት ተቓሊሱ" ዓሰርተታት ኣሻሓት ሰማእታት ከፊሉ፡ ብጠበንጃን ብምርጫን ንዘረጋገጻ ናጽነቱ፡ ንመበል 28 ዓመት ይጽንብል ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ፈደረላዊ መሰሉ ምሰተጋህሰን ባይቶኡ ብሓይሊ ምስ ፈረሰን ናብ ንጉስን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣቤት ኢሉ ፍትሕን መልስን ምስ ሰኣነ፡ ምስተጸፍዐን ምስተገፍዐን መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ኣዊጁ።

ኣብቲ ቀዳማይ 10 ዓመታት ቃልሲ፡ እቲ ብፍቕዲ ኣጻብዕ ብዝቑጸሩ ውሑዳት ተቓለስቲ ጀሚሩ በብቑሩብ ዝሰሰነ ሃገራዊ ውድብ፡ ኣብ ውሽጡ ዘይዕረቕ ግርጭት ስለእተፈጥረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ውሑዳት ተጋደልቲ፡ ካብ ተሓኤ ተፈንጪሎም ብ1970 ህዝባዊ ሓይልታት ዝስመ ውድብ ኣቚሞም።

ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት፡ ክልቲኡ ውድባት ብዓቕሚ ሰብን ተመኩሮ ኩናትን ዓብዩ፡ ንመብዛሕትአን ከተማታት ኤርትራ ናጻ ኣውጺኡወን። እንተኾነ ኣብ 1978 ስርዓት ደርግ ንሲያድ ባረ ምስ ሰዓረ፡ "የካራማራ ድል በቃሩራ!" ብዝብል ጭርሖ ገዚፍ ሓይልን ዕጥቅን ኣኽቲቱ፡ ንውድባት ኤርትራ፡ ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ተቖጻጺሮሞ ካብ ዝነበሩ ከተማታት ናብ በረኸታት ሳሕልን ባርካን ደፊኡዎም።

ኣብ 1980 ህዝባዊ ግንባር፡ ስርዓት ደርግን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሕጋዊ ረፈረንደም ድምጹ ንክሕተት ዕድል ክወሃቦ ጻውዒት ኣቕሪቡ። ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ዝነበረ ደርግ ግን ኣይተቐበሎን።

ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብምክያድ ንውድባት ኤርትራ ብብረት ክስዕሮም ጽዒሩ - ግን ኣይከኣለን። ኣብ 1981 ኣብ መንጎ ክልተ ውድባት ኤርትራ ኩናት ሓድሕድ ተኻይዱ፤ ተሓኤ ከኣ ካብ ሜዳ ኤርትራ ተደፊኣ ወጺኣ።

ክልቲኦም ሓይልታት፡ ደርግን ተቓለስቲ ናጽነትን፡ ኣብ ኣኽራናት ሳሕል ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ምስተረባረቡ፡ ኣብ ግንቦት 1991 ህዝባዊ ግንባር ናብ ኣስመራ፡ ህወሓት ዝመርሖ ኢሂወደግ ከኣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ስርዓት ደርግ ተሳዒሩ። እቲ ናጽነት ዘረጋገጸ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ከቕውም እንከሎ፡ ኢሂወደግ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መንግስቲ ኣቚሙ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን ብብረት ንዘረጋገጾ ናጽነት ብሕጊ እውን ወግዓውነት ከልብሶ ስለዝደለየ፡ ኣብ 1993 ህዝቢ ድሌቱ ተሓቲቲ ዝምልሰሉ ረፈረንዱም ኣካይዱ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ 98̈.9% እወ ንናጽነት ብምድማጽ፡ ኣብ ሚያዝያ 1993 ከም ናጻ ህዝብን ሃገርን ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ተጸምቢሩ።

Image copyright ALEXANDER JOE

ን30 ዓመታት መሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዓወት ደቁ ተሓጒሱ፡ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ተመስሪቱ፡ 'ንገድ ነጋዳይ - ሕረስ ሓረስታይ!' ኮይኑ ምድረ ሰማይ ሰላምን ቅሳነትን ክወርሶ ተመንዩ - ኣብ ህንጸት ሃገር እጃሙ ከበርክት ፋሕተርተር ኢሉ።

ብዙሓት ኣብ ስደት ዝጸንሑ ኤርትራውያን እውን "አሕዋትና ካብ ኣተውን ናጽነት ካብ ተረኽበን" ብምባል ዘዘለዎም ትሕዞ ሒዞም ናብ ሃገሮም ውሒዞም። እንተኾነ ምስ ፖሊስን ኣሰራርሓን ግዝያዊ መንግስቲ ስለዘይተጠዓዓሙ ሓያሎ ናብ ዝመጽኡዎ ተመሊሶም።

ብምሕደራን ኣልያን መንግስቲ ዘይተሓጎሱ ወገናት 'ከምዚ ኣይተጸበናን' ብማለት በብእዋኑ ኣቤት ክብሉ ተራእዮም። ግን ህዝቢ፡ 'ኣብ እዋን ምስግጋር ኩሉ ነገር ከምዝደለኻዮ ስለዘይከውን፡ ክሳብ ዝርሁን ቅዋማዊ ስርዓትን ዝምስረትን ንጸዋወር ብምባል፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ጽንብል ናጽነት ሓዲሽ ተስፋን ፖሊስን ክሰምዑ እናጸለዩ ተጸሚሞም።

Image copyright Alexis ORAND/Getty Imees

ኣብቲ ፈለማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ምስ ዝሓዘ ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ህወሓትን ንሱ ዝመርሖ ኢህወደግን ጽቡቕ ርክብ ስለዝነበረ፡ ህዝቢ በቲ ዘተስፉ ሃዋሁው ተተባቢዑ ካብን ናብን ክገይሽን ክነግድን ኪኢሉ ብተስፋ ክንቀሳቐስ ተራእዩ።

እንተኾነ ኤርትራ፡ ኣብ 1995 ብሕቶ ዶብ ሙሳ ዓሊ ምስ ጂቡቲ፡ ብደሴታት ዝቑር ሓንሽ ምስ የመን፡ ኣብ 1996 ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ ምስ ሱዳን ተዋጊኣ። ኣብ 1994 ብኩናት ንዝዓነወት ሃገሮም ክሃንጹ ን18 ኣዋርሕ ከገልግሉ ዝተሓተቱ መንእሰያት ናጽነት ከኣ ኣብቲ ቁርቁስ ተሳቲፎም ተሰዊኦም። እቲ ፍጻሜ ንህዝቢ ኤርትራ ኣሰንቢዱዎን ኣሻቒሉዎን።

ኣብ 1994 ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤኡ ብምክያድ ካብ ህዝባዊ ግንባር ናብ ህግደፍ ዝቐየረ ግዝያዊ መሰጋገሪ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ፡ ሃገራዊ ባይቶ ኣቚሙ ሃገራዊ ቅዋም ዝነድፍ ኮሚሽን ስለዘጣየሰ እቲ ቅዋም ምስ ጸደቐ፡ ኣብ ልቢ ኩሉ ሰብ፡ ኤርትራ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት መስሪታ ናብ ሓዲሽ ምዕራፍ ክትሰጋገር እያ ዝብል ተስፋ ሓዲሩ።

እንተኾነ ኣብ ግንቦት 1998 ኣብ መንጎ እቶም ናይ ቃልሲ መሓዙት ውድባትን ስርዓታትን ብዶባት ዝተመኽነየ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ከቢድ ኩናት ተኻይዱ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ መንእሰያት ክልቲኡ ሃገርን መወዳእታ ዘይብሉ ዕድላትን ተኸሲሩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንኹሉ እቲ ዘጋጠመ ኩናት፡ ስርዓት ዋሺንግተን፡ ንገስጋስ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕንቃፍ ብከደምቱን ዕሱባትን ዝኣጎዶን ዘሳወሮን እዩ ክብል እዩ ዝገልጾ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ብዝተኻየደ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን መወዳእታ ዘይብሉ ዕድላት ተኸሲሩ

ኩናት ዶባት 1998-2000 ብስምምዕ ኣልጀርስ ምስ ዓረፈ፡ ብጉጅለ-13 ዝጽውዑ፡ ኣብ በርሊን ዝተኣኻኸቡ ግዱሳት ምሁራት፡ ሓሳባት መጻኢ ጉዕዞ ዝሓዘት ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ልኢኾም ግን ፍረ ኣየፍረየን።

ድሕሪ ቑሩብ ከኣ ብጂ15 ዝፈለጡ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን መንግስትን ዝነበሩ ምኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ገዳይም ተጋደልቲ፡ ብጉዳይ ሃገር ንኽዝትዩ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣኼባ ክዕድም ሓቲቶም ብሓጺር ምላሽ " ትጋገዩ ኣለኹም!" ምስተባህሉ፡ ናብ ተጋደልትን ህዝብን ቅሉዕ ደብዳበ ጽሒፎም።

ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን እቶም ጉጅለን ወጥሪ ዓሪጉ እቶም ደለይቲ ለውጥን ጽገናን ርእይቶታቶም ኣብተን ሽዑ ዝዕንብባ ዝነበራ ጋዜጣታት ብሕቲ ጽሒፎም። ኣብ መስከረም 2001 ከኣ ንሳቶምን ንርእይትኦም ዝድግፉን ሐሳባቶም ዘቃልሑን ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም - እተን ጋዜጣታት እውን ተኣጊደን።

እቶም ብኽሕደት ሃገር ተወንጂሎም ዝተኣስሩ ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን፡ ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ፡ ዝኾነ ይኹን መሰል እሱር ተነፊጉዎም ክሳብ ሕጂ ተሰዊሮም ኣለው።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ኤርትራ ዝወጽኡ ሓለውቶም ዝነበሩ ሰባት፡ ብዙሓት ካብኣቶም ብሕማምን ጸቕጢ ኣየርን ከምዝሞቱ እኳ እንተሓበሩ፡ መንግስቲ ግን ክሳብ እዚ ቐረባ እዋን ምንም ከይበለ እዩ ጸኒሑ።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ግን ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ሳልሕ ዑስማን ምስ ሓንቲ ናይ ፈረንሳ ሚድያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ " ኩሎም ብህይወት ኣለው፡ ጥዕነኦም ከኣ ጽቡቕ ኣሎ!" ክብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ - ግን ልዕሊ እቶም ሓለውቶም ነበር ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣይተኣምነን።

ኣብ 2009፡ ኤርትራ ንኣልሸባብ ትድግፍ ኣላ ብዝብል ዳሕራይ ሓቂ ዘይምንባሩ ብዝተረጋገጸ ክሲ ንመንግስቲ ኤርትራ እገዳ ሸመታ ኣጽዋር ተገይርሉ። ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝኸፈለ ፖለቲካዊ ወጥሪ 2001ን፡ ምስ ሕንገዳ ህወሓት ንትግባረ ብይን ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ተደሚሩ፡ ንህይወት ኤርትራውያን መሪር ገይሩዎ እዩ።

ብስም ምኽባር ልዑላውነት ን20 ዓመታት ኣብ ድፍዓት ዶባት ዝተጸምዱ፡ ግዜ ዝነውሖም ምሕደራ ዝመረሮም መንእሰያት ኤርትራ እግሮም ብዝመርሖም ብቃፍላይ ንስደት ኣምሪሖም። ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ኣብ ኣጻምእ ሰሃራን ሲናይን ብሸፋቱ፡ ኣብ ባሕሪ ከኣ ብማዕበል ዝሃለቑን ብዝወጽኡ ዘይተመልሱ፡ ብኡ ኣቢሎም ዝተሰወሩ ደሃዮም ዘይተሰምዐ መንእሰያት ብዙሓት እዮም።

ዋሕዚ ስደትን ኣውያት ግዳያትን እናበዝሐ ምሰ ከደ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ኤርትራ ተፈጺሙ ዝበሃል ሰብኣዊ ግህሰት እትምርምር ፍልይቲ ራፖርተር መዚዙ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኤርትራ ኣትያ ስርሓ ከተሳልጥ ስለዘይተሓባበረ ሰለስተ ዝኣባላታ መርማሪት ኮሚሽን ኣቚሙ። እታ ኮሚሽን ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ጽዑቕ ስራሕ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ምህላውን፡ እቶም ፈጸምቲ ገበን ሰበስልጣናት መንግስቲ ኤርትራ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ክሕተቱ እማመ ኣቕሪባ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዘለዎ ንምድኻምና ዝግበር ውዲት እዩ ብምባል ነጺጉዎ።

እቲ ኹነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዓሚ ሚያዝያ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተመዘዘ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንብይን ኮሚሽን ዶባት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ከምዝቕበሎ ብምግላጽ ምስ ኤርትራ ዕርቀ ሰላም ከምዝደሊ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ እውን ኣብ ዝኽሪ ሰማእታት 20 ሰነ፡ 'ወያነ ገይም ኦቨር' ብምባል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተኸስተ ምዕባለ ብቐረባ ንምግምጋም ልኡኻቱ ከምዝሰድድ ሓቢሩ። ክለቲኦም መራሕቲ ተበጻጺሖም፡ ኣብ ረርእሰ ከተማኦም ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ንቀዳማይ ሚኒሰትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንምቕባል ናብ ጎደና ሓርነት ዝወጸ ህዝቢ

ስምምዕ ተኸቲሙ፡ ዶባት ጽልኢ ብፍቕሪ ፈሪሱ፡ ተነፋፊቑ ዝነበረ ህዝቢ ተሓዋዊሱ፡ ንግዳዊ ርክባት ጀሚሩ፡ ህዝቢ እውን ተስፋ ገይሩ። እንተኾነ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ እቲ ንኽልቲአን ሃገራት ዘራኽብ ኣርባዕተ መስመራት ተዓጽዩ እዩ ዘሎ።

ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኤርትራውያን ከምቲ ኣብይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እውን እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ክፈትሕ፡ ብፖለቲካዊ ፍልልይ ተረሓሒቖም ምስ ዝጸንሑ ሃገራውያን ዕርቀ ሰላም ኣዊጁ ሓቢሩ ክሰርሕ፡ ቅዋም ክትግበር፡ ሰላማዊ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ክካየድ ተጸብዮም ግን ዘተስፉ ኣንፈት ኣይተራእየን።

ልዕሉ ኩሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ስምምዕን ዝርዝራቱን ክንገሮ ተጸብዩ። እንተኾነ ዝበዝሕ ግዜ ብዛዕባ ሃገሩ ዝምልከት ጉዳያት ብሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንሰምዖ ኣሎና ዝብል ቅሬታኡ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክገልጽ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከኣ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ይኣክል!" ብዝብል ህዝባዊ ጻውዐዒት ኣብ ኤርትራ፡ ቅዋማዊ ስርዓትን ሰላማዊ ምስግጋር መንግስትን ይጠልቡ ኣለው።

ጽምብል ናጽነት 28 ዓመት ከኣ ኣብ ከምዚ ሃዋሁው እያ ትበዓል ዘላ።

Image copyright Eritrea MOI

ኣብዚ ፍሉይን ታሪኻውን ኣጋጣሚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መደረ ጽምብል ናጽነት ገለ ዘተስፉ ዝጭበጥ ነገር ክሰምዕ ልዑል ትጽቢት ኣሕዲሩ ምህላው ብመራኸቢ ብዙሓን ይዛረብ ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት