ብሪጣንያ፡ ተሬዛ መይ ቅድሚ ብረክዚት ካብ ስልጣና ክትወርድ ምዃና ኣፍሊጣ

ተሬዛ መይ Image copyright Reuters

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ተሬዛ መይ፡ ኣብ ዝመጽእ 7 ሰነ ካብ መሪሕነት ዓቃባዊ ሰልፊ ከም እትወርድ ድሕሪ ምፍላጣ፤ ንቦታኣ ዝትክ መን ክኸውን'ዩ ዝብል ሕቶታት ርሱን ክትዕ ፈጢሪ'ሎ።

ኣብቲ ሎሚ ዝገበረቶ ብስምዒት ዝተመልአ መደረ፤ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትወጽእ ንዝተውሃበ ውሳነ ህዝቢ 2016 ክተኽብር "ዝከኣለኒ ኩሉ ገይረ እየ" ኢላ።

እንተኾነ ግን ነዚ ክተፈጽም ብዘይምኽኣላ "ከቢድ ጣዕሳ" ከምዝስመዓ ተዛሪባ።

ኣብ ውሽጢ እቲ እትመርሖ ዘላ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ዝቕጽል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኸውን ሰብ ንምምዛዝ ዝግበር ንሕንሕ ክሳብ ዝፍጸም፡ ተሬዛ መይ ኣብ መዝነታ ክትጸንሕ ምዃና'ውን ኣፍሊጣ።

ተሬዛ መይ ካብ መሪሕነት ዓቃባዊ ሰልፊ ዓዲ እንግሊዝ፡ 7 ሰነ ክትወርድ እያ፤ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ከኣ ንዓኣ ንምትካእ ዝካየድ ውድድር ክጅመር እዩ።

ጸሓፊ (ሚኒስተር) ጉዳያት ወጻኢ ጀረሚ ሃንት ንቦታ መሪሕነት ሰልፊ፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ንቀዳማይ ሚኒስተርነት ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረን፡ ቀንዲ ካብ ነቐፍታ ኮይኑ ዝጸንሐን ቦሪስ ጆንሰን፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ካብ ቦታኣ ክትወርድ ክጽውዕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንመሪሕነት ክወዳደር ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።

ንሱ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ስምምዕ ይገበር ኣይገበር ኣብ 31 ጥቅምቲ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክንወጽእ ኢና" ክብል ተሰሚዑ'ዩ።

ብዘይካኡ ድማ፡ ኣባላት ፓርላማ ዝኾኑ ኤስተር ማክቨይን ሮሪ ስቲዋርትን ንተሬዛ መይ ንምትካእ ክወዳደሩ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ። ሓደ ደርዘን ዝኾኑ ካልኦት ኣባላት ፓርላማ ዝኾኑ ዓቃባውያን'ውን ንክወዳደሩ ይሓስቡ ከም ዘለዉ ይንገር።

ብመሰረት ሕጊ ናይቲ ሰልፊ፡ ነቲ ሰልፊ ዝውክሉ ኣባላት ፓርላማ ኣብ ዘካይድዎ ተኸታታሊ ምርጫታት ብምግባር፡ ኣብ መወዳእታ ክልተ ተቐናቐንቲ ምስ ተረፉ ኣብ ዝግበር ናይ መወዳእታ ምርጫ'ዩ እቲ መራሒ ዝምረጽ።

እቲ መስርሕ ምምራጽ፡ ድሕሪ 7 ሰነ ከም ዝጅመርን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ሓድሽ መራሒ ሰልፍን ቀዳማይ/ቲ ሚኒስተር ከም ዝምረጽ ሰብመዚ ናይቲ ሰልፊ ኣፍሊጦም።

እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ምውጻእ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ብዝምልከት፡ ምስ ሓለፍቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዝገበረቶ ስምምዕ ኣብ ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ሰለስተ ግዜ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

በዚ ድማ፤ ክትንቀፍ ጸኒሓ እያ።

መራሒ ሰልፊ ዕዮ ዝኾነ ጀረሚ ኮርቢን ብወገኑ፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትወርድ ምውሳና "ጽቡቕ ጌራ" ድሕሪ ምባል፡ ዓቃባዊ ሰልፊ "ይፋራኸስ ኣሎ" ኢሉ። ጉዳይ ብረክዚት ህዝቢ ብሃገራዊ ምርጫ ክውስኖ እቲ ዝቕጽል መራሒ ከፍቅድ ድማ ጸዊዑ።

ኣብቲ ሎሚ ዝገበረቶ መደረ፤ እቲ ንዓኣ ዝትክእ መራሒ ኣብ ፓርላማ ስምምዕ ኣስፊኑ ነቲ ንሳ ክትፍጽሞ ዘይከኣለት ጻዕሪ ክደፍኣሉ ከምዝሓይሽ እኳ እንተገለጸት፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ግን ቀሊል ከም ዘይከውን ይግመት።

ብረክዚት፡ ንፓለቲካ'ታ ሃገር ከፋፊልዎ ዝርከብ መዕለቢ ዝሳኣነ ጸሊም ደበና ኮይኑ'ሎ።