ፈይስቡክ፡ ተወሳኺ ሰለስተ ቢልዮን ስኑዕ ገጻት ዓጽዩ

መለለዩ ፈይስቡክ Image copyright Reuters

ፈይስቡክ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ፡ ልዕሊ 3 ቢልዮን ስኑዕ ገጻት ፈይስቡክ ከም ዝሰረዘ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብ ርእሲ እዚ'ውን ልዕሊ 7 ሚልዮን ''ጽልኣታዊ ዘረባ'' ዝሓዘሉ ትሕዝቶታት ከም ዝኣለየ ኣፍሊጡ።

ፈይስቡክ ንመጀመርያ ግዜ ብዛዕባ እቶም ዝተደምሰሱ ጽሑፋትን ገጻት ፈይስቡክን ጥርዓን ምስ ቀረቦ መሊሱ ከም ዝለጠፎም'ውን ገሊጹ።

ብተወሳኺ እቲ ትካል፡ ንመሸጢ ኣቕሑ ይውዕሉ እዮም ኢሉ ዝገለጾም፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ገጻት ከም ዝዓጸወ ኣብቲ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ እቲ ትካል ዝሰረዞመም፡ ከም በዓል ሓሺሽ፡ ብረትን ካልኦት ዝተኣገዱ ነገራት ዝሸጡ ገጻት ጸብጻብ ክህብ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።

መስራቲ ፌስቡክ ማርክ ዛከርበርግ'ውን፡ ነቶም ፈይስቡክ ክመቓቐል ኣለዎ ንዝበሉ ግብረ መልሲ ከም ዝሃበን፡ ዕብየት እቲ ትካል፡ ነቶም ዝፍጠሩ ጸገማት ብግቡእ ክገጥሞም ከም ዝኽእል ኣዘኻኺሩ።

"ነቲ ኩባንያ ምምቕቃል ከም ፍታሕ ናይቲ ጸገማት ገይረ ኣይወስዶን እየ" ድማ ኢሉ።

ዕብየት እቲ ስኑዕ ገጻት፡ ብሰንኪ ክፉእ ዕላማ ዘለዎም ሰባት ተሰኒዑ ብብዝሒ ከም ዝዝርጋሕ'ውን ፈይስቡክ ሓቢሩ። እንተኾነ ግን፡ እቶም ስኑዕ ገጻት ቅድሚ ጸገም ምፍጣሮም ብግቡእ ኣለልዩ ኣብ ውሽጢ ደቃይቕ ክኣልዮም ከም ዝኸኣለ ሓቢሩ።

እቲ ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ጾታዊ ዓመጽ ቆልዑ ዘርኢ ምስልታት፡ ጐነጽን፡ ግብረሽበራዊ ፕሮፓጋንዳን ኣብ ፈይስቡክ ከም ዝተረኣየ ኣመልኪቱ።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10,000 ኣብ ፈይስቡክ፡ ዝልጠፉ ትሕዝቶታት

  • ከባቢ 14 ሰባት ዕራቖት ይርእዩ
  • ከባቢ 25 ሰባት ድማ ጐነጽን ብስሊ ዝተሰነደ ሕማቅ ትሕዝቶ ይርእዩ
  • ካብ ሰለስተ ዝውሕዱ ሰባት ድማ ኣብ ቆልዑ ዓመጽ ክፍጸም ዘርኢ ምስልታትን ግብረሽበራዊ ፕሮፓጋንዳ ከም ዝርእዩ የመልክት።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት