መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ፡ 17 ሓድሽ ክስታት ተመስሪትዎ

ጁልያን ኣሳንጅ Image copyright AFP

ሚኒስትሪ ፍትሒ ሕቡራት መንግስታት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ክስትለም (ክወሃባ) ትጽበዮ ዘላ፡ መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ 17 ክስታት መስሪታ።

እቲ ክስታት፡ ዝርዝር ምስጢራዊ ምንጭታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምቕባሉን ምዝርግሑን ዝኸስስ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓበሬታታት ፐንታጎን [ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ] ንምርካብ፡ ቸልሲ ማኒን ምስ ዝተብሃለት ተንታኒት ስለያ፡ ተመሻጢሩ ብዝብል ተከሲሱ ነይሩ።

ኣሳንጅ ንዝተውሃቦ ውሕስና ብምጥሓሱ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዋሕስ እንከሎ፡ ኣብ ሽወደን ብጾታዊ ጥቅዓት ብምኽሳሱ፡ ኣብ 2012 ኣብ ኤምባሲ ኢኳዶር ለንደን ዑቕባ ሓቲቱ። ንሱ ነቲ ክስትታት ከም ዘይወዓሎ እዩ ዝገልጽ።

ኤኳዶር ነቲ ዝሃበቶ ዑቕባ ብምስራዛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ዩ፡ እቲ ወዲ 47 ዓመት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። እቲ ተዋሂብዎ ዝነበረ ውሕስና ብምጥሓሱ ን50 ሰሙናት ክእሰር እዩ።

ኣሳንጅ ምስጢራዊ ወትሃደራውን ዲፕሎማስያውን ሰነዳት ብምዝርግሑ ንሕጊ ስለያ ሕቡራት መንግስታት ከም ዝጠሓሰ፡ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ተመስሪትሉ ዘሎ ሓድሽ ክሲ፡ ይገልጽ።

ኣሳንጅ "ዝተፈላለዩ ነቲ ሓበሬታታት ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ነቲ ሓበሬታ ከቐብልዎ ብተደጋጋሚ ኣተባቢዑ" ይብል።

ቸልሲ ማኒን ነቲ ሰነዳት ክተቐብሎ ምስ ጀመረት፡ ብቀጻሊ ክትህቦ ኣሳንጅ ከም ዘተባብዓን ፓስወርድ ንምስርሳር ክተሓባበራ ከም ዝተሰማምዐን ይገልጽ።

ገበነኛ ኮይኑ ምስ ዝርከብ ንኣሰርተታት ዓመታት ክእሰር ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ዊኪሊክስ ድሕሪ እቲ መግለጺ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እዚ 'ጽላለ' ምዃኑን 'መወዳእታ ናይ ጋዜጠኝነት ሃገራዊ ድሕነትን ፈላሚ ምትዕርራይን' ናይቲ ናይ ምዝራብ ነጻነት ዘውሕስ ሕጊ ምኳኑ ገሊጹ።