ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ሰበ ስልጣን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ሰንደቕ ዓላማ ክልል ቤንሻንጉል Image copyright Wikipedia

ኣብ ቀረባ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ብዝነበረ ምኽንያት ሞትን ምምዝባልን ብዙሓት ሰባት ዝኾነ ጸገም ጸጥታ ዝተጠርጠሩ ሰበ ስልጣን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ተባሂሉ።

መራኸቢ ሓፋሽ ኣምሓራ ከም ዝጸብጸቦ፡ ሓላፊ መምርሒ ጉዳያት ጸጥታ ዞባ መተከል ኣቶ ፋንቻ ኣምሳያን ከንቲባ ከተማ ግልገል በለስ ኣቶ ጊሳ ዚፋህን፡ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለው'ዮም።

ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ምክልካልን ኣባላት ፖሊስ ፌደራልን፡ ነዞም ሰብ መዚ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተውዎም'ውን ሓቢሩ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋጽን ኣብቲ ዕግርግር ዝተሳተፉ ኣካላትን ናብ ሕጊ ንምቕራብ" ከም ዝስራሕን ህዝቢ ሓገዝ ክገብርን ጸዊዑ ነይሩ።

ቅድም ክብል'ውን ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ዳንጉር ተላዒሉ ዝነበረ ግጭት ተዛሚዱ ዝተጠርጠሩ 33 ውልቀሰባት፡ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዎምን፡ ካብዚኦም ሓደ ኣባል ፖሊስ እቲ ክልል ከም ዝርከብን ተገሊጹ ነይሩ።

እቲ ግጭት ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት እቲ ክልል ተላዒሉ፡ ሞትን ምምዝባልን ምስ ኣስዓበ፡ ሰራዊት ምክልኻልን ፌደራል ፖሊስን እቲ ከባቢ ንምርግጋእ ክዋፈር ተገይሩ'ዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ